ስምዕታ ሰነይትስ ብጉዳይ ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ኤርትራ
2025-08-04 15:39:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 25 timesኣዳም ስቺፍ፡ ዊፕ፡ ዲክ ዱርባንን ችሪስ ኩስን ዝተባህሉ፡ ኣሚሪካውያን ሰኔተራት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ስምዕታ ብ1 ነሃሰ 2025 ዘርጊሖም። ኣብቲ ብመንገዲ ኣዳም ስቺፍስ ካብ ካሊፎርንያ ዝዘርግሕዎ ውሳነ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ንዓሰርተታ ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ግጉይ ኣጠቓቕማ ስልጣን፡ ናይ ግዜ ደረት ዘየብሉን ዘይሕጋውን ማእሰርትን ኣተሓሕዛኡን፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኩነታትን ዘርዚሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ምእንቲ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎ ሰናይ ምምሕዳር፡ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን እምነትን ኣብ ጐኑ ከም ዝስለፉ ቃል ኣትዮም
ካብቶም ግዱሳት ሰኔተራት ዱርቢን ብወገኑ ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ይሓልፎ ንዘሎ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ “ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብኩራት መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ዲሞክራሲያዊ ትካላትን”ብዝብል ጠቒስዎ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ ኤርትራ ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ ምርጫ ዘይምክያዱን፡ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ድማ ብጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ክቱር ምቁጽጻር ኣብ ሃይማኖት ኢድ ብምእታውን ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ብምጭዋይን ስልጣን ብሒቱ ከም ዘሎ ኣብቲ ዝዘርግዎ ሓሳብ ኣስፊሮም።
ኣተሓሒዞም ከኣ ሰኔት ኣመሪካ፡ ነቲ ሰለስቲኦም ዘቕረብዎ ሓሳብ፡ ኣፍልጦ ከም ዝህቦን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ንዲሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝረደኦን ጠቒሶም፡ ነቲ ዘንቅድዎ ዘለዉ ሓሳብ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ከብጽሕዎ ከም ዝጽዕሩን ኣፍሊጦም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ስግኣት፡ ዓመጽን ጥልመትን ኮይኑ፡ ንነጻነት፡ ንዲሞክራስን ንመጻኢ ዘዋጸኦን ብድምጹ ክውስን ይጽበ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ሰኔተር ኩን ጠቒሱ።
እቶም ነዚ መሰረታዊ መሰላት ስለ ዝሓተቱ ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ድማ ኣቃሊዖም። በዚ መስረት ኤርትራዊ ካብቲ ዝነብሮ ዘሎ መከራ ወጺኡ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ክሕለወሉ ዝግባእ ህዝቢ እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ መስኪሮም።
እቲ ነዚ ብዝምልከት ዘውጽእዎ፡ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ዝማእከሉ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ 4 ገጻት ዝሓዘ መሰረታዊ ሓሳብ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተዘርጊሐምዎ’ለዉ።
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290