
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንእገዳ ሶማልያን ኤርትራን ንኽናዋሕ ወሲኑ
Wednesday, 15 November 2017 11:56 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ15 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት (UNSC) ብሰሉስ 14 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ነቲ ናይ ኣጽዋር ውግእ እገዳ ሶማልያን ኤርትራን ንክናዋሕ ዘኽእል ውሳኔ ቍጽሪ 2385 ኣጽዲቕዎ።
ነዚ ውሳኔ’ዚ 11 ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ደጊፈንኦ፡ ዝተቓወምት ሃገር ኣይነበረትን፡ 4 ድማ ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ገይረን። እተን ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ዝገበራ ሃገራት ሩስያ፡ ቺና፡ ግብጽን ቦሊቭያን ኢየን።
ነቲ ንድፊ ውሳኔ ዘቕረበት ዓዲ እንግሊዝ ኰይና፡ ኣምባሳደራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራ ምስ ኮሚቴ እገዳ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ፍልይቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ንኽተሓባበር መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ ኣሎ።
እቲ እገዳ ካብ ዝጅምር 8 ዓመቱ ኣቝጺሩ ኣሎ።
EPDP Foreign Relations Office Holds Season's Regular Meeting
Wednesday, 15 November 2017 11:42 Written by EPDP Information OfficeOn 12 November 2017, the administrative committee of the Foreign Relations Office of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) held an important regular meeting attended by representatives of the Office's sub-committees formed in many regions of the world.
Agenda for this meeting, held in the aftermath of the conclusion of the 8th regular meeting of the EPDP Central Council, included the following items: exchange of situation reports; summary presentation of the annual report of the Office for 2016-2017 which was earlier reviewed by the CC; the New Action Plan for the Foreign Relations Office for the year ahead; review of the structure of regional committees, and enhancing their role in new party projects for the future (such as the proposal for joint action with other sister organizations and the Party Renewal Plan.)
Each regional representative made brief presentation giving a picture of their respective situations and activities. This was followed by a discussion on the summary of the annual report of the Office as presented to the 8th regular meeting of the EPDP Central Council. Below are a few points gleaned from the report covering August 2016 to July 2017:
Memoranda: During the 12 months of the period under review, the Foreign Relations Office submitted 27 memoranda on different Eritrea-related issues to various governments, parties, UN agencies, the African Union and other global and regional organizations. Of these, four memoranda were sent to different German institutions; three to Holland; three to Switzerland; two each to Sweden; UN agencies and the Progressive Alliance; and one memorandum to each the African Union; Ethiopia; Sudan; Somalia; State of Qatar; Italy; France; UK; Belgium; Norway and Denmark. It was also cited that the EPDP sent a grand total 134 such memoranda since the first party congress of July 2011.
Official Tours/Meetings: During the past year, EPDP conducted 13 officials tours/meetings with different parties and governments. Seven of the tours/meetings were to/with UN agencies; two with EU/Brussels; two in Gothenburg/Sweden; two to/in Berlin and Dortmund/Germany. The total visits in the past six years reached 72 including to places like Niami/Niger and Tunis/Tunisia. On top of this, the EPDP conducted 22 public diplomacy events. These include seminars and conferences at which Eritreans and non-Eritreans take part to discuss issues related to Eritrean refugees and the situation at home.
Publications:- Also during the period under review, the Foreign Office published and distributed six issues of Liberty, an English-language magazine containing mainly diplomatic efforts of the party. Also distributed to diplomatic circles were video clips and written materials on the Eritrean situation. The office published 36 issues of the English magazine since its first congress six years ago.
The Foreign Office Committee meeting also discussed the new work plan for the year ahead ending July 2018, and enriched it by proposing some details relevant to the situation of each EPDP regional committee.
Furthermore, the meeting urged that each Foreign Office sub-committee as well as each and every EPDP branch/zone in Australia, Middle East, Africa, Europe and North America to take very seriously the June 4 2017 party proposal for joint work with other sister organizations. Likewise, it called upon all party organs to start effectively implementing the upcoming Party Renewal plan being enhanced by the Commission for Party Renewal and scheduled to be reviewed every two months at extraordinary meetings of the EPDP Central Committee.
ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ በይ-ኤርያ ካሊፎርኒያ ተኻይዱ
Wednesday, 15 November 2017 04:16 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በይ-ኤርያ
ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ 13 ሕዳር 2017 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት በይ-ኤርያ ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብበይ-ኤርያ ኤርትርውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተጸወዐ፡ ኣብ ከተማ ሳን-ፍራንሲስኮ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ዓላማ ናይ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዕለት 31 ጥቅምቲ ዝተራእየ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምድጋፍ እዩ ኔሩ።
ብምኽንያት ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ቤት-ትምህርቲ ኣል ዲያእ ኣልእስላሚያ ዝወሰዶ ዓማጺ ስጉምቲ፡ ጅግና ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ብዘርኣይዎ ተባዕ መኸተ ኣብ 93 ዓመቶም ከምቶም ዝቐደሙ ኣሕዋቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምእተዳጎኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። በዚ ጨካን ኣብ ልዕሊ ኣቦና ሓጅ ሙሳ እተወስደ ስጉምቲ ዝተቖጠዐ ህዝብና ምረቱ ንምግላጽ ብ31 ሕዳር ስላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። እንተኾነ ግን እቲ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ መሰል ዘየኽብር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብተዅሲታት በቲኑዎ ጥራሕ ዘይኮነ ንብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ከምዝኣሰረን ጌና ይኣስር ከምዘሎን ተረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብርእሲ እቲ ኩሉ እከይ ተግባራቱ፡ መላኺ ስርዓት ኤርትራ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሃይማኖታዊ እዩ ብምባል ንህዝብና ብሃይማኖት ክፈላልየና ህርድግ ይብል ኣሎ። እንተኾነ ግን ህዝቢ በይ-ኤርያ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ጽንዓት ብምርኣይ “ሕቶ ቤት-ትምህርቲ ኣል ዲያእ ኣል እስላሚያ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እዩ” “እሱራት ይፈትሑ” “ንሕና ኤርትራውያን ኢና፡ ኣስላም ኢና፡ ክርስትያን ኢና፡ ምፍልላይ ኣይንፈቅድን” “ኣቦና ሓጅ ሙሳ ይፈትሑ፡ ኣቦና ፓትሪያርክ ኣንጦንዮስ ይፈትሑ” “እወ ንፍትሒ፡ እምቢ ንምልኪ” “እምነት ገበን ኣይኮነን” “ሕልናኹም ኣበይ ኣሎ” “ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ” “ሰራዊት ኤርትራ ምስ ህዝብኻ ወግን” ብዝብል ጭርሖታቱ ኣብ ናይ ህግዲፍ መጻወድያ ከምዘይኣቱ ኣረጋጊጹ። ቀንዲ መለለዪ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ህግዲፍ ኣብ ህዝብና ከእትዎን ክስርጾን ዝህቅን ዘሎ ሃይማኖታዊ ምፍንጫል ዝሰዓረ ምዃኑ እዩ።
ኣብ’ዚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ በይ-ኤርያ ዝርከቡ ኣብላት ተቓውሞ ውድባት ተሳቲፎም። መደረታት ካብ ዘቕረቡ ሓንቲ ኣባል ሰልፊ ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ ኔራ።
13 ሕዳር 2017
ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ ኣገዳስ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ
Tuesday, 14 November 2017 13:34 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብዕለት 12 ሕዳር 2017፡ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት (ወጻኢ ቤት/ጽ) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወከልቲ ቦታውያን ሽማግለታት እተሳተፍዎ ስሩዕን ኣገዳስን ኣኼባ ብዘመናዊ መራኸቢ እናተጠቕመ ኣካይዱ። ከም ዝፍለጥ፡ ቦታውያን ሽማግለታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈታት ሰዲህኤ፡ ኣብ ጨንፈራት ሰልፊ ኣብ ዝርከብኤን ሃገራት ዝቖማ ኢየን።
እዚ ን8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ስዒቡ እተጋብኤ ኣኼባ ምምሕዳር፡ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት እናተመርሔ፡ ስፍሕ ዝበለ ኣጀንዳታት ዳህሲሱ። ንሱ ከኣ፡ 1) ሓበረታ ንጥፈታት ካብ ዞባውያን ወከልቲ፣ 2) ናብ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ካብ ዝቐረበ ጽማቚ ናይ 2016-2017 ዓመታዊ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት፣ 3) ብ8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝጸደቐ ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ን2017-2018፣ 4) ቅርጻዊ ምትዕርራይ ቦታውያን ሽማግለታት፣ 5) ጊደ ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ኣብ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ነይሩ።
ምልውዋጥ ሓበረታታት/ጸብጻባት
ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ፡ ካብ ነፍስ-ወከፍ ኣወሃሃዲ ቦታዊ ሽማግለ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ዝቐረበ፡ ንንጥፈታት ሽማግለን ሃለዋት ሰልፍን ዝገልጽ ጸብጻባት ሰሚዑ። ቀጺሉ፡ ጸብጻብ ናይ ዓመተ ስራሕ 2016-2017 ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ። ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ካብ እተጠቕሰ ኣሃዛት፡-
- መዘክራት ሰዲህኤ፡- ካብ ነሓሰ 2016 ክሳዕ ሓምለ 2017 ኣብ ዝነበረ ናይ 12 ኣዋርሕ ንጥፈታት፡ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጽምድናታት፡ 27 መዘክራት ናብ መንግስታትን ሰልፍታትን ኣህጉራዊ ውድባትን/ማሕበራትን ልኢኹ። ንመዘኻኸሪ፡ ካብ ቀዳማይ ጉባኤ ሰዲህኤ ክሳዕ 8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ (ነሓሰ 2011 - ሓምለ 2017)፡ ሰዲህኤ 134 መዘክራት ናብ መንግስታትን ሰልፍታትን፡ ቤት ጽሕፈታት ሕቡራት መንግስታትን፡ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ከም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኣመሰሉ ዞባውያን ትካላትን ከም ዝለኣኸ ተሓቢሩ።
- ዑደት/ርክባት ብመሪሕነት ሰዲህኤ፡- ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመተ-ስራሕ፡ ሰዲህኤ፡ ብዕላዊ ዲፕሎማሲ ዝግለጽ 13 ርክባት/ብጽሖታት ምስ መንግስታትን ሰልፍታትን ኣብ ርእሲ ምክያድ፡ 4 ብህዝባዊ ዲፕልማሲ ዝግለጽ ፍጻሜታት ክዉን ገይሩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 6 ዓመታት (2011-2017)፡ ሰዲህኤ 72 ዕላዊ ዲፕሎማሲ ኣካይዱ። (ማለት ናብ መንግስታት ዑደት ብምክያድን ኣብ ዓበይቲ ኮንፈረንሳት ብምስታፍን።) ኣብ ልዕሊ'ዚ 22 ብህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዝግለጽ ምንቅስቓሳት ኣካይዱ።
- መጽሔት/ጽሑፋት፡- ኣብውሽጢዝሓለፈዓመት፡ኣብከክልተወርሒብእንግሊዝ ናይ እትሕተም መጽሔትሊበርቲ6 ሕታማት ዘርጊሑ። በብጊዚኡ ንሃለዋት ህዝብናን ግህሰታት ስርዓት ህግደፍን ዝገልጽ ጽሑፋት ይኹን ናይ ቪደዮ ቅዳሓትን ናብ ዲፕሎማሲያዊ ዓንኬላት ክዝርጋሕ ከም ዝጸሐ ተገሊጹ። ካብ ቀዳይ ጉብኤ ንድሓር፡ ናይዚ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዓንኬላት ዘቕንዐ መጽሐት ሕታማት 36 ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ።
ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ንዓመተ-ስራሕ 2017-2018
ከም ዝዝከር፡ ቀንዲ ዕማማትን ሓላፍነትን ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ንራእን ዕላማታትንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፣ንራእይን መትከላትን ፓለቲካዊ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣብሓፈሻ፡ ንደገፍቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና ሃገራትን፡ ሰልፍታትን፡ ማሕበራትን ኣብ ርእሲ ምብራህ፡ ንኩሉ-ሸነኻዊ እንታይነት መላኺ ስርዓትን ግህሰታቱን ምቅላዕ ኢዩ። መሪሕነት ሰልፊ ዘጽደቖ ሓዲሽ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ከኣ ነዚ ሓላፍነታት እዚ ዘንዘባርቕ ኢዩ።
ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ነቲ መደብ ዕዮ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ቦታውያን ሽማግለ ናተን ኲነታት ብዝፈቕዶ ኣገባብ ከስፍሕኦን ኣብ ግብሪ ከውዕልኦን ወሲኑ።
ቅርጻን ጊደን ቦታውያን ሽማግለታት፣
ኣኼባ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት፡ ብዝሒ ኣባላት ናይ ቦታዊ ሽማግለታት ከምቲ ዝጸንሐ ትጽቢት ቤት ጽሕፈት ከምዘይሰርሐ መዚኑ። ካብዚ ብምንቃል፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ውይ ዞባ ዘሎ ኲነታት ተጸኒዑ (ከከም ኲነታቱ) ብውሑዳት ኣባላት ዝቖመ ቦታዊ ሽማግለታት ከም ዝህሉ ክግበር ወሲኑ። ምስ ጨንፈራት ሰልፊ ብምውህሃድ ከኣ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ከም ዝሳተፍ ክግበር ኢዩ።
ከምኡ'ውን ንመደብ ሓባራዊ ዕዮ ንምዕዋት፡ ምስ መሓዙት ማሕበራትን ኣገደስቲ ባእታታትን ጥቡቕ ርክብን ሓባራዊ ንጥፈታትን ምክያድ ካብ ቀዳምነታት ቦታውያን ሽማግለታት ክኸውን ኢዩ።
ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት፡ ንመስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህብኦ ከም ዝግባእ ኣኼባ ተረዳዲኡ። ቀንዲ እተጸቕጠሉ ነጥቢ ከኣ፡ ህልዊ ፖለቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ኤርትራ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ጠርኒፉ መተካእታ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ ኣሻቓሊ ጒዳይ ምዃኑ ኢዩ። ካብዚ ብምንቃል፡ ክሳዕ ናይ 2019 3ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ሰልፍና ሓደስቲ ኣባላት ብብዝሒ ክጥርንፍ እተዓጻጸፈ ጻዕሪ ክገብር ከም ዘሎዎ ተመዚኑ። ከም ሓበረታ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝጸንሐ ቦታዊ "ቅልውላው" ድሮ ተሰጊሩ፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ናህሪ ዝወሰኸ ምሕዳስ ሰልፊ ከም ዘሎን፡ ኣብ ከባቢ ካናዳ ጥራይ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሓደስቲ መንእሰይ ኣባላት ኣብ ሰዲህኤ ይጽንበሩ ከም ዘሎዉን ተገሊጹ።
Eritreans Demonstrate at UN Geneva In Solidarity with Asmara Protesters
Monday, 13 November 2017 23:06 Written by EPDP Information OfficeOn Friday, 10 November 2017, over 500 Eritreans coming from many parts of Switzerland held a dynamic demonstration in front of the United Nations Office in Geneva in support of the 31 October 2017 protests in Asmara. Eritrean men and women of all ages and different political orientations were loudly shouting songs of solidarity with the spark of a New Momentum of fearless popular protest in Eritrea that started from the Akhriya locality of the Eritrean capital.
Like all the mass demonstrations being organized globally in support of the demonstration in Asmara that was interrupt by gun shots and massive arrests, the Geneva demonstration carried slogans calling for more unity among Eritrean freedom strugglers to shorten the days of suffering in Eritrea.
The Geneva demonstrators condemned the cheap divide- and rule tactics of the dictatorship in Eritrea and called on the international community to stand on the side of the pro-change struggle of Eritrean democratic forces.
A message prepared by the coordinating committee of the demonstration was submitted to the office of the president of the UN Human Rights Council in Geneva. It explained the objective of the event and emphasized the importance and urgency of establishing a democratic order in a constitutional state abiding by the rule of law.
Attending the demonstration were members of civic associations, political organizations and private individuals. Besides being members of the coordinating committee, members of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) from Freiburg, Bern and Geneva were taking part in the lively Geneva event.
ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 12.11.2017 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ሰዓት ብኣቦ መንበር ጨንፈር ብናይ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ምስ ተኸፈተ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ተኣትዩ።
ዝነበረ ዛዕባ ድማ፡-
- እዋናዊ ሰልፋውን ዞናውን ዓለማውን ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤
- ገምጋምና ናይቲ ብዕለት 11.11.2017 ዝተገብረ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፤
- እምነት ሰዲህኤ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ንዝህሉ ዝምድና ዝብሉ ኔሮም።
ኣኼበኛ ነዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ሓደ ብሓደ ተዘራሪቡሎም። እቲ ዝበዝሐ ግዜ ዝወሰደ ምርድዳእ ድማ ኣብቲ 2ይ ነጥቢ እዩ። ኣባላት ጨንፈርና ኣብዚ ዝነበረ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ‘ዚ ብምስታፍ ዓቢ ተራ ስለ ዝተጻወቱ ሽማግለ ማሕበር ኣሞጒሱ። ብቐዳምነት እዚ ሰላማዊ ሰልፊ‘ዚ፡ ኣካል ናይ‘ቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ኣብ ምሉእ ዓለም ብደለይቲ ፍትሒ ምእንቲ መሰል ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ሰልፍታት ምዃኑ ኣኼበኛ ተረዳዲኡሉ። እዚ ኩሉ ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ሰልፍታት‘ዚ ድማ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ምዃኑን፤ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታት ፍልይ ዘብሎ ድማ፡ ብመንእሰያትን ህዝብን ኣስመራ፡ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ከተማና ዝተጀመረን ብእኡ ጌሩ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝለሓመን ብምንባሩ እዩ። ኣካያዲ ቤት ትምህርቲ እስላሚያ ኣኽርያ ኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑር ድማ፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ናይ ኣብ ሃይማኖት ኢድ ምእታው፡ መሰል ህዝቢ ምግፋፍ ስለ ዝኾነ፡ ዝመጸ ሽግር ይምጻእ ክንቃወሞ ኢና ብምባል ዝሃብዎ መግለጺ፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርሂ ስዒሩ ተባዕ ተቓውሞ ከም ዘርኢ ጌሩዎ‘ዩ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝነበሩ ጭርሖታት ድማ፡ መሰል ህዝቢ ይተሓሎ፡ ኩሎም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ይፈትሑ ዝብሉን፡ ስእልታት ናይቶም ንልዕሊ 11 ዓመት ብስርዓት ህግደፍ ተኣሲሮም ዘለዉ ብጹእ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስን፡ ኣብቲ ብዕለት 31.10.2017 ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስመራ ዝተኣስሩ ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑርን ኔሮም። ኣኼበኛ ድማ ነዚ ሰላማዊ ሰልፍ‘ዚ ብምድጋፍን ምምጓስን፡ ኣብ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሓደ ካብቲ ካብ ውሽጢ ዝብገስ ተባዕ ተቓውሞን ምዃኑ ድሕሪ ምግምጋምን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ክሳብ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝወድቕ ክቕጽሎን ጸዊዑ።
ብተወሳኺ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ንትሕዝቶን መልክዕን ናይቲ ዝተራእየ ተቓውሞ ምእንቲ መሰል ህዝቢ፡ ናይ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ጌሩ ብምግላጽ ከጸልሞን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣፋላላይን ግርጭትን ክፈጥር ዝገብሮ ዘሎ ፍሹል ፈተነ ዝኹንንን፥ ሓድነት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ ሰላማዊ ሰልፊ ምንባሩን‘ውን ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣኼበኛ ነቲ ሰልፊ ሰደህኤ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ዘሎ ዝምድና ኣብ ቁዋሙ ኣስፊሩዎ ዘሎ ኣርእስቲ ብምግላጽ፡ ንመሰል ሃይማኖታት ዘኽብር ምዃኑ ተረዲኡ። መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም‘ውን ከም ኣባል መንእሰያት ሰዲህኤ መጠን ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ጸረ እቲ ዝውጽዖምን ዝገፍዖምን ዘሎ ስርዓት ክምክቱ ሎሚ እዋኑ ምዃኑን፡ ንሕና‘ውን ኣብ ጎኖም ከም ዘሎናን ዝገልጽ ናይ መጸዋዕታ ጽሑፍ ኣንቢቡ። ኣኼባ ብዝክረ ስዉኣት ተዛዚሙ
ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ12 ሕዳር 2017 ኣኼባ ኣካይዳ። ኣብዚ ኣኼበኣ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዝተሰወአ ናይታ ጨንፈር ኣቦመንበርን ወኪል ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ኣብ ኢትዮጵያን ዝነበረ ስዉእ ኪሮስ ወልደኣብ ፍሰሃየ ዘኪራ፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ እዋናዊ ኤርትራውን ሰልፋውን ዛዕባታት ብሰፊሑ ተመያይጣ። ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ኣኼበኣ ካብ ዝተመያየጠትሎም፡ ተሳትፎ ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈረንስ ፍራንክፈርት፡ ተመሃሮን ወለደን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ፡ ኣንጻር ዓማጺ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ንዘርኣይዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምድጋፍ በብኹርንዑ ዝረአ ዘሎ ናይ ደገፍ ሰልፍታትን ኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕን ዝብሉ ጉዳያት ይርከብዎም።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብቲ ብመድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝተዓደመ ኣብ 20-22 ጥቅምቲ 2017 ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ምስታፉ ንኢዶም፡ ንመጻኢ እውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ተሳቲፍካ ርኢቶኻ ኣብ ኣገዳስነትን ከመይነትን ሓቢርካ ምስራሕ ብመንጽር እማመ ሰልፍና ሓቢርካ ንምስራሕን ካልኦት ሃገራዊ ዛዕባታትን ምንጽብራቕ ቀጻሊ ክኸውን ከም ዝግበኦ መዚኖም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ መጻኢ ዝግበር ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ስምምዓት ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዝተማህረን ንድሕሪት ዘይምለስን ክኸውን ከም ዝግባእ ኣዕዚዞም ኣገንዚቦም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣኽርያ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ክርስትናን እስልምናን ዘይፈሊ ኣልማማ ግህሰታቱ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ተረኽቦ ከም ናይ ከፋፊልካ ምግዛእ መሳርሒ ንከይጥቀመሉ ኩልና ኤርትራውያን ብጥንቃቐ ክንሕዞን ናብ ሰፊሕ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ማዕበል ከነዕብዮ ከም ዝግበኣናን ኣንጸባሪቖም።
ኣብ መወዳእታ ነቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ስዉእ ኣባል ጨንፈሮምን ኩሎም በሃግቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ኤርትራውያን ሰማእታት ዝገደፍሎም ሕድሪ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕን መትከላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ኣብ ሕጋውን ስርዒታውን መስመር ብምጽናዕ ክቃለሱ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።
ብዕለት 11 ሕዳር 2017 ብብዝሕን ብዙሕነትን ተሳተፍቱ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ መዳርግቲ ዘይረኸበ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ተኻይዱ። ሊዕሊ ሰለስተ ርብዒ ተሳተፍቲ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፍዚ መንእሰያት ኮይኖም፣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጽሪ ደቂ ኣንስትይዮን፣ ሰብ ዕድመ ኣደታትን ኣቦታትን እውን ብብዝሒ ተረኺቦም ነይሮም። ተሳተፍቲ ካብ ኦስሎን ከባብን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ርሑቕ ከተማታት በርገን፣ ስታቫንገር፣ ሽየን፣ ሶገንዳል፣ ድራመንን ካልኦትን ብብዝሒ ተወዲቦም ሊዕሊ ሸውዓተ ሰዓታት ብምጉዒዝ ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ምንጭታት ሓበረታ ሓርነት ኦርግ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ሰልፍኛታት ልክዕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቕትሪ ካብ ዝተመደበሎም ነቆጣ ብፈረሰኛታት ፖሊስ ተዓጂቦም ብምብጋስ፣ ድሕሪ ናይ ፍርቒ ሰዓት ጉዕዞ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ በጺሖም። ኣብ ጉዕዞ ሰልፊ ኮነ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ሰልፈኛታት ብቋንቋታት ኖርወይ፣ ኢንግሊዝ፣ ዓርብን ትግርኛን ብልዑል ድምጺ ብምጭራሕ፣ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ኩሉ እከይ ተግባራቱን ዝኹንን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ንምኽባር ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሊዕሊ ስርዓት ኣስመራ ዘድሊ ስጉምቲ ንኽወስድ ዘዘኻኽር ጭርሖታት ኣስሚዖም።
ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ኖርወይ እውን ቃል ኣዳላዊ ሽማገለ ሰላማዊ ሰልፊ ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ዕረበኛን ኖርወይን ምስተሰምዐ፣ ቀጺሉ ብቋንቋታት ትግረ፣ ትግርኛን ዓረበኛን ብርክት ዝበሉ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎም ግጥምታት ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተነቢቦም።
ብምቅጻል ሰልፈኛታት ኣብ ዝተዳለወሎም ኣድራሽ ኣትዮም፣ ዝተቐረበሎም እኽለ ማይ እንዳተመገቡ ድማ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት፣ ርእይቶታትን ለበዋታትን ተመጋጊቦም፣ ዝተፈላለየ ግጥምታት ብቋንቋታት ሳሆን፣ ዓፋርን፣ እውን ተነቢቦም፣ ሓያለይ መደረታትውን ተሰሚዕም።
ናይቲ ኹሉ ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ለበዋታትን ትሕዝቶ ድማ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባውን ሓባራውን ምንቅስቃስ ቃጻልነት ክረክብን፣ ኣድማዒ ኮይኑ ኣብ ዓወት ከብጽሓናን ኩሎም ሰብ ዕድመ ኣቦታትን ኣደታትን ኣብነት ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ተኸቲሎም ንሓቅን ፍትሕን ክሕለቁን ክማጎቱን፣ ኩሎም መንእሰያት ድማ ወረስቲ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኮይኖም ንስለ ሓቒ ደው ዝበሉ ክኾኑ ዝጽውዕን ዘዘኻክርን ነበረ። ኣብ መወዳእታውን ኣብ ዘዘሎናዮ ከባቢ ሓያል ውዳቤታት መስሪትና ብምንቅስቃ፣ ኣብ ዘሎናዮ ሃሊና ንመሰልና ሓደ ድምጺ ኮና ክንማጎት፣ ሓደ ኢድ ኮና ድማ ክንቅለስ ለበዋን ምሕጽንታን ቀሪቡ።
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ንባዕሉ፣ ብውህደትን ማዕረ ተሳታፍነትን ናይ ሊዕሊ ዓሰርተ ዝኾና ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራትን ግዱሳትን ውልቀሰባትን ተዳልዩ፣ ዕዉትን ኣድማዕን ስራሕ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፣ ሓደ ኣብነት ናይ ሓድነት ኣብ ብዙሕነትን፣ መርኣያ ውጺእት ሓቢርካ ምስራሕን ከምዝነበረ ምንጭታት ሓርነት ኦርግ ካብቲ ቦታ ጠቂሶም።
ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ!
ክብርን ሞገሰን ንስዉኣትና!
ኣባላት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ኤውሮጳን ዝተሳተፈኦ ኣኼባ ብ4 ሕዳር 2017 ኣካይደን። ኣብዚ ኣኼባአን ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዳህሲሰን ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣልእስላምያ ብህግደፍ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝተላዕለ ነቲ ተግባር ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ኣብ ጐድኒ እቶም ግዳያት ደው ከም ዝብላ ኣረጋጊጸን። ከምኡ እውን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ክለዓልን ንሃገራዊ ረብሓ ልዕሊ ኩሉ ክሰርዕን ኣዘኻኺረን፡ ካብኣተን ዝድለ ኩሉ ከበርክታ ድልዋት ምህላወን እውን ኣረጋጊጸን።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ናይቲ ቤት ጽሕፈትን ምምሕያሽ ምምሕዳሩን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ተመያይጠን። ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክስራሕ ዝግበኦ መደብ ዕዮን ኣተገባብራኡን ብዝምልከት ተመያይጠን መደባት ሰሪዐን። ኣብ ምክፍፋል መደብ ስራሕ ከኣ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ፡ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ያቆብን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ይስሃቅን ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን። ኣብዚ ኣኼባ ንምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ብኣደ ወንበር ናይቲ ምትእስሳር ወ/ሮ ገርግሽ ነጋሽን ምክትላ ወ/ሮ ገነት ሃብተገርግስን ናይ ዝሓለፈ ስረሓት ገምጋም ቀሪቡ።
ኣብዚ ኣኼባ ንተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሱዳን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ወድ-ሸሪፈይ ዝምልከት ፕሮጀክት ኣውጺአን ብዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መጽናዕቲ ከካይዳ ተሰማሚዐን። ኣብ ርእሲ እዚ ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ ምስ ኩለን ኣብ ውድባትን ማሕበራትን ዘለዋን ብውልቀን ዝንቀሳቐሳን ደቂ ኣንስትዮን ሓቢርካ ንምስራሕን ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ ንክሕይልን ብዙሓት ከም ዝሳተፈኦ ንምኽኣልን ጻዕረን ከም ዘሐይላ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣረጋጊጸን።
تصريح صحفي بخصوص اندلاع الانتفاضة الشعبية بأسمرا
Wednesday, 08 November 2017 22:42 Written by منقستئاب أسمروم
كعادته في وضع كل شيء تحت قبضته المباشرة سعى نظام أسمرا الدكتاتوري الي وضع يده علي مدرسة الضياء الإسلامية الخاصة والمعروفة تقليدياً بمدرسة الأستاذ/ بشير محمد نور. لكنه وجد مقاومةً صامدة من معلمي وطلبة المدرسة وأولياء الأمور. هذا وقد فرضت سلطات النظام علي المدرسة تعليمات وتوجيهات جديدة لم تعهدها من قبل، إنها فرضت عليها تغييراً شاملاً في النواحي التربوية والسلوكية يتعارض تماماً مع ما كانت عليه، حيث منع تدريس مادة الدين وأمر الإناث بترك التحجب أو تغطية الرأس وإباحة الاختلاط بين الجنسين، وتخويفاً للشعب قام النظام باعتقال مدير المدرسة وعدد من المعلمين.
في الحادي والثلاثين من اكتوبر 2017م نظم سكان حي أكريا حيث توجد المدرسة وعدد كبير من بقية أحياء العاصمة مسيرة احتجاج سلمية قابلها عساكر بالضرب بالذخيرة في الهواء لتفريق التظاهرة وتخويف منظميها.
من جهةٍ أخرى تقول الأنباء الواردة من هناك أن عدوى المقاومة الشعبية قد امتدت الي كلٍّ من كرن، أغردات وأفعبت.
ظل النظام باستمرار يتدخل في الشؤون الداخلية للطوائف الدينية ويستولي علي أوقاف وأموال المساجد والكنائس. وكم من رجل دين منتخب من طائفته أبدله بآخر وكم من أديرة وأوقاف صودرت وسجن القائمون عليها. كما أجبر رجال الدين علي العسكرة وأداء ما يسميه بالخدمة الوطنية.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري يدين بشدة هذا الاعتداء الغاشم من عساكر النظام علي الشعب البريء الأعزل الذي استخدم الوسائل السلمية في التعبير عن رفضه لما وقع به من انتهاك لحقوقه الانسانية والديمقراطية. كما يطالب في ذات الوقت بالإفراج الفوري عن المعتقلين من معلمين وطلبة وأولياء أمور. كذلك يناشد الجيش والشعب بالداخل والخارج علي الوقوف بجانب المنتفضين علي القمع والقهر.
أيضاً يطلب الحزب من الاتحاد الافريقي وسائر المنابر والمنظمات الدولية أن تدين القمع والكبت الذي يمارسه النظام بحق المدارس التابعة للقطاع الخاص.
النصر للنضال السلمي للشعب
منقستئاب أسمروم
رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري
31 اكتوبر 2016م