EPDP News

ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ንኢድ ኣእታውነትን ብናይ ሰላም ርኢቶኡ ከገድድ ምፍታኑን  ንሕብረት ኣፍሪቃ ብ9 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ ደማዚን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብትሪ ምንቃፎምን ኣባል ሃገራት ናይቲ ሕብረት መርገጾም ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከእርሙ ምጽውዖም ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።

እቶም ጀነራል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ብምኽንያት ናይ 25 ሕዳር 2021 ፈተነ ዕልዋ ኣባልነት ሱዳን ምድስካሉን ክሕዞ ንዝጸንሐ ማእከላይ መርገጽን ክቃወሙ እንከለዉ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን ብወገኖም ናይቲ ሕብረት ኮሚሽነር ንወከሊ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ተቐቢሉ ኣፍልጦ ምሃቡ ብትሪ ተቓዊሞም።

ኣል ቡርሃን መንግስቶም ሰላም ከምዘይጻረር እንተኾነ፡ ህላወ ዘይሕጋዊ ዕጡቕ ወተሃደራዊ ሓይሊ  ከምዘይቅበል ጠቒሶም፡ ንሱዳን ናብቲ ዘላቶ ህውከትን ውግእ ሕድሕድን ዝመልስ  ስምምዕ ቅቡል ከምዘይከውን ዝገልጽ መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፎም። ኣተሓሒዞም ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ኣባላቱ ኣካይደኦም ዘየዕርዩ እንተኮይኖም ሱዳን ጸገማ ባዕላ ክትፈትሕ ከም እትኽእል ጠቒሶም፡ እቲ ሕብረት  ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ምእታው መሰል የብሉን እውን ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሱዳን ናብ ቦታኡ ክመልስን፡ ኢጋድ ብወገኑ ጉዳይ ሱዳን ንክፈትሕ ኣብ ዝመዘዞ ኣካል ኣቦመንበርነት ኬንያ ክቕይርን ጸዊዕም።

ኣዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ህጻናት ኣድሕን/ Save the Children፡ ዝተባህለ ትካል ሱዳን ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ዘመዝገበት ኮይና ኢሉ፡ ካብቶም 7.1 ሚልዮን ተመዛበልቲ እቶም 3.3 ሚልዮን ህጽናት ምዃኖም ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርወጅያን ምሁር ፕሮፈሶር ሸተል ትሮቪል

ብዛዕባ ጐንጽን ኣፈታትሓኡን መጽናዕትን ምርምርን ዘካይዱ ነርወጃዊ ምሁር ፕሮፈሶር ሸተል ትሮቪል፡ ኣብ ወጻኢ ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ውጽኢት ክቱር ወጽዓን ድምጾም ንክስማዕ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምትን ምዃኡን ገሊጾም። እቶም ፕሮፈሶር ነዚ ዝገለጹ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ በርገን ሃገር ነርወይ ብ2 መስከረም 2023 መዲብዎ ዝነበረ እሞ ዝተሰረዘ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ማዕከ ዜና ነርወ ኤንቲቪ/NTV  ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ እዩ።

እቶም ካብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሮም ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ፕሮፈሶር፡ ኣብቲ ሰፊሕ ቃለመጠይቖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ስደቶም ከይተረፈ፡ ተጽዕኖ ከም ዝፈጥረሎም፡ 2% ክኸፍሉ ከም ዘገድዶምን ዝበሎም እንተዘይገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ስድረኦም ኣገዲዱ ገንዘብ ከም ዘኽፍሎምን ጠቒሶም። መንግስቲ ኤርትራ ስደተኛ ኣምሲሉ ኣብ ኤውሮጳ ሰለይቲ ከምዘዋፍር ድማ ኣቃሊዖም።  

ትሮንቮል ብ2 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ በርገን ንስርዓት ኤርትራ ብዝቃወሙ ወገናት ዝተወስደ ስጉምቲ ከም ናይ ህንጡይ መርዓዲ ጌርካ ምውሳዱ ጌጋ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብኣንጻሩ ንጡፋት ልኡኻት ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሃገር ነርወይ ከምዘለዉ ህዝብን መንግስትን ነርወይ ከስተውዕሉ ኣዘኻኺሮም።

ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ህዝባ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ንክወጽእ 30 ዓመታት ዝተቓለሰላ ሃገር እያ ዝበሉ እቶም ፕሮፈሶር፡ እቲ ንኢሳያስ ከም ጅግና ዝውሰድ ወገን ጌጋ ምዃኑ ጠቒሶም፡ በቶም ኣብ ሃገሮም ምንባር መሪርዎም ዝተሰዱ ግና ኢሳያስ ብኣንጻሩ እዩ ኢሎም። እዚ ተጻራሪ ኣተሓሳስባ እዩ ኣብ ከተማ በርገን ዝተራጸመ ድሕሪ ምባሎም ከኣ እዚ ተርእዮ ኣብ ቀጻሊ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክምዕብል እዩ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣዳለውቲ ናይቲ መደብኳ ነቲ ኣጋጣሚ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ኣይነበሮን እንተበሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ እዩ ዝጥቀም። ተቓወምቲ ብወገኖም፡ ደገፍቲ ህግደፍ ተቓወምቲ ተመሊሶም ኣብ ስለያ ከም ዝዋፈሩ እናሓበሩ፡ መንግስቲ ኖርወይ ነዚ ተግባራት ተረዲኡ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ እቶም ፕሮፈሶር ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋንዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ምቁጽጻር ህግደፍ ይዳኸም ኣሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ይሕይል ኣሎ ዝበሉ ፕሮፈሶር ትሮንቮል፡ ምኽንያቱ ድማ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገሮም ዘለዉ ስድራቤታት ዝወስዶ ጨካን ስጉምቲ ከምቲ ናይ ቅድም ከድምዕ ዘይምኽኣሉ ዘርኢ እዩ ኢሎም።

ፕሮፈሶር ትሮንቮል፡ ኤርትራውያን ጻዕራማትን ፈተውቲ ሰላምን ምዃኖም ኣመልኪቶም፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ተጻረርቲ ሓሳባት የምዕብሉ ከም ዘለዉን፡ እዚ ድማ ንስርዓት ህግደፍ ዘርዕድን ውድቀቱ ዘቀላጥፍ ተርእዮ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኦም ጠቒሶም።

ኖርወጅያዊ ፕሮፈሶር ሸቲል ትሮንቮል ተመራማሪ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘካየዱን ዝጸሓፉን፡ ኣብ 2009 ድማ The Lating Struggle for Freedom in Eritrea, Human Rights and Poletical Develpmen, 1991-2009, ብእትብል መጽሓፍ    ንህግደፍ ዘቃለዑ ደራሲ’ው እዮም።

ብሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን “ኪዳን ንመሰረታዊ ለውጢ ኣብ ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽላል 7 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይሊ ፖሊሲ ከም ዝተበተነ እተን ውድባት ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ ኣፍሊጠን። ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከሎ ጋና ዘይተፈቕደ ምንባሩን እቶም ወደብቲ ንግዜኡ ከቋርጽዎ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ስለ ዘይኮኑ፡ ብውሕልነት ከም ዝበተኖ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ወልዳይ መውጫ ንጋዜጠኛታት ብዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ናይተን ውድባት መግለጺ ኣብቲ ሮማናት ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ መቐለ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰልፊ ዝተሳተፉ 50 ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ናይተን ውድባት ዝርከብዎም ኣስታት ሚእቲ ሰባት ከም ዝተኣስሩን ኣብ ልዕሊኦም ምግፋዕ ከም ዘጋጠመን ጠቒሱ። ፡ ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ ካብቲ ቦታ ክለቁ ብፖሊስ ተመኺሮም ዝኣበዩን ህውከት ከልዕሉ ዝፈተኑን  40 ዝኾኑ  ሰባት ጥራይ ብጥንቃቐ ከም ዝተኣሰሩ ሓቢሩ።

መግለጺ ናይቶም ተቓወምቲ እቲ ሰልፊ ሰላማዊ ከም ዝነበረ ክጠቕስ እንከሎ፡ ፖሊሲ ከተማ መቐለ ግና፡ እቲ ዝመረጽዎ ዕለትን ቦታን ቅቡል ስለ ዘይነበረ፡ ሕቶኦም ብመትከል ቅቡል ኮይኑ፡ ግዜን ቦታን ክቕይሩ ተነጊርዎም ከብቅዕ፡ ቅድሚ ሳልስቲ ጀሚሮም ህውከት ከም ዝፈጥሩ ክፍክሩ ከም ዝቐነዩ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኣተሓሒዙ ብደርጃ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታጨው ረዳ ከይተረፈ፡ መደቦም ክቕይሩ ተነጊርዎም ከም ዝነጸግዎ ሓቢሩ።

ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣቐዲሞም ኣብቲ ሰልፊ ዘንጸባርቕዎም 38 ጭረሖታት ከም ዝነበርዎም ከፋልጡ እንከለዉ፡ ካብቲ ጭረሖታት “ህልውና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኸትም ኣለዎ” ዝብል ከም ዝርከቦን፡ እዚ ጭረሖዚ ካብቲ ምስቲ ናይ ትግራይ ጉዛእቲ ውድብ ህወሓት ምስሕሓብ ዝፈጠረ ምኽንያታት ሓደ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ብሓፈሻ ክረኣይ እንከሎ፡ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተተግብሩ፡ ከባብታት ውልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ዘይምምላሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ዘምውጽኡን ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ዘይምምላሶምን ኣብ ትግራይ ወጥሪ  ፈጢሮም ካብ ዘለዉ እዮም።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል/amnesty international ሰራዊት ኤርትራ፡ ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈድራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እውን ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ገበናት ከም ዝቐጸሎ ብ4 መስከረም 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣቃሊዓ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ “ቀጻሊ ክሲ ኣምኒስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ብዝብል ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ብ4 መስከረም ዘውጸኦን ንቀጻሊ ተግባራት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘቃለዓሉን መግለጺኡ፡ ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮነ ድሕሪኡ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝፈጸመን ይፍጽም ከም ዘሎን ዘርዚሩ።

ኣምኒስት ጸብጻቡ ብምቕጻል ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ብሓባር ዝፈጸምዎ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ወሲባዊ ግህሰትን ቦታን ዕለትን እናጠቐሰ ብሰፊሑ ዘርዚሩ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝነበሮ ሰራዊት ኤርትራ፡ ቀጻሊ ዓመጽን ወሲባዊ ባርነትን ከም ዝፈጸመን ኮኾብ ጽባሕ ኣብ ዝተባህለት ናብ ዶብ ኤርትራ ዝቐረበት ኣብ ምብራቕ ትራይ ኣብ እትርከብ ወረዳ፡ 24 ሲቪል ሰባት ከም ዝቐተለ ዳይረክተር ኣምኒስት ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ታይገር ቻጉታህ  ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።.

ነዚ ጸብጻብ ኣብ ምድላው ኣምኒስት ካብተን ኣብ ወረዳ ኮኾብ ጽባሕ ግዳይ ዓመጽን ወሲባዊ ባርነትን ዝኾና ኣስታት 40 ደቂ ኣንስትዮ ምስተን11 ቃለ መጠይቕ ከም ዝገበረትን፡ ካብተን ግዳያት፡ ገሊአን ናብ መደበራት ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ተወሲደን ንቀጻሊ መዓልታት ክዕመጻ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ኣብ ገዛእ ኣባይተን ከም ዝተዓመጻ ሰፊሕ ዝርዝር ብምሃብ ከም ዝመስከራ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ በዚ መግለጺ ኣምንስት ኢንተርናሽናል ዝሰንበደ ህግደፍ ብቀዋሚ ወኪሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ  ንመግለጺ ናይቲ ትካል “ናይ ሓሶት ክሲ” ኢሉ፡ ካብቲ ዝተላዕለ ኣጀንዳ ወጺኡ ኣምኒስት ኣብ 2011 ኣብ ኤርትራ ስርዓት  ናይ ምቕያር ውዲት ኢድ ዝነበሮ ኣካል ክብል ከሲስዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ  ኣብ ፍሉይ ኣኼባ ሚኒስተራት፡ ብ3 መስከረም 2023፡ ሚኒስተራት ብኣባልነት ንዝርከብዎ ሓይሊ ዕማም፡ ሓደ ሺሕ መንግስቶም ዝድግፉን ኣብቲ ናይ 2 መስከረም 2023 ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ከተማ ተልኣቪ ዘጋጠመ ህውከት ዝተሳተፉን ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንክመልሱ መምርሒ ከም ዝሃቡ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራን ካለኦት መዲያታትን ኣፍሊጠን። ናታንያሆ ኣብቲ ዝሃብዎ መምርሒ እስራኤል መንግስቶም ከም ዝድግፉ ባዕላቶም ብዝኣወጁ ስደተኛታት ክትሽገር ኣይግበኣን ኢሎም።

እቲ መግለጺ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ እስራኤል ስደተኛታት ህይወቶምን ሓርነቶም ኣብ ሓደጋ ናብ ዝውደቕ ሃገር ብሓይሊ ክትመልስ ከም ዘይትኽእልን ተጠቒሱ፡ እንተኾነ መንግስቶም ዝድግፉ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል መሰል ስደተኛ ዝሓትሉ ምኽንያት ስለ ዘየብሎም ናብ ትውልዲ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ናታንያሆ ንሚኒስትራቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ክህቡ ዘገደዶም እቲ ኣስታት 150 ኤርትራውያንን 30 ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ዝቖሰልሉ፡ ኣዳራሽ ህግደፍ ፈሪሱ፡ ኤምባሲ ህግደፍ ዝወደቦ መደባት ዝተሰረዘሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዘጋጠመ ሓያል ጐነጽ እዩ።

ምስዚ ብዝተሓሓዘ ኣብቲ ዝተፈጥረ ጐንጺ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ዕንወትን ገበን ዝፈጸሙ ኣካላትን ምጽራይ ክግበርን ኣድላይ ስጉምቲ ክውሰድን እውን መምርሒ ሂቦም። ብትዕዝብቲ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብ ልዕሊ ገለገል ካብቶም ተቓወምቲ ህግደፍ ካብቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ቦታ ናብ ዝተወሰነ ከባቢ ናይ ምግላል ዕድል ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ይግመት።

ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ፖሊስ እስራኤል ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቕመን ነቲ ባእሲ ንምብታን ንላዕሊ ጠያይት  ከም ዝተኮሰን እውን ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ ብ2 መስከረም 2023 ኣብ ሃገራት ስዊዘርላንድን ኖርወይን እውን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ጐንጽታት ተፈጢሩ፡ ዝተወሰነ ጉድኣት ከም ዘኸተለን ኣብ ኩሉ መደባት ህግደፍ ከም ዝተሰረዘን ተፈሊጡ።

 

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ምይይጥን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን፡ ብሓብር ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ  ክቃለስ  ምስተሰማምዐ፡ ሓባራዊ  ግዝያዊ መሪሕነት ከምዘቖመ ብ2 መስከረም 2023 ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዘቃንዖ ጽንብል ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ መስርሕ ዘተ ክዋስኡ ዝጸንሑ ጽላላትን ውድባትን  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን እዮም። እንተኾነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘይወገኖ ጉዳያት ስለ ዘጋጠሞ ንዕኡ  ክሳብ ዘጻፍፍ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ጥራሕ ክታሙ ከምዘየንበረን እቶም ሰለስተ ኣካላት ነቲ መስርሕ ከም ዝቕጽልዎን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተመልኪቱ።

ኣብቲ መድረኽ ናይቲ ነቲ ጽንብል ዘሰናደአ ኣካል ቃል ብቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን ቀሪቡ። ካብቶም ተሳተፍቲ ድማ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ናይ ደገፍን ምሕዝነትን ቃሎም ኣስሚዖም። እቶም ናይ ደገፍ ቃል ዘስምዑ፡ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ብምምልካት ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ኣሓት ኣድያም ተፈራን ሓናን መሓመድ ሳልሕን ዝመረሐኦ ዝያዳ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መድረኽ፡ ኣብ መንጎ መንጎ እቲ መደባት ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ዘንጸባርቑ ግጥምታትን መዛሙርን እውን ቀሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2023 ካብ ዶብ ኬንያን ኡጋንዳን 140 ኪሎሜትር ንውሽጢ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ናይ ኡጋንዳ ከተማ ጂንጃ 20 ኤርትራውያን ብናይ ኡጋንዳ  ኣባላት ፖሊሲን ጸጥታን ከም ዝተኣስሩ ሞኒተር ግሩፕ/MONITOR GROUP፡ ዝተባህለት መዲያ ሓቢራ። እታ መዲያ ከም ዝሓበረቶ ካብቶም እሱራት 12 ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ 6 ህጽናት ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ናይቶም ኤርትራውያን ናይ መወዳእታ ጉዕዞ ኣብ ከተማ ካምፓላ ናብ ዝርከብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብብዝሒ ዝርከብዋ ክፍለ-ከተማ ካባላጋ ከም ዝነበረ ሞኒተር ግሩፕ ሓቢራ።

ናይቲ ዝተታሕዝሉ ዞባ ኣዛዚ ፖሊስ ወሃብ ቃል ጀምስ ሙቢ፡ እቶም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም ዓበይቲ፡ ኣብ ማእከላይ መደበር ፖሊስ ጂንጃ ክእሰሩ እንከለዉ፡ እቶም ህጽናት ግና ኣብታ ከተማ ኣብ ሆቴል ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣስዒቦም፡ እቶም ኤርትራውያን “ዝኾነ ሕጋዊ ናይ መገሻ ሰነድ ኣይነበሮም” ኢሎም፡ ብድሕሪ እቲ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ መን ከም ዘሎ ንምጽራይ ጻዕሪ ከም ዝግበር ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ዘይሕጋውያን ተጐዓዝቲ ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ-ኡጋንዳ፡ ጥሒሶም  ከም ዝኣተዉ  ንጋዜጣ ቪዥን ኡጋንዳ  ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምጥቃሶም ሞኒተር ግሩፕ ኣፍሊጣ።  

መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ ወተሃደራቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ጻዕሪ የካይድ ከም ዘሎ፡ በሺር ሓሰን የሱፍ ዝተባህለ፡ ጉዳይ ሶማሊያ ዝከታተል ጸሓፊ ብ31 ነሃሰ 2023 ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ። ንሱ ከም ዝጸሓፎ ኣቐዲሞም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022፡ ሰለስተ ሺሕ (3000) ዝኾኑ ሶማላውያን ወተሃደራት ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ጠቒሱ፡ እዞም ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ መስከረም 2023 ክምለሱ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ ካብ 1800 ክሳብ 2000 ዝበጽሑ ምዃኖም ሓቢሩ።

ካብዞም ዝምለሱ ናይ ጸጥታን ባሕረኛን ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ገይሾም ዝነበሩ ወተሃደራዊ መኮነናት ሶማሊያ፡ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ወተሃደራቶም ከም ዝተራኸቡን ብዛዕባቲ ንምምላሶም ወጺኡ ዘሎ መደብ ከም ዝሓበርዎምን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ ንወተሃደራዊ ትምህርቲ ተባሂሎም ናብ ኤርትራ ዝኸዱ መእሰያት ሶማሊያ፡ ህግደፍ ምስምሳት ፈጢሩ ኣይለቆምን እየ ስለ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሶማሊያን ወለዲ ናይ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙን  ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ጋቦን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ስልጣን ከም ዝመንዝዑ ብናይታ ሃገር ተልቪዚዮን ጋቦን-24 ምግላጾም ማዕከን ዜና ቢቢሲ/BBC ሓቢራ። እቶም ወተሃደራት ነቲ ብ26 ነሃሰ 2023 ዝተኻየደ እሞ ፕረሲደንት ዓሊ በንጎ ከም ዝተዓወተ ተነጊርሉ ዝነበረ ምርጫ ውጽኢት ከም ዝሰረዝዎ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ፕረሲደንት በንጎ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዘሎን ሓደ ካብ ደቁ ድማ ብኽድዓት ሃገር ከም ዝተኣስረን ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም። በቲ መግለጺ መሰረት ናይ 53 ዓመታት ስልጣን ቤተሰብ ዓሊ ቦንጎ በዚ ዝተወስደ ናይ ዕልዋ  ስጉምቲ ከብቅዕ እዩ።

እቶም 12 ኮይኖም ብ30 ነሃሰ 2023 ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ብተለቪዝዮን መግለጺ ዝሃቡ ወተሃደራት፡ ንውጽኢት ምርጫ ሰሪዞም ንትካላት ናይ ሪፐብሊክ ጋቦን ከም ዘፍረስዎ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ሓድሽ መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ ናይታ ሃገር ዶባት ከም ዝተዓጽወ ሓቢሮም። ተቓወምቲ መንግስቲ ዓሊ በንጎ ብወገኖም፡ ናይታ ሃገር ኮሚሽን ምርጫ ዓሊ በንጎ ዳርጋ ብክልተ ሲሶ ናይቲ ዝተዋህበ ድምጺ ከም ዝሰዓረ ብምጥቃስ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓሶት እዩ ኢለምዎ።

ኣተሓሒዞም ድማ ዓሊ በንጎ ብኣዛዚ ሪፐብሊካዊ ሓለዋ፡  ጀነራል ብራይስ ኦሊጁ ኒዩማ ከም ዝትካእ ሓቢሮም። እዚ ናይ ጋቦን  ኣብ ልዕሊ ግዙኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ዕልዋታት 8ይ እዩ።

ፈረንሳ ነቲ ትግባር “ውጽኢት ምርጫ ክኽበረ ኣለዎ” ብዝብል  ኮኒናቶ። ቻይናን ሩሲያን እቲ ዕልዋ ካብ ዘሻቐለን ሃገራት እየን። ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እቲ ተረኽቦ ዓብይ ዛዕባ እዩ ኢሉ፡  ስልጣን ብሓይሊ ምምንዛዕ ዘይምርግጋእ ዘጋድድ እዩ ኢሉ።

እቶም ወተሃደራት ኣካል ናይቲ “ኮሚተ ምስግጋር፡ ምዕቃብ ትካላትን ምምላስ ኩነታት ጸጥታ ናብ ንቡር”ን”  ዝበልዎ  ምዃኖም ጠቒሶም፡ ተልእኮኦም ነቲ ዝነበረ ምምሕዳር ኣወጊድካ ጸጥታ ሃገር ምሕላው ምዃኑ ሓቢሮም።

ጋቦን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና፡  90 ሚእታዊ ካብ መሬታ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ሃገር ምዃና ይንገረላ።

ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ናይ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫን ኣደም ዑስማን ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ ከም ዝተሰወረ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ዲፕሎማት ነዚ ስጉምቲ  ዝወሰደ፡ ጉዳያቱ ኣጻፊፉ ቀልጢፉ ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ክምለስ ምስተነግሮ ብዝሓደሮ ስግኣት ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። ናይ ስግኣቱ ምኽንያት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ኤምባሲ ድሕሪ ዝተፈጥረ ጸገም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ ዝነበሩ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ካብ ስራሕ ምድስካልን ምዃኖም ስለ ዘረጋገጸ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ከም ዘስፈሮ፡ ኣደም ዑስማን ካብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝወጸ ምስ ተጠርጠረ፡ ሽዑንሽዑ  ናይ ዲፕሎማሲ ፓስፖርቱ ከም ዝተሰረዘ ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃብቶም ዘርኣይ ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣብ ቦታ ኣደም ዑስማን ብግዝያውነት ተመዲቡ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ኣደም ዑስማን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋብኡ፡ ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ህግደፍ ንዝቐረቡ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓቅታት እንዳ ከሓደ  ብምቅዋም ምስሊ ህግደፍ ንምጽብባቕ ክሰርሑ ካብ ዝጸንሑ መጋበርያታት ሓደ እዩ።