መልእኽቲ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንፈስቲቫል 2025
Written by ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራክቡር ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት
ክቡር ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት
ክብርቲ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቀንስትዮን ኣቕራቢት መድረኽን
ክቡር ኣቶክብርኣብ ምስግና ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ፈስቲቫል
ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን
ክቡር ኣቶ ጽሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2025
ክቡር ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤል ኣቕራቢ መድረኽ
ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማትና
ብስም ማእከላይ መሪሕነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም
እንቋዕ ናብዚ ፈስቲቫልዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና።
ብሰለስቲኡ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ተሰናዲኡ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል እዩ። ምስ ሕሉፍ ተመክሮታትና ኣዛሚድካ ክርኤ እንከሎ ሓድነቱ ሓልዩ ምቕጻሉ እወታዊ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝነብሩ ኣባላትን መሪሕነትን ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ተላልዮም ኣድማዒ ስራሕ ንምስልሳል ዘኽእሎም ስርርዓዊ ቅርጻ ለቢሶም ምህላዎም ክሕብር ባህ ይብለኒ።
ናይ ምጥርናፍና ዕላማ ንምልኪ ስዒርካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል እዩ። እዚ ብዓወት ክዛዘም እንተዀይኑ ድማ እቲ ንምልኪ ቀንዲ ኣቚሙ ዘሎ ራዕድን ንምልካዊ ኣካይዳ ከም ንቡር ናይ ምውሳድ ባህልን ከብቅዕ ኣለዎ። ህዝብና ራዕዲ ከይቐንጠጠ፤ ዓገብ ናይ ምባል ባህሉ ከይመለሰ ንነብሱ ሓራ ከውጽእ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ህዝብና ልዕልና ሕጊ ንምስፋን ቅዋማዊ ምሕደራ ንምትካል የዋጽኣኒ እዩ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ማለት ዘይዓመጻዊ ይኹን ዓመጻዊ ክኽተል መሰሉ ምዃኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ይኣምን።
ካብዚ ብምንቃል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ክል'ቲ ብሓያሎይ ውድባት ተቐባልነት ዘለዎ እዉጅ 4 ሃገራዊ ሞቖምያታት ማለት፡
1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ
2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት
3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ
4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ
ሓደ ሰፊሕ ኣድማዒ ጽላል ንምቛም ጻዕርታቱ ቀጻሊ ክኸውን እዩ።
ምስ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣበይ በጺሕኩም? ዝብል ሕቶ ክህሉ ይኽእል እዩ። ወርሒ 11 2023 "ኣብ ውሽጥና ሒቕታ ተረኺቡ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ቀጽሉ ንዕኡ ፈቲሕና ከነርክበኩም ኢና" ኢሎሙና። ክሳብ ሕጂ ድማ ገና ኣብ ትጽቢት ኣሎና። ተስፋ ንገብር ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ጉዳይ ተፈቲሑ ሓባራዊ ቃልሲ ሓባራዊ ጽላል ንምቛም ዕዮ ክጅምር ወይ ክቕጽል።
ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዕቱብ ዘተ ተኻዪዱ። ከምቲ ኣብ መልእኽቶም ዝሰማዕኩሞ ናብ ብራኸ እተሰጋገረ ኣብ ሓያሎይ ነጥብታት ስምምዓት ከም ዝፈጸምና ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ተፈላሊና ግን ርክብና ቀጻሊ ስለዝዀነ እቲ ብዕቱብ ናይ ምፍታሑ መንፈስ እውን ብዅሉ ሽነኻት ስለዘሎ ንዕኡ ንምፋሕ ንዕኡ ፈቲሕካ ሓደ ጽላል ናይ ምቛም ጻዕርታት ቀጻሊ ክኸውን እዩ።
ኣብዚ ዓመትዚ ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራዊ ዜናዊ ትካላትን ብሓባርን ብተናጸልን ጎስጓስ ኣክዪድና መዝነት ናይ ዶክ/ መሓመድ ዓብድሰላም ባብክር፥ እቲ ካብ መስከረም 2020 ክሳብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ኤርትራ ክከታተልን ጸብጻባት ከቕርብን ዝጸንሐ ከም ዝቕጽል ምግባርና እንቋዕ ሓጐሰና ንብል። ናይ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ጠለብ እቲ መዝነት ከይናዋሕ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ሰብኣዊ ግህሰታቱ ክስነድን ክዕቀብን ከሎ ንሕጂ ሕቶታት ከም ዘልዕለሉ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ዘኽስስን ዘፍርድን መርትዖ ኰይኑ ክቐርብ ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጥ እዩ። ደጊሙ ምልዓሉ ኣይክተርፎን እዩ'ሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ስራሓት ቀጻሊ ክኸውን ነተባብዕን ድሉውነትና ንገልጽን።
ኣብ ልዕሊ ካልእ እዋናዊ ጉዳያት ከምኒ ውግእን ጽምዶን ብደገፍ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ስርዓታዊ ለውጢ ምምጻእን ንስደተኛታት ዝምልከትን ዘሎና መርገጽ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡
ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብልዝብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ንርኢ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ንውግእ ተቛሪጹ ፍልልያቶም ብሰላም ክፈትሕዎ ከም ዝግባእ ንኣምን። እንተድኣ ውግእ ተላዒሉ ሳዕቤኑ ንምግማቱ ኣሸጋሪ እዩ ብድሕሪ ክልቲኦም እተሰለፉ ዞባውያን ሓይልታት ኣለዉ፡ ከረጋግጽዎ ዝደልዩዎ ሸቶታት ክህልዎም ድማ ርዱእ'ዩ። ንሳቶም ከኣ፡
- ሓደ ደምበ፡ ኤርትራ፡ ብዶክ ደብረጽዮን ዝምራሕ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ውድባት ኣምሓራ፡ ግብጺ፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናይ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ስዑዲ ዓረብ።
- እቲ ካልእ ደምበ፡ ሰልፊ ብልጽግና፡ ምምሕዳር ኦሮሞ፡ ናይ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ RSF፡ ኢራን፡ ከምኡ’ውን ኢማራት ዓረብ
ጸለውቲ ሃገራት ከምኒ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዓባይ ብሪጣንያን ዘለወን ዓቕሚ ተጠቒመን ውግእ ንኸይልዓል ተራአን ከበርክታ ክንጽውዕ ጸኒሕና። ውግእ ናይ ብሚልዮናት ዝቕጸሩ ስደተኛታት ዋሕዚ ከኸትለለን ስለዝኽእል ንረብሓኤን ክብላ ንደበና ውግእ ከብንናኦ ከነመልክት ጸኒሕና።
ጽምዶ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ገለ ክፋል ናይ ትግራይን ይካየድ ኣሎ እንዳተባህለ ዝንገረሉ ጽምዶ፥ ኣብ ትሕቲዚ ናይ ውግእ ሃዋህው ንውግእ እምበር ንሰላም ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እተደገፈ ኣይኮነን። ንጸጥታኡ ከም ሓደጋ'ዩ ዝርእዮ። ጥዕና ዘለዎ ጽምዶ ክፍጠር ዝክኣል ክልቲኡ ስርዓታት ልዑላውነት ሕድሕድ ኣኽቢሩ፡ ዶባት ብግቡእ ሓንጺጹ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ኣህዛብ ብግዲ ዘይኮነስ ብወለንታኦም ዝዋስኡሉ ሕጋዊ ኣገባባት ክሰርዑሎም እንከለዉ እዩ።
ሓሓሊፉ ገለ ኤርትራውያን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንምእላይ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ዄንካ ምቅላስ ሓላል እዩ ክብሉ ይስምዑ። ዝዀነ ኣካል ምስ ዝደለዮ ኣካል ክማሓዞ መሰሉ እኳ እንተዀነ ነቲ በጃ ዝሓልፈሉ ህዝቢ ኣሕሊፉ ከይህቦ፥ እወ ነታ ቅዋማዊ ስርዓት ክተኽለላ ዝድሊ ሃገሩ ወይ ክፋላ ምእንቲ ከይስእን፡ እቶም ዝሕግዝዎ ብእዉጅ ኣገባብ ብልዑላውነት ኤርትራ ከም ዝኣምኑ ከረጋግጽ የድልዮ። ነየናይ ረብሓታት ንምዕቋብ ሓቢሮም ይቃለሱ ከም ዘለዉ ብንጹር ክሰፍርን ክእወጅን ይግባእ። ኣውራ ድማ እንተድኣ እቲ እትማሓዘዎ ዘሎኻ ሓይሊ መርገጻቱ ወግሐ-ጸብሐ ዝቐያይር ኰይኑ፥ ምስኡ እትኣትዎ ስምምዕ ብህዝብና ክእመን ዘለዎ ዕድል ኣዚዩ ታሕቲ ምዃኑ ምግንዛብ ጠቓሚ ከይኰነ ኣይተርፍን።
ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ክመሃር፡ክሰርሕ፡ክወልድ ክዝምድ፡ ዘለዎ ዕድላት ኣዚዩ ጸቢብ ስለዝዀነ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ። ኣብ ስደቱ ድማ እዚ ዘይብሃል ግፍዕታት ይወርዶ ኣሎ። ፖሓኤ ስቅያቶም ንምቅላል ኣቤቱታ ኣብ ምጽሓፍን ግፍዕታቶም ኣብ ምስናድን ተዋፊሩ ይርከብ።
ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝባኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ባዕሉ እቲ መላኺ ከይተረፈ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ኣብ ናይ ዕለት 23 ሓምለ ቃለ መጠይቑ ኣብ ኩሉ መዳይ ከምኒ ሕርሻ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ መጓዓዝያ፡ ትምህርቲ ወዘተ. . .ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሕጽረታት ዘርዚሩ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ ባህርያዊ ግብረመልሲ በል 34 ዓመታት ገዚእካ ልምዓት ኰነ መገዲ ልምዓት ከተትሕዝ ካብ ዘይክኣልካ፡ ውረደልና ሃገርና ባዕላትና ከነምሓድር ክብሃል እዩ ዝግባእ።
ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።
ናይ መንእሰአያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ብርጌድ ንሓመዱ ንራዕድን ፍርሕን ቀንጢጡ ንገባቲ ስርዓት ምብድሁ ኣዚዩ ዝንኣድ'ዩ። ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ዝጠቕሞ ነገራት ከነካፍሎ እንኽእሎ ነገራት ኣሎና። ተቐባል ሕድሪ እወ ተካኢ ወለዶ ብዕቱብ ተላዒሉ ምህላዉ ንፍናንና ክብ ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ እንዳገለጽና፥ ጸላኢ ኣትዩ ፋሕፋሕ ከየብሎም መስርዖም ክስጥሙን ብምክብባር ብምጽውዋር ብልዝብ ንፍልልያቶም ክፈትሑን ንጹር ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ንክህልዎምን ንዝተኽልዎ ዓንዲ-ሕጊ ምእዙዛት ክዀኑን በዚ ኣጋጣሚዚ ንምዕዶም።
ኤርትራዊ ዜጋ ክፍጽሞ ዘለዎ ግዴታ ጥራሕ ኣይኰነን ዘለዎ መሰል እውን ኣለዎ። እወ ናይ ምምእማን፡ ምዝራብ፡ ምሕሳብ፡ ምጽሓፍ፡ ምምሃር፡ ምስራሕ፡ ምእካብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ፡ መራሕቱ ናይ ምምራጽን ምውራድን ወዘተ መስል ኣለዎ። ነዚ መሰላትዚ ህግደፍ ሓሪሙዎ ኣሎ ተቓሊሱ ክምንዝዖ ኣለዎ። ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ከምቲ እተኣወጆ 18 ኣዋርሕ ክኸውን፥ ዓስቢ ድማ ክህልዎ ክቃለስ ይግባኦ። ናይ ሓደ ዜጋ መሰል ክግሃስ ከሎ ኣብ ክንዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተዓዛቢ ምዃን ሎሚ ናብኡ ጽባሕ ናባይ ኢልካ ተቢዕካ ኣብ ጎድኑ ጠጠው ምባል'ዩ እቲ ቅኑዕ ስጉምቲ።
ኣብዚ ቅንያትዚ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን፥ ጊንዳዕ ኣማሓዳሪ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን መሳርሕቱ ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ንህዝቢ ኤርትራ ዘላደየ ስብኣዊ ግህሰት ኣጋጢሙዎም ኣሎ። ክልቲኦም ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ይንገር ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ 'ዚ ንኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፥ መበቈል ዘርኡን ሃይማኖቱን ብዘየገድስ፥ ደጊም ትሩፍ ክሳብ ምዓስ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ሕጊ እንዳተገፍዐ ስቕ ኢልና ክንርኢ ንልዓል ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን እቶ ሽኔቲ ሓሰንን ካልኦት ኩሎም ናይ ሕልና እሱራትን ይፈትሑ ኢሉ ክልዓል ካብዚ ኣዳራሽ ንጽውዕ!!
ኣብ መደምደምታ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።
ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።
ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!
ብሓድነት ንሓርነት!
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
02 ነሓሰ 2025።
መልእኽቲ ኤልዲለ ናብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፖሓኤ 2025
Written by አብርሀም ተወልደ ተኪኤ አባል ማእከላዊ መርሕነትን አፈኛ ኤልዲለመልእኽቲ ኤልዲለ
ናብ ፖሓኤ ( ፈስቲቫል ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር )
ፍራንክፈርት ጀርመን
ብቀዳምነት ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሕውነታዊ ሰላምታና ንክሉ መሪህነትን ኣባላት ፖሎቲካዊ ሓልታት ኤርትራ፡ መሪህነትን አባላት ኤርትራ ማሕበር አብ ጀርመን ንኩሉ ተጋባኢ ብሽም ኤርታራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራሳዊ ለውጢ ንቀርብ።
ብምቅጻል እዚ ሎሚ ትገብርዎ ዘሎኩም ፈስቲቫልን ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ከም ትማሊ ሎምውን ዕውት ከምዝከውን ባዕል ሙልእ ተስፋ ኢና።
ዝከበርኩም ፖሓኤን ተጋባአቲ ከምንፈልጦ ሰርዓት ሕግደፍ አብ ፍልልያት ተቃለስቲ እዩ ዝነብር፡ ነዚ ጮቃኒ ስርዓት ንምእላይ እንቲ እንኮ ምርጫ ሐድነት ተቃለስትን ሕዝብን ምፍጣር እዩ። ከም ተቃለስቲ ፍታሕን አካል ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ብዙሕ ዘተሓለለ ጻዕሪ ዝተገብሮ አብ መንጎ ኤልዲለን ፖሓኤ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎ ሀገራዊ ሓይሊ ምፍጣር አብ ዝላዓለ ብራኸ ብጽሑ ዘሎ አብ መፈጸምትኡ ንክበጽሕ ናይ ኩሉና ተቃለስቲ ሓልታት ኤርትራ ጻዓርን ውህደት ምፍጣር እዩ።
ብምቅጻል አብዚ እዋን እዚ ናይ ከባብና ጂኦ-ፖሎቲክስ አብ ሐደገኛ ተአፋፊ ኩነታት አብ ዝላዓለ ጠርዚ ብጽሑ አሎ፡ ክሉ ደላይ ፍትሒ ብፍላይ ክአ አብዝላዕለ ምትእክካብ ዘሎና ኤልዲል ፡ ባይቶ፡ ፖሓኤን ወዘተ ናይ ህዝቢ ሐላፍነት ተሸክምና ስለዘሎና ብሓባር ንክንምክቶ አብዚ ፈት ተጋባአቲ ጻውዕትናናን ምሕጸንታትና ብሽም ኤልዲለ ነቅርብ።
ኣብ መወዳእታ ኩሉ አባል ፖሓኤ ተጋባቲ ጽን እልኩም ንዝሰማዕኩምና ባአክብሮት ብሽም ኤልዲል ነመስግን። ብተውሳኪ እውን እዚ ፈስትቫልን ሀገራዊ ፖሎቲካዊ ሰሚናር ዕውት ንክከውን ደግምና ሰናይ ትሚኒታና ንገልጽ።
ውድቀት ንሕግደፍ
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!
አብርሀም ተወልደ ተኪኤ
አባል ማእከላዊ መርሕነትን አፈኛ ኤልዲለ
ነሐሰ 2/2025
ካናዳ
ባህግና Bahgna Media 03 08 2025 ኤርትራ፡ እተጠልመ ነጻነታ ኣምሊሳ እምበር፡ ኣይተገንጸለትን
Written by Eri.Bahgna MediaMedia
ቃል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ፖሓኤ 2025
Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራዝኸበርካ ክቡር ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ ብጻይ ገብረእግዚኣቤር ተወልደ !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታትን ኣባላትን ፖ ሓ ኤ ፡
ዝከበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዕዱማት ኣጋይሽን ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025 !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣጋይሽ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤትርራ 2025 እንሆ ጽቡቅ ዕድልን ተስፋን እቲ ናይ ንግሆ ሕልምን ጠለብን ትጽቢትን ህዝብና ዝኾነን ዘሎን ሓድነት ፖሊትካውያን ሓይልታት ኤርትራ እምነ መሰረት ሓድነት ኣቀሚጡ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ሰጉሙ፡ ሓደ መሪሕነት ኣቂሙ ንኩሉ ዝሓቁፍ ጽላል ኣብ ሓጺር ጊዜ ክምስረት ብሓባር ከቃልሱና ብምስምማዖም እንቃዕ ደስ በለና ኢልና ኣብ መኽፈቲ ሓባራዊ ፈስቲቫልና ናይ 2024 ብስራት ሂበ ነይረ ኮይኑ ግና ከመይ ከይዱን ኣበይ በጺሑ ኣሎን ሎሚ ክንሕበር ብተስፋ ይጽበ !!! ደጊመ
መትከላውያን ጽኑዓት ዉፍያት ብጾት ኣባላት ፖ. ሓ. ኤ. እንቃዕ ብሰላምን ብጥዕናን ኣራኸበና ጠባይ ናይ ቃሲ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣጆኹም ኣጆና ክንዕወት ኢና !!!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል ፡
በዓልና በዓልኩም ኣብ ትሕቲ ብሓድነት ንሓርነት !!! ዝብል ቅኑዕን ልክዕን ጭርሖ ክንኸፍቶ ከሎና እቲ መሪር ጽንኩር ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ብዉልቀ መላኺ ኣረሚን ስርዓት ዝወርዶ ዘሎ ዕንወትን ብርሰትን ኣኽቲሙን ተኣልዩን ሓርነት ንምልባስ ቅዋማዊ ስርዓት ተኺሉ ብሰላም ዝነብረሉ ንምዕዋት ቀዳምነት ሰሪዕና ንድሕነቱ ሓበራዊ ቃልሲ ሕጂ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ክትግበር ዘሎዎ ህጹጽ ጸዊዒትና ደጊምና ደጋኢምና ነቅርብ !!!!
እዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ስለምንታይ ክዳሎ ተወሲኑ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ንኣብ መሪር ስደት ዓዲ ጋና ፋሕ ብትን ኢልና ካብ ስደራናን ካብ ባህልና ካብ ፍትውቲ ሃገርና ተነጺልና ስለ ዘሎና መራኸቢ መደዓዓሲ ዶ ይኾነና ዝበል ቅዱስ ዕላም ኮይኑ ዓመት ዓመት ብዘይሕለሉ ኣባላት ተሓኤ መሰረታት ጀርመን ዝተወስደ ተበግሶ ኮይኑ ሎሚ እንሆ መበል 39 ዓመትና ኮይኑ ፥ማለት ብ1986 ኣብ ድራይ ኣይሽ ክብርቲ ሃገረ ጀርመን እዪ ተጀሚሩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ መንጎና ስለ ዘሎው ልቢ ብፍሉይ ክብርን ኣገናዕን ነባሪ ታሪኽ ኣመዝጊብኩም ኢኹም ኩርዑ ብልቢ ከኣ ነመስግነኩም ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ጽኑዓት መሰረታት ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ተሳተፊቲ በዓልናን !!!
እወ እንሆ ዕዉት ዋዕላን ኣካይድና ዝሙገስ እካ እንተኾነ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ዘይንኽእል ዓበይቲ ክሳራታት ገጢሙና እዩ። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሓደ ንሓያሎ ዓመታት ብህርኩት ዉፍይ ተሳታፍነት ክሳብ ጊዜ ዕረፍቱ ኣብ ዓራት ኮይኑ ኣጆኹም እናበለ ዝተቃለሰ ብጻይና ዓንደጽዮን ግርማይን ኣፋኒና ፣ ምሳኡ እውን ኣቦ መንበር ኮይኑ ፈስቲቫላትና ዝመርሕ ዝነበረ ዉፍይ ስዉእ ተስፋማርያም ክብረኣብ ። ቅድሚኡ እውን ብንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ተጸንቢሩ ክሳብ መስዋእቱ ብጥዑም ድምጺ ሳክሰፎን ክራር በዓላትና ክኸፍተልና ዝለምድናዮሓውና ኣለም ኣሰፋው ዕንባባ ፡ ሓውና እዮብ ሃይለ ሓውና ሃይለ ኣብ ዉራይና ዘይፍለዩ ዝነበሩ ዉፉያት ፡ ብጻይና ኣረፋይነ እስቱፋኖስ ፡ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ፡ ብጻይ ፍርሓ ገረማርያን ሓወቦይ፡ ብጻይ ኣልኣዛር ቀለተ ፡ ጋዜጠኛ ስዉእ ሑሰን ዓሊ፣ ስዉእ ተጋዳካይ ዓብዶ ኢብራሂም ሕጂ ምጽብጻቦም ስለ ዘጸግም ሓያሎ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርክርቡ መቃልስቲ እውን ዝኸሰርናዮ ኣሎዉ ሞ ፣ ንኽብሮም ናይሓደ ደቂቅ ናይ ሕልና ደቂቅ ብመዝሙር ስዉኣት ንዘክሮም ሓፍ ንበል ። ነቲ ዝጀመርኩሞ ቅዱስ ዕላማ ክንቅጽሎ ኣሎና ብምባል ካብዚ መድረኽ እዚ መንግስተሰማያት የዋርስኩም ዝብል ትምኒትና ኣናኣማሓላለፍና ፡ ቅሰኑ ይብል። ብሕማምን ዕድመ ናይ ምድፋእን ኣብ መንጎና ክርከቡ ዘይከኣሉ ዉፉያት ኣብ ዘሎዉዎ ኮይኖም ዝካታተሉና ብጾትን እውን ኣሎዉና ፍሉይ ናይ ቃልሲ ሰላምታ ብስምኩም ይብጽሓዮም።
ክቡራትን ኣሕዋትን ኣሓትን ተሳተፍቲ ሓባርዊ ፈስቲቫል 2025 ፡
ንኤርትራ እተቖጻጸረ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) መብጽዕኡ ጠሊሙ፥ ንህዝቢ ብምርዓድን፡ ነቶም ተጻረርቲ ዝበሎም መራሕትን ኣባላትን ህ.ግ. ብምእሳርን፥ ናይ ምልኪ ምሓውር ስለ ዝዘርግሐ፤ ህዝቢ ድማ ነዚ ዘይንቡር ኵነታት ከም ንቡር ወሲዱ፥ ርኡይ ዓመጽ እንዳርኣየ ዓገብ ምባል ሓዲጉ፥ እንተስ ብፍርሂ እንተስ ብጠቕሚ ዘይፍትሓዊ ባህሊ ክሰፍን ተሓባባሪ ብምዃኑ፥ ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓደ ኣካልን ብሓደ ልሳንን ክውከል ብዘይምኽኣሉ ናይ ምልኪ ዕምሪ ነዊሑ፡ ወግሐ ጸብሐ ናይ ህዝብና ናብራ ካብ ሕማቕ ናብ ዝብኣሰ ክኸይድ ይርከብ።
ንዓይ ዝድንጽወኒ ንዓለም እውን ዘሰንበደ --- እዋእ እቲ ኣብ ዉሽጢዓዲ ዘሎ ህዝብና እዚ ኩሉ እናረኣየ እናሰምዔ እንታይ እዩ ዓዚምዎ ? ? ? ከመይሲ ኣብ ናይ ብሓቂ ከሓዲ ቅብጸት ካብዚ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥልመቱን ደጋጊሙ ተገቲሩ ሓቢሩና እዩ ፡ ንኣብነትብ1991 ናይ ዉድባት ሓሸውየ ክብል ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ዋእ እቶም ደቅና ኸ ኣይበለን። ብ12 ሓምለ 1994 ንሃገር ነጻ ምዉጻእ ኣካላሎም ዝጎደሉ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብጥይት ክርሽረሹ ከሎዉ ደቀይ ዘይበለ። ብ2001 11 ሚኒስተራት 26 ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዒራርዒሮ ክዳጎኑ ከለዉ ህዝቢ ይኹን ስድራቤታቶም ክሳብ ሕጂ ትም፡ ጸኒሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ብታሕጋስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ እናሃረመ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገር እየን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ ፡ኣይከሰርናን ፡ንኣቢ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ሙሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ ወዘተ። ኣብዚ ብዕሊ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝሓወሳ ክሕብር ከሎ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ክሳብ ሎሚ ጥርቅም ኢሉ ኣሎ። ሕጂ እውን ማእሰርቲ ኣቦና ሸኽ ኣደም ሻዕባን ፣ ቀጺሉ ብክቱር ንዕቀት ኣብ እንኮ ቲቪ ቀሪቡ ብተደጋጋሚ ዝሃቦ መግለጺ ሃብቲ ፋብሪካ ባሕሪ ዓሳ ሉል ወደብ ድሕሪ 34 ዓመታት ከም ዘየለዉ ብምድግጋም ሓቢሩ እሞ መን እየ ዝሕተተ ዝብል ክሳብ ሎሚ ኣይበለን ። መዓስ እዩ ዕሕሕ ዝበል ? ? ? ዓገብ ዘይምባሉ ንዓለም ገረሞ ዶ ክንብሎ ? ? ?
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን-
ከምቲ ኣሕዋትና ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝኽሪ መበል34 ዓመት ነጻነት ህገርና ዘማሓላልፎኣኦ ረዚን መልእኽቲ . ። ። ።
ሃገርና እንደገና ኣብ ኣዕናዊ ውግእ ከይትኣቱ ኩልና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓደ
ድምጺ እምቢ ንውግእ እወ ንሰላም ኢልና ብሓባር ክንላዓል ንጽዉዕ !!! ዝበሎኦ ጸዊዒ ብድርብ ንድግፎ`።
ዉጹዕ ህዝብና ረዳኢ ኣልቦ ኮይኑ ይጸንት ዉቅብቲ ሃገርና ረዳኢ ኣልቦ ኮይና ንግሆ ንግሆ ትፈርስ ትዓኑ እንሃ፡ ንሕና ደቃ ብሂወትና ከሎና እናረኤና እናሰምዕና እንታይ ንገብር ኣሎና ? ? ? ልክዕ ከምቲ ጨቃኒ ስርዓት 34 ዓመታት ንሃገርናን ህዝብናን ዝሕቅቅ ዘዕኑን ዘሎ ንሕናውን ብታሪኽ ተሓተቲ ካብ ምኻን ኣይነምልጠ ኢና ፡ ስለዚ እቲ ምንታይ ሲ ኣብ ክንዲ ብሓደ ኢድ ኮና ንሓደ ጸላኢና እንቃለሶ ንግሆ ንግሆ ሙቁራት ኣስማት እናመረጽና ክንፋናጨል ንርከብ እኔና እንታይ እዩ ዝግበሮ ? ? ? ኣሕዋት ኣባላት ይኣክልን ብርገድ ብሓመዱን ብዘይ ዉዓል ሕደር ምስ ፖሊትካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምስማር ሓባራዊ ግንባር ኣቁምኩም ብቅልጡፍ ንህግደፍ ምልጋስ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻኢን ዘሎ ይጽዉዕ ኣሎ !!! ከምቲ ኣቦ ወንበር ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኣብ ናይ 34 ዝኽሪ በዓል ነጻነት ዘቅረቦ ጸዊዒት በዚ ኣጋጣሚዚ ደንበ ተቓውሞ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈ ብዘይውዓል ሕደር ንምትግባር ዘድሊ ሕድገታት ክገብር እጽውዕ ዝበሎ ኣነ እውን ብድርብን ብህጹጽን ብስምኩም ይጽውዕ።
ሕጂ እውን
ብሓድነት ንሓርነት !!!
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!
ውድቀት ንጨቃኒ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ።
ፍራንክፎ ርት 02.08.2025
ቃል ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን
Written by ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣብ ጀርመንዝኸበርካ ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ገረዝጊሄር ተወልደ
ዝኸበርካ ምክትል ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ያሲን መሓመድ ዓብደላ
ዝኸበርካ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይት ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ዮውሃንስ ኣስመላሽ
ዝኸበርኩም ወከልትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ
ዝኸብርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ ፈስቲቫል 2025
እዚ ብስም ኤርትራዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ከምኡ‘ ውን ፖለቲካዊ ሓይላታት ኤርትራ ኣብ ፍራክፉርት ዝሰላሰል ዘሎ ፈስቲቫል 2025 ፍሉይ ዝገብሮ ፡ ድሕሪ ሓባራዊ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2024 ንካልኣይ እዋን ምጽንባሉ እዩ።
ስለ‘እዚ እምበኣር እንቛዕ ኣብዚ ኣብጸሓና፡ እንቛዕ ከኣ ብደሓን መጻእኩም።
ፈስቲቫልና ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ፡
ሃገርና ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝኸፍኤ ማሕበራዉን ፖለተኢካዉን ዲፕሎማስያዉን ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፥
ኣብ ደገ ዝርከብ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዝግመት፡ ገለ ሸነኽ ምስ ገባቲ ስርዓት ደው ኢሉ ኣብ በዓላቱን ፈስቲቫላቱን ክካፈልን ክስዕስዕን ከጣቅዕን እንከሎ፥
ዝበዝሔ ክፋል ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ግን፡ ናይ ኣብ በለጽን ጥቅምን ዝተመርኮሰ ናይ ሱቅ መርገጽ ሒዙ፡ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ንዕዘብ ኣሎና።
ተመኩሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ መጀመርያ 70ታት ተመሊስና እንተረኤና፡ ህዝብን መንእሰይን ኤርትራ ብብዝሒ ኣብ ቃልሲ ምስ ተኻፈለ እዩ እተን ዝነበራ ዉዱባት - ምስ ኩሉ ድኽመታተን - ክዓብያን ክዕወታን ክኢለን። እዚ ተኻፋልነት ህዝቢ እዩ‘ውን ናጽነት ኤርትራ ብ 1991 ዘምጸኤ።
ሕጂ‘ዉን እንተኾነ ብዘይ ተኻፋልነት ህዝቢ፡ ደንበ ተቃዉሞ ፍትሕን ዲሞክራስን ከምጽእ ኣይክእልን እዩ።
ልክዕ እዩ፡ ደንበ ተቃዉሞ ድኽመታት ከምዘልውዎ ኩላትና ንመዝኖ ጉዳይ እዩ። ተኻፋልነት ህዝቢ ግን ንቅድሚት ክደፍኦን ብኣዉንታ ክጸልዎን ይኽእል እዩ።
እቲ ብቃልስን ብመስዋእትን ዝተሃንጸ ሃገራዉነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቀራና መንገዲ እዩ ዘሎ።
በቲ ሓደ ሸነኽ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘቀሙጡ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ይረኣዩ ምህላዎም፡
በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ንሃገራዉነት ኤርትራ ኣዳኺምካ፡ ብኡ መሰረት ድማ ንልዑላዉነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ንምውራድ፡ ዝርኣዩ ፈተነታት ብጎራብቲ ሓይልታትን ሃገራትን ንዕዘብ ኣሎና።
ስለዚ ቀንዲ ሓላፍነት ናይ እዞም ኣብዚ ፈስቲቫል 2025 ንርከብን ብሓፈሽኡ ድማ ደንበ ተቃዉሞ ንርከብን፡ ንሃገራውነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝዕቅብ ክኸዉን ጻዕሪ ዘድልዮ ናይ ኩላትና ቃልሲ እዩ።
እምበኣር ፈስቲቫል 2025 በዚ መንፈስ ተበጊሱ፡ ኣብ ዲሞክራስን ኣብ ፍትሕን ክጋባእን ክበዓልን ተስፋ ይገብር።
ፍትሕን ዲሞክራስን ንሃገርና
ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ
ኣብ ፈስቲቫል ፖሓኤ 2025 ዝቐረበ ቃል: ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞራስያዊ ለወጢ
Written by ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞራስያዊ ለወጢኣብ ፈስቲቫል ፖሓኤ 2025፡ ዝቐረበ ቃል ምሕዝነት ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን
Written by ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብንዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሰናዳእቲ ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2025
ዝኸበርካ ኣቦ-መንበር ፖሊቲካዊ ሓይሊታት ኤርትራ!
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2025!
ንባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ኣብ ፈስቲቫልኩም ንኽትሳተፍ ብዝገበርኩምልና ዕድመ ካብ ልቢ ዝነቐለ ምስጋናኣ ተቕርብ። ናብ‘ዚ ክቡር ፈስቲቫልኩም ብኣካል ምሳኹም ንኽንውዕል ባህጊና እኳ እንተነበረ፡ ብስራሕን ካልኦት ኣቐዲሞም ዝተታሕዙ ጉዳያትን ግን ክጥዕም ስለዘይተኻእለ እንሆ ሓጺር ናይ ምሕዝነት ቃልና ብጽሑፍ ነቕርብ።
ናይ ሎም ዓመት ፈስቲቫልኩም ዓለምና ኣዝያ ኣብ እትህወጸሉ ዘላ ህሞት፡ ሓዲሽ ፖሊቲካዊ ምግልባጥን ምሕዝነታትን ዝርኣየሉ ዘሎ ኢዩ ዝሰላሰል ዘሎ። ኣብ ከም‘ዚ ዝኣምሰለ ንሃገርና ኤርትራ እውን ዝሓወሰ፡ ተሃዋሲ፡ በዳሂ፡ ዓመጽን ግፍዕን እናሳዕረረ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ከም‘ዚ ዓይነት ህዝባዊ ርክብ፡ ብዛዕባኡ ንምምይያጥ ዕድል ስለ ዝኸፍት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።
ዝተፈላለያ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምኡ`ውን ዝተፈለየ ርእይቶ ንዝውክሉ ዉልቀ-ሰባት ናብ ሓደ መኣዲ-ዘተ ብምምጻእ ብዛዕባ ህሉውን መጻኢን ጒዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ንምምይያጥ ብኡ ኣቢልካ ድማ፡ መፍትሒ ዝኾኑ ሓሳባት ንምንዳይን ንምርካብን ዝወሰድኩሞ ተበግሶ ኣዝዩ ዝነኣድ‘ዩ።
ምስሳንን ምብርታዕን በርጌሳውያን ማሕበራት እምነ-መሰረት ናይ ሓደ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብን መንግስትን ኢዩ። ዕላማ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝኾኑ ምንቅስቃሳትን ከምኡ‘ውን ፖሊቲካውያን ውድባት ከኣ ሓንቲ ብሕጊ እትመሓደር ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንኽትህሉው ኢዩ። ሓደ ኣብ ዓመጽ ዝተመስረተ ስርዓት በኣንጻሩ በርጌሳውያን ማሕበራት ከምዘይስስና ጥራይ ዘይኮነስ ከምዘይህሉዋ እውን ኢዩ ዝገብር። ብኩራት ግደን ተራን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝንቀሳቐሳ ናይ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ሰልፍታትን ከኣ እዚ ኣብ መብዛሕተን ዲክታቶርያውያን ስርዓታት፡ ብቐረባ እውን ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ እንርእዮ ዘለና ሓቂ ኢዩ ሳዕብየናቱ።
እምበኣርከስ እዚ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ተሳትፎ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽትቅጽሉዎ ኣገዳስነት ኣሎው። ሃብታም ናይ ቃልሲ ተሞኩሮን ዓቕምን ከምዘሎኩም መጠን ከኣ እንተላይ እውን ምስ ኩለን ወይ ዝብዝሓ ፖሊቲካውያን ሓይሊታት ብምትሕብባር ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ ወይ ጽላል ንምቛም ብዝያዳ ንኽትጽዕርሉ ናይ‘ዚ እዋን ጠለብ ኢዩ‘ሞ ንኽትደፍእሉ ትጽቢትናን ሓደራናን እዩ።
ጥምረት ናይ ተቓለስቲ ንፍትሒ ምስ ዝረጋግጽ ኢዩ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ዝኾኖ፡ እቲ ጨቁኑ ሒዙዎ ዘሎ ጒጅለ ህግደፍ ከኣ ብቐንዱ ዝስዓር ኣብ መዋዳእታኡ ክኣ ሓንቲ ፍትሓዊትን ዲሞክራያዊትን ኤርትራ ክንምስርት እንኽእል።
ኣብ መደምድምታ ኩላትና ኣብ ዘዘለናዮን በብዝጥዕመናን ግን ክኣ እናተወሃሃድና ኣድማዒ በርጌሳዊ እጃምና ነበርክት። ከምኡ እንተጌርና ኣብ መወዳእታ ከምእንዕወት ጥርጥር የልቦን እሞ ኣይንሕመቕ።
ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን ካብ ምንቅስቓስ ይኣክል ዝመንጨወ ጥርናፈ ወይ እውን በርጌሳዊ ማሕበር ኢዩ። ኣብ‘ቲ ዝርከቦ ቦታን ከባብን እውን ምስ ዝተፈላለዩ በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖሊቲከኛታትን እናተራኸበ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ከቃልሕን፣ ብመጠኑ ባህልን ስነጥበብን ሃገርና ከላልን ጽኒሑን ኣሎን።
ዕዉት ፈስቲቫል ንምነየልኩም
ባይቶ ዳርምሽታትን ከባብን
02-08-2025
ኣዳም ስቺፍ፡ ዊፕ፡ ዲክ ዱርባንን ችሪስ ኩስን ዝተባህሉ፡ ኣሚሪካውያን ሰኔተራት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ስምዕታ ብ1 ነሃሰ 2025 ዘርጊሖም። ኣብቲ ብመንገዲ ኣዳም ስቺፍስ ካብ ካሊፎርንያ ዝዘርግሕዎ ውሳነ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ንዓሰርተታ ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ግጉይ ኣጠቓቕማ ስልጣን፡ ናይ ግዜ ደረት ዘየብሉን ዘይሕጋውን ማእሰርትን ኣተሓሕዛኡን፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኩነታትን ዘርዚሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ምእንቲ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎ ሰናይ ምምሕዳር፡ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን እምነትን ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፉ ቃል ኣትዮም
ካብቶም ግዱሳት ሰኔተራት ዱርቢን ብወገኑ ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ይሓልፎ ንዘሎ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ “ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብኩራት መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ዲሞክራሲያዊ ትካላትን”ብዝብል ጠቒስዎ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ ምርጫ ዘይምክያዱን፡ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ድማ ብጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ክቱር ምቁጽጻር ኣብ ሃይማኖት ኢድ ብምእታውን ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ብምጭዋይን ስልጣን ብሒቱ ከም ዘሎ ኣብቲ ዝዘርግዎ ሓሳብ ኣስፊሮም።
ኣተሓሒዞም ከኣ ሰኔት ኣመሪካ፡ ነቲ ሰለስቲኦም ዘቕረብዎ ሓሳብ፡ ኣፍልጦ ከም ዝህቦን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ንዲሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝረደኦን ጠቒሶም፡ ነቲ ዘንቅድዎ ዘለዉ ሓሳብ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ከብጽሕዎ ከም ዝጽዕሩን ኣፍሊጦም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ስግኣት፡ ዓመጽን ጥልመትን ኮይኑ፡ ንነጻነት፡ ንዲሞክራስን ንመጻኢ ዘዋጸኦን ብድምጹ ክውስን ይጽበ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ሰኔተር ኩን ጠቒሱ።
እቶም ነዚ መሰረታዊ መሰላት ስለ ዝሓተቱ ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ድማ ኣቃሊዖም። በዚ መስረት ኤርትራዊ ካብቲ ዝነብሮ ዘሎ መከራ ወጺኡ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ክሕለወሉ ዝግባእ ህዝቢ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ መስኪሮም።
እቲ ነዚ ብዝምልከት ዘውጽእዎ፡ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ዝማእከሉ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ 4 ገጻት ዝሓዘ መሰረታዊ ሓሳብ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተዘርጊሐምዎ’ለዉ።
እቶም ምሁራትን ወከልቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ኦሮሞ ኣብ ኣኼባ
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ምሁራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብሄር ኦሮሞ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2025 ኣብ ምሪላንድ ኣኼባ ከምዘካየዱ፡ “ኦሮሞ መዲያ ኔት ዎርክ (oromo media network) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። ኣብቲ ኣኼባኦም ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ “ክቕየር ኣለዎ” ኣብ ዝብል ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ብዘውጽእዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
እቲ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኦሮሞ ዘይውክል ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቶም ፖለቲከኛታት ኣባላት ቄሮ፡ ኦነግን ካለኦት ውድባትን ዝርከብዎም፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ሃገራት ይፈጥሮ ንዘሎ ማህሰይትን ተጽዕኖን ከም ዝቃለስዎ’ውን ሓቢሮም። እዞም ምሁራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብ መወዳእታ፡ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኣንጻርዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ንክቃለሱ ጸዊዖም። እታ ነቲ ኣኼባ ዘወሃሃደት ኮሚተ ብወገና፡ እቲ መደብ ተሰሪዕሉ ዘሎ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ክቕጽል ምዃኑ በቲ መገለጺ ሓቢራ።
ዶር ጸጋየ ኣራርሳ፡ ዶር ህዝቅኤል ጋቢሳን ኣቶ በቀለ ገርባን ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሖ ዘሎ መንግስቲ መንግስቲ ናይ ኦሮሞ ወኪልዩ እናተባህለኳ ዝሕመ እንተኾነ፡ ብፖለቲከኛታት ብሄር እውን ሓያል ተቓውሞ ዘጋጥሞ ዘሎ እዩ።
More...
የመናውያን ኣብ መስርሕ ምግፋፍ ዓሳ
ኤርትራ 53 ኣብ ትሕቲኣ ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክትፈትሕ እንከላ፡ ጉጅለ ሑቲ የመን ብወገኑ ኣብ ትሕቲኡ ዝጸንሑ 7 ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐ “የመን ኦን ላይን (YEMEN ONLINE)” ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እታ መርበብ ሓበሬታ ነዚ ዝገለጸት፡ ኣብ የመን ኣውራጃ ሑደይዳ ዝርከቡ ሓለፍቲ ብምጥቃስ፡ ብ28 ሓምለ 2025 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና እዩ።
እቲ ብኽልቲኡ ወገን ዝተወስደ ምልቃቕ እሱራት፡ ብናይ ሕቡራት ዓረብ ኤምረትስ መንጎኝነት ብዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምልውዋጥ እሱራት መሰረት ምዃኑ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ። እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ከባቢ ደሴት ሓኒሽ ብኤርትራውያን ሓለውቲ ዶብ ዝተታሕዙ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ኤርትራውያን ወተሃደራት ከኣ ኣብዚ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ዘሰሓሕብ ከባቢ፡ ምቁጽጻር የካይዱ ብዝነበሩ ናይ ሑቲ ወተሃደራት ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቶም የመናውያን ተፈቲሖም ኣብ ሃገሮም ወረዳ ካውካሽ በጺሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ማእሰርቶም ኣብ ኤርትራ መውቃዕትን ምውራስ ጀላቡን ካልእ መግፈፊ ናውትን ዘኸተለ ከቢድ ከም ዝነበረ ምግላጾም እቲ ዜና ኣስፊሩ። ኩሉቲ ክእሰሩ እንከለዉ ሒዘምዎ ዝነበሩ ንብረት ተወሪሱ ብዘይካ ዝለበስዎ ክዳን ጥራይ ኢዶም ምምላሶም ምሕባሮም’ውን ተገሊጹ። እዚ ክስተት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠር ናይ ባሕሪ ምስሕሓባት ከም ዘጋድዶ ከኣ ተጠቒሱ።
ብ17 ታሕሳስ 1995 ኣብ ደሴት ሓንሽ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ንሰለስተ መዓልታት ናይ “ይግበኣኒ” ውግእ ተኻይዱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ድማ እቲ ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ እቲ ጉዳይ ብ3 ጥቅምቲ 1996 ናብ ቀዋሚ ናይ ዕርቂ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። እቲ ጉዳይ ዝቐረበሉ ቀዋሚ ቤት ፍርዲ ድማ ናይ ክልቲኦም ወገናት ክርክር ሰሚዑ ብ9 ጥቅምቲ ብ1998 ደሴት ሓኒሽ ግዝኣት የመን ንክኸውን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።