ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ እማመ ሰላም ከቕርብ ናብ ሱዳን ገይሹ

2024-10-06 09:03:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 11 times

ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ፖርት ሱዳን (3 ጥቅምቲ 2024)

ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ሰላም ንክረጋግጽ ዘለዎ እማመ ንምርካብን ምስ ህዝቢ ሱዳን ዘለዎ ምሕዝነት ንምግላጽን ብ3 ጥቅምቲ 2024 ናብ ፖርት ሱዳን ገይሹ። ሕብረት ኣፍሪቃ በዚ መልክዕ ናብ ሱዳን ልኡኽ ክሰድድ ድሕሪ 2015 ንመጀመርያ ምዃኑ እቲ ዜና ኣረጋጊጹ። ኣባላት ናይቲ ልኡኽ ካብቶም 15 ኣባላት ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ዝተዋጽኡ እዮም። ኣብቲ ጉዕዘኡ ናብ ሱዳን ምስ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ዳርፉር ሚኒ ሚናዊ ወሲኽካ ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ተራኺቡ ብዛዕባቲ ናይ ሰላም እማመ ተዘራሪቡ።

ናይቲ ልኡኽ መራሒ ግብጻዊ ኣንበሳደር ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መሓመድ ዑመር ጋድ፡ ንትሕዝቶ’ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንሰላም ሱዳን ዝቐረበ እማመ ኣመልኪቱ  መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ እቲ እማመ ሱዳናውያን ባዕላቶም ብዘይኢድ ኣእታውነት ዝትግብርዎን ዝምልከቶም ዓለም ለኸ  ኣካላት ብዘይኢድ ኣእታውነት  ዝሕግዝሉን ምዃኑ ጠቒሱ።

ማኒ ሚናዊ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳንን ነቲ ዘመሓድሮ ከባቢ ዳርፎርን ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብምትሕብባር ገለ ሃገራት ዝተኣጉደ ውግእ ብሰላም ንምፍታሕ ክጽዑሩ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ሱዳን እቲ ድሕሪ ዕልዋ 2021 ተንጠልጢሉ ዘሎ ኣባልነታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክምለሰላ ክትሓትት ከም ዝጸንሐት ኣስፊሩ፡ እቲ ልኡኽ እውን ንኣገዳስነት ግደ ሱዳን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ንክህቦ ጸዊዑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ብዝምልከት ኣብ 2023 ዘውጸኦ እማመ ሰላም፡ ኣብታ ሃገር ህውከት ጠጠው ክብል፡ እኹል ሰብኣዊ ረዲአት ዝቐርበሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ሲቪል ሕብረተሰብ ውሕስነት ክረክብን ኣሳታፊ ፖለቲካዊ መስርሕ ክቕጽልን ዝብል እዩ ነይሩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ብፕረሲደንት ኡጋንዳ የወሪ ሙሰቪኒ ዝምራሕ ላዕለዋይ ኣካል መዚዙ ነይሩ። መራሒ ልኡላዊ ኩሚተ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ሱዳን ነቲ እማመ እትቕበል ዝተወንዘፈ ኣባልነታ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እንተተመሊሱላ ጥራይ እዩ ብዝብል ከም ዝተቓወሞን ኣብዚ ናይ 3 ጥቅምቲ 2024 መገሻ ናይቲ ልኡኽ እውን ነዚ መርገጹ ከም ዝደገሞ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እዚ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ኣካል ናይቲ ሱዳን ተልእኮኡ፡ ናብ ካይሮ ኣቕኒዑ ምስ ዋና ጸሓፊ ዓረብ ሊግ፡ ኣሕመድ ኣቡኢል ገይትን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ባድር ዓብደላጢን ተራኺቡ ብዛዕባ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ኣገዳስነት ምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪቃን ዓረብ ሊግን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝተዘራረበ’ውን ተፈሊጡ።

Last modified on Sunday, 06 October 2024 11:10