ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮያ፡ ንዝተሰጉ ኤርትራውያን ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ
Monday, 26 June 2023 23:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስእሊ፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ናይቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ብወገን ዓሰብ ዝተሰጉ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝተኸታተለ ኣፍሊጡ። እቶም ብ24 ሰነ 2023 ብኣውቶቡሳት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወስዱ፡ ቁጽሮም ብትኽክል ዘይተፈልጠ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ 200 ክሳብ 360 ዘብጽሐኦም ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ- ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ብ25 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘሰክፎ ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላይ ዘበለ ሓለዋ ንምግባር ንዘካይድዎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ከም ዝህብ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ መንእሰያት ብሕጊ ዝተመዝገበ ኣካል ዘይምህላዉ ከም ዘረጋገጸ ጠቒሱ፡ ብጌጋ ክውሰዱ ተዳልዮም ዝነበሩ 4 ብወግዒ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ድሕሪ ምጽራይ ከም ዝተረፉ እውን ኣብሪሁ።
ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መሳርሕቱ ኮይኑ መሰል ስደተኛታት ንምክልኻል ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ምህላዉ ከም ዘረጋገጸ እውን እቲ ኮሚሽን በቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ናብ ስድራቤቶም ከም ዝደወሉ፡ ድሕሪኡ ግና ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስጉምቲ ዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ብዘይዕላዊ መስኖታት ግና እቶም ዝተወስዱ ኤርትራውያን ዝኾነ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ክነብሩ ዘኽእሎም ሰነድ ዘይነበሮም ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ብዘይ ኣገባብ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ፡ ሰሚናር መሰረታት ኣወስትራሊያ ተቓኑዑ
Sunday, 25 June 2023 21:42 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ24 ሰነ 2023 ድሮ 4ይ ጉባአ ሰልፊ፡ ናይ መጠረስታ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ብኻልእ ወገን ድማ ሰሚናር ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኣወስትራሊያ ብ25 ሰነ 2023 ተቓኒዑ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ብኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐ ስሩዕ ኣኼባኡ ናይ ትሻዓቲአን ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ ናይ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ጉዕዞ ጥርኑፍ ጸብጻብ በብሓደ ሰሚዑ። በዚ መሰረት ድማ ናይዘን ኣብያተ ጽሕፈት ጸብጻብ ኣወሃሂዱ ናብ መጻኢ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቐርብ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣዳልዩ። እቲ ኣብዚ ኣኼባ ዝተዳለወ ጸብጻብ ናብ ማእከላይ ቀሪቡ ምስ ጸደቐ፡ ናብ ራብዓይ ጉባአ ዝቐርብን ምስ ክግበረሉ ዝኽእል ምምሕያሻት ብጉባኤኛታት ዝጸድቕ ሰነድ ሰዲህኤ ዝኸውን እዩ።
ኣቦመንበር ተስፋይ ነቲ ኣኼባ ክድምድም እንከሎ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ ብሓፈሻ ኩሎም ኣባላትን ትካላትን ሰልፊ ብፍላይ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ፖሊሲን መደባትን ሰልፊ ኣብ ምዕዋት፡ ሓድነት ሰልፊ ኣብ ምዕቃብን ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣርን ዘካየዶ ውሁድ ጻዕሪ ዝነኣድ ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ድማ ሰልፍና ዝያዳ ሓይሉ ዝወጸሉ መድረኽ ክኸውን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣብ መኽፈቲ ሰሚናር ኣወስትራሊያ እውን፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፍን ንኡድ ኣበርክቶ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኣወስትራሊያን ቃል ኣስሚዑ። ድሕሪ ቃል ኣቦመንበር፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣወስትራሊያ፡ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአን ተልእኮ ሓጻይት ሽማግለን ዝምልከቱ ጸብጻባት ሰሚዖም፡ ናብ ጉባአ ቀሪቦም ክጸድቁ ተዳልዮም ኣብ ዘለዉ ንድፍታት ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ድማ ተመያይጦም። ኣብዚ መድረኽ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ብጻይቲ ኣድያም ተፈራ ንጉባአ ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ዝተዓሙን ጌና ምጽፋፍ ዘድልዮም ጉዳያትን ዝምልከት መብርሂ ሂባ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ መሊሳ። ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣደመንበር ሓጻይት ሽማግለ ብወገና ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተዓሙ መደባትን ሕጹያት ምስ ኣባላት ሰልፊ ንምልላይ ተታሒዙ ዘሎ መደባትን ዝምልከት መብርሂ ሂባ።
ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብቲ ዝቐረበ ንድፊ ሰነዳት ዘለዎም ሕቶታት ኣቕሪቦም ብኣባላት ንኡስ ሽማግለ ምድላው ሰነዳት ድማ መብርህታት እናተዋህበ እቲ ሰነድ ተዳህሲሱ። ጉባአ ዝያዳ ክርእዮም ይግባእ ዝበልዎም ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከኣ ኣቕሪቦም። ካብዚ ሓሊፉ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዘሕይሉን ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ዘእትዉን ውሳነታት ክውስን ለበዋታት ኣቕሪቦም።
ብሓይልታት ኤርትራ ዝተወቕዐ የመናዊ ገፋፊ ዓሳ፡
ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፡ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝወስድዎ ግፍዓዊ ስጉምቲ ተሓተቲ ዝገብረሉ መንገዲ ንክሕዝ ከም ዝጸወዐ ኣገልግሎት ዜና የመን ብ17 ሰነ 2023 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ።
እቲ ዜና ኣተሓሒዙ የመናዊ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ፡ ኣብ መግለጺኦም የመን መሰል ህዝባን ማያዊ ግዝኣታን ክትከላኸል ከም እትግደድ ምጥቃሶም ገሊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ማያት የመን ንዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብትሪ ኮኒኑ። .
ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን፡ ማሊክ ማሕሙድ ዓብደላ ጀድ፡ ሓደ ካብቶም ገፈፍቲ ዓሳ ነባሪ ኣውራጃ ኣልከሃዋዲ ከባቢ ሖደይዳ ብጥይት ዓይኑ ከም ዝተወቕዐን ካልኦት 6 ብጾቱ ድማ ብሓይልታት ኤርትራ ተኣሲሮም ከም ዝተወስዱ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቅሉዕ ተግባር ሓይልታት ኤርትራ፡ ርኡይ ጥሕሰት ዓለምለኻው ሰብኣውን ሒግታት ከም ዘርኢ ኣስፊሮም።
ስእሊ ኣንበሳደር ሪታ ፍረንች፡ ካብ መርበብ ሕቡራት ሃገራት
ሪታ ፍረንች፡ ዝተባህላ ኣንበሳደር ሰብኣዊ መሰል ዓብይ ብሪታንያ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ መግለጺ ሂበን። ንሰን ኣብ መግለጺአን ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዓሚቕ ሻቕሎት ከም ዝሓደረን ገሊጸን።
ኣብ ኤርትራ ዝትበግር ዘሎ መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ዘይፍለጥ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህጹጽ ለውጢ ዘድልዮ እዩ ኢለን። እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብሓፈሻ ንኣሸሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ንመነባብሮ መንእሰይ ወለዶ ናይታ ሃገር ብኣሉታ ዝትንክፍን ካብ ሃገሩ ንክስደድ ዘገድድን ዘሎ እዚ ግጉይ ፖሊሲ ምዃኑን ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝሃበኦ ርኢቶ ጠቒሰን። ብዘይካዚ ብሓፈሻ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ቀጻሊ ጃማላዊ መእሰርቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሃይማኖታዊ እምነቶም ስለ ዘዘውተሩ ጥራይ ብዝውሰድ ናይ ዓመጽ ስጉምቲ ሃገረን ዝሓደራ ሻቕሎት ቀጻሊ ምዃኑ ኣይሓበኣን።.
ኣንበሳደር ሪታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ንክወጽእ፡ ሃገረን ድፍኢት ክትገብር ከም ዝጸንሐት ኣዘኻኺረን፡ ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዝፈጸሞ ሰብኣዊ ጥሕሰትን ምግሃስ መሰላትን ኣብ ዝምልከት፡ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ብደረጃ ኢትዮጵያ ኮነ ዓለምለኸ መስርሕ ንክተሓባበር ጸዊዐን።
እተን ብሪታኒያዊት ኣንበሳደር ሰብኣዊ መሰል ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰል ብምኽባር ኣባልነቱ ከተርኢ ይግበኦ ኢለን። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት እናኣጽነዐ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መስል ጸብጻባት ከቕርብ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ፍሉይ ኣካል፡ በብግዜኡ ዘቕርቦም ለበዋታትን መፍትሒ ሓሳባትን ብምትግባር ናይቲ ባይቶ ኣባልነቱ ከርኢ ይግበኦ ክብላ ኣዘኻኺረን።
ዝተፈላለያ ሃገራት ወኪሎም በብግዜኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝሃብዎ ርኢቶታት እውን ካብዚ ዝተፈልዩ ኣይኮኑን።
ኤርትራ ኣብ ዘይርጉእ ኩነታት ካብ ዝርከባ ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ተገሊጹ
Tuesday, 20 June 2023 18:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ 2023 ብዝተገብረ መጽናዕቲ ናይ 179 ሃገራት መሰረት፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሓደገኛ ዘይርጉእ ኩነታት ዝርከባ ቀዳሞት 20 ሃገራት ምዃና፡ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ዓለም ለኻዊ ትካል ልግሲ ገንዘብ ንሰላምን መጺሐት ወጻኢ ፖሊሲን፡ ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ ኣካይዶም ብዘውጸኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጢም።
እቲ ሃገራት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሓደጋ ናይ ዘይርግይእነት ምህላወን ዝሕብር ነጥቢ 120 ኮይኑ፡ ኤርትራ 94.5 ነጥቢ ተዋሂብዋ ኣብ ጉጅለ ሓደጋ ኣብ መበል 19 ሰፊራ ኣላ። ሶማሊያ፡ የመንን ደቡ ኣፍሪቃን ቀዳሞት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት ኮይነን፡ ብቕደም ሰዓብ ካብ 120፡ 111.9፡ 108.9ን 108.5ን ሒዘን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ ዝኸፈአት ተባሂላ 100.4 ነጥቢ ሒዛ ኣብ መበል 11 ደርጃ ሰፊርላ።
ካብቶም ከም መምዘንን መውሃቢ ነጥብን ዝሰፈሩ ነጥብታት፡ ውህደትን ጸጥታን፡ ቁጠባዊ ኩነታት፡ ፖለቲካዊ ርግኣትን ተኣማንነትን፡ ናሕበራዊ ምርግጋእን ካብ ሃገር ወጻኢ ኢድ ምትእትታውን ይርከብዎም።
ኣብ ዝለዓለ ዘተኣማምን ደረጃ ህድኣትን ርግኣትን ኣለዋ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት፡ ነርወይ፡ ኣይስላንድን ፊንላንድን ኮይነን ብቕደም ሰዓብ 14.5፡ 15.7ን 16.0ን መዕቀኒ ነጥቢ ዝተዋህባ እየን።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ዶላር ከንቀሳቕስ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ
Sunday, 18 June 2023 22:21 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ሽያጥ ቲከት ዝኣከቦ 2.5 ሚልዮን ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ከየእቱ መንግስቲ ኤርትራ የዕንቅፎ ከምዘሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብእንግሊዘኛ እትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣብ ናይ 17 ሰነ 2023 ሕታማ ኣስፊራ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምዃኖም ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከከም ኩነታቱ ናብን ካብን ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ በረራታት ኣብጺሕዎ ኣሎ።
ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናይ ኤርትራ ገንዘብ ናቕፋ ክጥቀሙ ስለ ዘይክእሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዶላር ቀይሩ ክህቦም ሓቲተሞ፡ “ናይ ወጻኢ ሸርፊ የብለይን” ብዝብል ክተሓባበሮም ከምዘይከኣለ ምግላጾም ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቶም ዋና ኣካያዲ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ናይ ዓለምለኸ ትካል መጐዓዝያ ኣየር ምትሕብባር ከም ዝሓቱ’ውን ኣፍሊጦም።
ትካል ዓለምለኸ መጐዓዝያ ኣየር፡ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰለ ምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ ዶላር ይውስኽ ከም ዘሎን ናይዚ ሳዕቤን ንካልኦት ኣካላት እውን ብኣሉታ ከም ዝጸልው ጠቒሱ። ናይቲ ትካል ዳይረክተር ዊልየ ዋልሽ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ መንግስታት ነዚ ንምፍታሕ ምስ ትካላት መንገዲ ኣየር ተሓባቢረን ክሰርሓ ከም ዝግበአን ብምጥቃስ፡ ቀጻልነት ርክብ መንገዲ ኣየርን መንግስታትን ቁጠባ ኣብ ምዕባይን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ናጀሪያ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣፍሊጣ።
ስእሊ፡ ትካል መግቢ ዓለም
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ምጥፍፋእ ረዲአት መግቢ፡ ህግደፍ እውን ኢድ ከም ዝነበሮ፡ እቲ ብግዝያዊ ምምምሕዳር ትግራይ ተመዚዙ ከጻሪ ዝጸንሐ ሓይሊ ዕማም ኣረጋጊጹ። ብዘካይካ ህግደፍ ኣካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣካላት ናይ ረዲአት ማሕበራትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባትን ኣብቲ ምጥፍፋእ ኢድ ከም ዝጸንሖም እቲ ዘጻረየ ኣካል ሓቢሩ።
ብመሰረት ናይቲ መጻረይ ሓይሊ ዕማም ኣተሓባባሪ ጀነራል ፍሰሃ ኪዳነ፡ ዝገለጽዎ፡ ብመንግስቲ ህግደፍ፡ 2,900 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ ልዕሊ 43,000 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 1,440 ኩንታል ዓተርን ተወሲዱ። ከምኡ እውን 4,300 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ 130,000 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 4,187 ኩንታል ዓተርን ብኣካላት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውሰድ እንከሎ፡ ብኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ፡ 1,500 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ 42,759 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 1,424 ኩንታል ዓተርን ከም ዝተጠፋፍአ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ከም ኣካል ናይቲ ምጽራይ፡ ኣብዚ ምጥፍፋእ 186 ሰባት ኢድ ከም ዝነበሮም ክንጸር እንከሎ፡ ካብኣቶም ድሮ 7 ተኣሲሮም ኣለዉ። እቶም መጻረይቲ ብደረጃ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ብደርጃ ትግራይ እተን ብቐጥታ ዝተሳተፋ ኣካላት ኣየነጸሩን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኮነ ብኤርትራ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ ከም ዘየለ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ምጽራይ ንክካየደ ዘገደደ፡ ትካላት መግቢ ዓለምን ረዲአት ሕቡራይ መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 82 ሺሕ ኩንታል ረዲአት ብኣካላት መንግስቲ ብዝተወሃሃደ መንገዲ ተጠፋፊኡ ብዝብል ቀረብ ረዲአት ምስ ኣቋረጹ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክዚ ምቁራጽ ቀረብ ረዲአት ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተጸበይቲ ረዲአት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ።
ሱሳን ኣርባዕተን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 134 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ብ12 ሰነ 2023 ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝሰገሩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዞም ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ጋሾራ ኣብ ዝበሃልን ቅድሚ ሕጂ ካብ ሊቢያ ዝተወስዱ ስደተኛታት ዝዕቆብሉን መደበር ከም ዝኣትዉ ተፈሊጡ። በቲ ዜና መሰረት እዞም ስደተኛታት፡ 64 ኤርትራውያን፡ 17 ኢትዮጵያውያን፡ 15 ሶማላውያን፡ 35 ሱዳናውያን፡ 2 ካሜሩናውያንን 1 ማላውያንን እዮም።
ጸብጻብ ናይቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስደተኛታት/IOM ከም ዘረድኦ፡ ስደተኛታት ነቲ ናብ ሊቢያ ዝወስድ መስመር ዝመርጽሉ ምኽንያት ብቐሊሉ ናብ ኤውሮጳ ንከስግሮም ኮም ዝኾነ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብዚ መስመር ብዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባት ሓደጋታት ዘጋጥመሉን ስድራቤታት ግዳያት ንምፍታሕ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ዝግደድሉ መስመር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሊቢያ፡ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዝሰኣኑ ናይቶም ዝሓየርዎም ዓመጸኛታት ባሮት ኮይኖም ብዘይክፍሊት ክሰርሑ ዝግደዱ ኩነታት ከም ዘሎ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
ብመሰረት እቲ ብ2019 ኣብ መንጎ ሩዋንዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ሕቡራታ ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ዝተኸተመ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ፡ እዚ ናይ ሎሚ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተገብረ ምስጋር ስደተኛታት መበል 14 ዙርያ እዩ።
ሃገራት ኣዕሩኽ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ሃ ደገፈን ገሊጸን
Thursday, 15 June 2023 00:30 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጉጅለ ሃገራት ኣዕሩኽ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ጀርመናዊ ዲፕሎማት ቮልከር ፐርዘስ ኣብ ሱዳን ንክቕጽሉ ዘለወን ደገፍ ገሊጸን። እዚ ደገፍ ናይቲ ጉጅለ ዝተገልጸ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን እቶም ዲፕሎማት ንክወጹን ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያን ዝተፈላለያ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ከይተሓባበርዎምን ዘቕረብዎ መጸዋዕታ ተኸቲሉ እዩ።
ኣባላት ናይቲ ንሱዳን ናብ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣብ ምስግጋር ክተሓጋገዝ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጉጅለ ኣዕሩኽ ሱዳን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ኔዘርላንድስ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ስፐይን፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን እዮም።
ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ዘውጽኡ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ሱዳን ንክቕጽሉ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣናወሓሎም እዮም። ድሕሪ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ናይ ጀርመን ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ደኒስ ኩመታት ብስም ሃገሮምን ብስም እቲ ጉጅለ ኣዕሩኽ ሱዳንን፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ምሉእ ብምሉእ ክኹነን ዝግበኦ እዩ ኢለምዎ።
እቶም ጀርመናዊ ወሃቢ ቃል ከም ዝበልዎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ውግእ ክቋረጽ፡ ንምክልኻል ሲቪል ዜጋታትን ጽጉማት ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረኽቡን ብዘይዕረፍቲ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ መስኪሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ጀርመናዊ ዲፕሎማት ኣብ ሱዳን ኮይኖም ምስራሕ እንተጸጊምዎም፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝኸፈትዎ ቤት ጽሕፈት ኮይኖም ተልእኮኦም ከም ዝቕጽሉ ሓቢሮም።
ፈረንሳን ኣሜሪካን ብወገነን፡ ምስቲ ናይ ጀርመን ዝመሳሰል፡ ንቀጻልነት ናይቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ዝድግፍ መግለጺ ኣውጺኦም። ብፍላይ ኣሜሪካ ብ27 ጉንበት 2023 ኣብቶም ጀርመናዊ ፍሉይ ልኡኽ ዘለዋ ዕበት ገሊጻ ምንባራ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዚቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ10ን 11ን ሰነ 2023፡ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልታት ሰሚናር፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ንምዕዋት ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋግጾም። አብ መኽፈቲ እዚ ሰሚናር ቃል ዘስመዐ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ “ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ ኣጸጋሚ ግዜ ኮቪድ-19ን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታትን ሰጊርና ኣብ ድሮ 4ይ ጉባአ ሰልፊ ምብጻሕና ዘሕብን እዩ” ኢሉ። ኣተሓሒዙ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ባይቶ ተመዚዘን ክሰርሓ ንዝጸንሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባኤን ሓጻይት ሽማግለን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መደባቱ ኣብ ምዕዋትን ናይ ኤርትራዊ ውዳበታት ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ኣብ ምፍጣር ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪን መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢና ዘሎ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዘሕድሮ ተጾኖን ጠቒሱ።
ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወገና ናይቲ ሰሚናር ኣጀንዳን መስርሕን ምስ ኣፋለጠት ናይታ ሽማግለ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዙ ከመይ ከም ዝነበረን ኣባላት ሰልፊ ንምዕዋት 4ይ ጉባኤ ዘርኣይዎ ምትሕብባርን ጻዕርታቶምን ድሕሪ ምድህሳስ፡ ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንመላእ ኣባላት ሰልፍን ተሓባበርትን ኣመስጊና። መራሕቲ ንኡሳን ክፍልታት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወገኖም፡ ኣብተን ዝመርሕወን ክፍልታት ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት ብዝምልከት ሓጸርቲ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።
ናይዚ ሰሚናር ቀንዲ ኣጀንዳታት፡ ናብ 4ይ ጉባአ ቀሪቡ ናይ ዝጸድቕ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ከምኡውን ስረሓት ሓጻይት ሽማግለን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ምድህሳስ ነይሩ። በዚ መሰረት ኣደ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ሓውቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ፡ ሓጻይት ሽማግለ ዘካየደቶን ተካይዶ ዘላን ንጥፈታትን ኣብ ምንታይ ደረጃ በጺሑ ምህላዉን ብዝርዝር ኣረዲኣ። ካብቶም ናብ ጉባአ ቀሪቦም ንክምረጹ ብኣባላት ተሓጽዮም ዘለዉ ድማ፡ ክማልእዎ ዝድለ ዕማም ኣመልኪታ መብርሂ ሂባ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ መሊሳ።
ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልታት፡ ሰሚናር ብኣቦመንበርነት ሓላፊ ንኡስ ሽማግለ ምስንዳእ ንድፊ ሰነዳት ሓው ደስበለ ካሕሳይ እናተመርሑ፡ ካብቲ ንድፊ ክበርሃሎም ብዛዕባ ዝደልይዎም ሓሳባት በብዓንቀጹ ብዕምቆት ተመያይጦም። ኣድላይ ኣብ ዝበልዎ ድማ መተካእታ ሓሳባት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ጉባአ ብፍሉይ ክረኣዩ ዝበልዎም ነጥብታት እውን ኣነጺሮም። በዚ ድማ ክልቲኡ ሰነዳት ኣብቲ ጉባአ ቀሪቡ ንክጸድቕ ተጻፊፉ። ተሳተፍቲ ኣብ መዛዘሚ ሰሚናር ናብቲ ጉባአ ክቐርቡ ዝበልዎም ተወሰኽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።
ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ርእስቲ ብጨናፍር ክካየድ ዝጸንሐ ክትዓትን ምእካብ ኣገደስቲ ሓሳባትን፡ ብተመሳሳሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሚናራት ክካየድ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።