ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኢትዮጵያ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ

2024-10-07 08:08:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 12 times

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልላት ኦሮሞን ዓፋርን ብ6 ጥቅምቲ 2024  ሰዓት 8.10 ናይ ምሽት ንኣስታት 18 ሰከንድ ዝጸንሐ፡ 4.9 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት ከም ዝተፈጥረ ነበርቲ ገሊጾም። እቲ  ዘጋጠመ ምንቅጥቃት መሬት መንቀሊኡ ኣብ ክልል  ኦሮሞ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ፈንታለ ኣብ ዝተባህለ ጎቦታት ምዃኑ፡ ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ኣፍሊጦም።

ዶር ኤልያስ ለዊ ዝተባህሉ ናይ ጀኦ-ፍዚክስ ምሁር ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ቀንዲ መንቀሊ ናይቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ጎቦታት ፈንታለ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ቦታታትን ዝተፈጥረ ስምዒት ናቱ ናህሪ ምዃኑን እምብዛ ዘሰክፍ ሓደጋ ከምዘየውርድን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ዓቐኑ ደኣ ንኡስ ይኸውን እምበር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣዋሽ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ክስተት ምኹኑ’ውን ሓቢሮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከጋጥም እንከሎ  ሰባት  እንታይ ምግባር ከም ዝግበኦም ድማ ምዕዶ ለጊሶም።

ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ብወገኖም፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ኮንደምኒየም ኣባይቲ ዝነብሩ እቲ ምንቅጥቃጥ ኣጸቢቑ ከም ዝተሰመዖምን ክሳብ  ናውቲ ገዛ ካብቲ ዝተቐመጦ ናይ ምውዳቕ ኩነታት ከም ዝተራእየን ሰባት ካብ ኣባይቶም ወጺኦም ናብ ደገ ምህዳም በጺሖም ከም ዝነበሩን ሓቢሮም። በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተመዝገበ ጉድኣት የለን እውን ተባሂሉ።

Last modified on Monday, 07 October 2024 10:14