ሓድሽ ንኡስ ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ባደን ባደን ጀርመን ቆይሙ

2018-08-20 07:47:15 Written by  ሽማግለ ጨንፈር ደብብ Published in EPDP News Read 2684 times

ብዕለት 18.08.2018 ኣቦ መንበር ንዑስ ዞባ ጀርመን ሓው ተስፋማርያም ክብራኣብን ክልተ ካብ መሪሕነት ጨንፈር ደቡብ ሓው ተክልዝጊ ሚኪኤልን ወልደኣብ ዘርኣይን ዝመርሕዎ ኣኼባ ኣብ ከተማ ባደን ባደን ጀርመን ተኻይዱ። እቶም ኣብ ኣኼባ ዝተረኽቡ ዜጋታት ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ኣባላት ጨንፈር ደቡብ ዝጸንሖም ሌላን ናይ ቃልሲ ዝምድናታት፡ ኣብቲ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝተሰላሰለ ፈስቲቫል 2018 ብምስታፎም ዘረጋገጽዎ ዕግበትን ናብ ክብ ዝበለ ፍጹም ኣባልነት ኣብ ሰዲህኤ ከሳጋግር ምኽኣሉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ኣኼባ ህልዊ ኲነታት ሃገርን መላኺ ስርዓት ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ሓደገኛ ዝኮነ ኢደ-ወነናዊ ተቋማሪ ተርእዮን፡ ሃለዋት ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ኣብ ፖሎቲካዊ መደባትን ዕላማታትን ሰዲህኤ ዘትኮረ ዛዕባታት ሰፊሕ መብርሂታት ቀሪቡ። እቲ ኣኼባ ካብ ሰዓት 10፡30 ክሳብ 13፡00 ዝተኻየደ ልዙብን ጽቡቕ ምርድዳእ ዝሰፈኖን ኣብርእሲ ምንባሩ፣ ሓድሽ ባይታ ናይ ቃልሲ ኣብቲ ቦታ ዝፈጠረ እዩ ነይሩ። ኣብ መጨረሻ ኣኼበኛታት ብሰለስተ ኣባላት ዝቆመት ንንዑስ ጨንፈር ባደን ባደን እትመርሕ ሽማግለ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ከቁሙ እንከለዉ፡ ንግዝይኡ ስርዒታዊ ዝምድና ሽማግለ ብቐጥታ ምስ ጨንፈር ደቡብ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

Last modified on Monday, 20 August 2018 09:53