ጓል 85 ዓመት ዝዕድሚኤን ዝርከበኦም፡ ኤርትራውያን ኣመንቲ ተኣሲሮም
2024-10-13 18:28:19 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 324 timesኣብ መንበሪ ገዛ ኣኼባ ዘካይዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣመንቲ መሰኻኽር ጀሆቫ፡ ብ27 መስከረም 2024 ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተገፊፎም ከም ዝተኣስሩ ጀይ ዳብሊው ኦርግ (JW.ORG)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እቶም ብፖሊሲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ግዳያት 16 ደቂ ኣንስትዮን 2 ህጽናትን ዝርከብዎም 24 ምዃኖም እውን ተፈሊጡ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ድሕሪ ሳልስቲ ናብቲ ኣቐዲሞም ዝኣሰርሉ ገዛ ተመሊሶም ጓል 85 ኣደ ከም ዝኣሰሩ ከኣ ካብቲ መርበብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ መስርሕ እቶም ህጻናት ክፍትሑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግና ማይ ስርዋ ናብ ዝተባህለ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም።
ነዚ ብዝምልከት ናይቲ ማሕበር ወሃቢ ቃል ካብ ዓባይ ብሪታንያ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ 10 ልዕሊ 70 ዓመት ዝርከብዎም ሽማግለታት 63 ናይቲ እምነት ኣባላት ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዘለዉን ኩሎም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክሲ ከም ዘይተመስረቶምን ኣፍሊጦም።
እዚ ሓድሽ ሓበሬታ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣመንቲ መሰኻኽር ጀሆቫ፡ ዝፍጸም በደል ናይ ቀረባ ፍጻመ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 25 ጥቅምቲ 1994 ጀሚሩ ብቐጻሊ ክካየድ ዝጸንሐ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ዲክተቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ 1994 ናይቶም ኣመንቲ ኤርትራዊ ዜግነት ከም ዝሰረዘ ዝጠቐሰ እቲ ዜና፡ ኣብ ልዕሊኦም ጽዑቕ ግህሰታትን ዘይፍትሓዊ ማእሰርትን ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ከኣ ኣቃሊዑ።