ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

2024-10-06 09:10:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 13 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ  ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ28 መስከረምን 5 ጥቅምትን  2024 ፍሉይ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ እንኳዕ ደሓን ኣራኸበና ድሕሪ ምባሉ ኣብ ዘስመዖ መበገሲ ቃል፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት፡ ሰዲህኤ፡ ፖሓኤ፡ ደንበ ተቓውሞን ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ምዕባለታትን ዘመላኽት ሓበሬታ ኣስሚዑ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣቐዲሙ ከም ኣጀንዳ ብዝሰርዖ መሰረት፡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ  ተነዲፉ ዝቐረበ ዓመታዊ ትልምታት 2024-2025 ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ብዘይካዚ እቲ ኣኼባ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ- ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ብዝቐረበሉ ጸብጻባት መሰረት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ዛዕባታት ተመያይጡ ውሳነታት ኣሕሊፉ። ከምኡ’ውን ኣባላት ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት ክኹኑ  ንዝተሓጽዩ  ኣባላት ተመያይጡ ኣጽዲቑ።

ፈጻሚ ሽማግለ ብፍላይ ኣብቲ 2ይ መዓልቲ ኣኼባኡ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራን ዝተፈላለዩ ንኤርትራን ንከባቢና ዝጸልዉ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝምልከት ገምጋምን ሚዛንን ኣካይዱ። ኣብቲ ዳህሳስ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ናይ ቀደም ዘይትግበር መብጸዓታት ካብ ምእታው ሓሊፉ ዝተቐየረ ከም ዘየለ ተገንዚቡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ሎሚ’ውን ሓድነቶም ዓቂቦም፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ቃልሶም ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ከምዘየብሎም መዚኑ።

ብላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝስማዕ ዘሎ፡ ወደብን ኣብፍደገ ባሕርን ኣሳቢብካ ንሉኣውነት ኤርትራ ዝደናደን ወስታታ፡ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብዚ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይረብሕን ኣብ ጽኑዕ ባይታ ንዝተደኮነ፡ናጽነትን  ሉኣውነትን ኤርትራ ንድሕሪት ዘይመልስ ዛዕባ ኢዶም ከልዕሉ ኣትሪሩ ጸዊዑ። ናይዚ ስምዒት መንቀሊ ህላወ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያዊ ወገናት ምህላዎም’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ካብ 2018 ጀሚሩ ንዝተወሰነ ግዜ ክካየድ  ንዝጸንሐ ንልኡላውነት ዘነኣእስን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዘይህብን ዘይሓላፍነታውን  ዘይትካላውን ኣካይዳ’ውን ግደ ስለ ዝነበሮ ዳግማይ ኮኒንዎ።

ኣብ ጐረቤትና ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላውን  ዘይምርግጋእን ዝመዘነ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ካብ ተመኩሮ እውን ከም ዝተረጋገጸ፡ እቲ መዋጸኦ ውግእን ምፍንጫላት  ዘይኮነ፡ ብስልጡን መንገዲ ዘተን ልዝብን ጥራይ ስለ ዝኾነ፡  ንዓኡ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ከባብና ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ሶማሊያን ሱዳንን ዝረአ ዘሎ፡ ናይ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝተፈላለዩ ሓይልታት ምትእኽኻብን ኢድ ኣእታውነትን፡ ነቲ ጸገማት ዘጋድድ ረብሓን ሰላምን ህዝብታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ መዚኑ። በዚ መሰረት ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ዜቤታዊ ሕቶ ንዘይምምላስ ወትሩ ናብ ደገ ጥራይ ዘመዓዱ ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ካልኦት ሃገራት ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክሕግዙ እምበር ኢዶም ኣእትዮም ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ ኣዕዚዙ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ልሙድ መደባት ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕዋት ቀዳማይ ዋዕላን ፈስቲቫልን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንዘበርከትዎ ተሳትፎ ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ተሳትፈኦምን ኣበርክተኦምን ከበርትዑ  ጸዊዑ።

Last modified on Sunday, 06 October 2024 11:17