ዘስደምም ጻዕዳ ሓሶት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ኣደባባይ

2025-09-24 08:46:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 349 times

ልእኽቲ ህግደፍ ጻዕዳ ሓሶት እናስመዐት

ኣብቲ ጐኒንጐኒ እቲ ዝካየድ ዘሎ መበል 80 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዝተጋበአ ዝኽሪ ብመል 30 ዓመት “4ይ ዓለም ጉባአ ደቂ ኣንስትዮ” ኤልሳ ሃይለ ብዝተባህለት ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ህግደፍ ከም ዝተሳተፈ ብናይ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ  ገጻት ፌስቡክ ተገሊጹ።  እዛ ዓይና ብጨው ተሓጺባ ኣንጻር ደቃን ኣሓታን ናይ ሓሶት መግለጺ ዝሃበት፡ “ዲረክተር ዓለም ለኻዊ ትካላት”  ዝብል መዓርግ ዝሓዘት ኤልሳ፡ “ኣብ ኤርትራ ጾታዊ ማዕርነት ብዘይጭበት ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብተግባር ተረጋጊጹ እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ቃል ብምስመዓ፡ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ መዛረቢ ኮይና’።

ኤልሳ “ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዘይንቕነቕ ዓንዲ ነይረን” ዝበለቶ’ኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ እዚ ግደኣን ሎሚ እውን ኣብ ዕቤት ሃገር መሪሕ ቦታ ሒዙ ምህላወን ከተመልክት ዝፈተነትሉ  ቃል ግና ጻዕዳ ሓሶት ኮይኑ፡ ንገዛእ ርእሳ ዘቃለዓ ኮይኑ። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ “ማዕርነት ብተሳትፎ” ዝብል ጭረሖ ህያውን ግብራውን ከም ዘሎ ኣምሲላ ከተቕርቦ ምፍታና ከኣ፡ ምስቲ ዝድህሰስ ሓቂ ዝጻጸር እዩ።

ኣብቲ ሓሶታ ንምርጓድ ኣብ ባይታ ዘየለ ኣሃዛት ዝዘርዘረትሉ ቃላ፡ ምናልባት ካብተን ሰብኡተን ናብ ውግእ ተገዲዶም ምስ ዝኸተቱ፡ መተካእታ ስኢነን ናብ ሕርሻ ዝወፍራ ደቂ ኣንስትዮ ብምምዝማዝ፡ ሓደ ሲሶ ንጥፈት ሕርሻ ብደቂ ኣንስትዮ ከም ዝውነን ኣምሲላ ዝጠቐሰቶ ከኣ ዘገርም ኮይኑ፡ ኣብታ ልዕሊ 300 ንጹሃት ተዳጒኖም ዝሳቐዩለን ኣብያተ-ማእሰርቲ ዘለዋኣ ሃገር  ስሉጥ ዕቤት መስርሕ ፍትሒ ይረአ ከምዘሎ ኣምሲላ ምቕራባ እውን ካልእ ንሰማዒኡ ዘገርምዩ።

እዛ ሕልና ዘየብላ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ከምኣ ከም ዘለዋ ዝመሰላ ልእኽቲ ህግደፍ፡ ኣብቲ ብዙሓት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መዳርግቲ ዘየብሉ ብሓፈሻ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብፍላይ ከኣ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ካብኣ ንላዕሊ ዝፈልጡ ተሳተፍቲ ዝተረኽብሉ ትዛረብ ምንባራ ዘስተውዓለት ኣይትመስልን። መሰረታዊ መሰል ኩሉ ኤርትራዊ  ክሳብ ክንደይ  ዝተጣሕሰ ምዃኑ ብደረጃ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብደቒቕ መጽናዕቲ ኣብ ዝተረጋገጸላን “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ስም ኣብ ዝተዋህባን ሃገር በቲ ዝበለቶ ደረጃ፡ “ጾታዊ ማዕርነት ብግብራዊ ተሳትፎ ዝተረጋገጸ እዩ” ምባላ ክሳብ ክንደይ ምግንዛብ ዝጐደላ ምዃና ዘርኢ እዩ።  

Last modified on Wednesday, 24 September 2025 10:53