ፍሉጣት ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ስዊስ ኣብ ሰልፊ ኤርትራውያን ጀነቫ ቃሎም ኣስሚዖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኤርትራውያን ብ4 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ጀነቫ፡ ነቶም ኣብ ሊቢያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተዓጊቶም ዘለዉ ኤርትራውያንን ካለኦት ዜጋታትን ስደተኛታት ዝምልከት ስጉምቲ ንክውሰድ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብዚ ሰልፊ ክልተ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ስዊዘርላንድ ተሳቲፎም ነቲ ኤውሮጳ ማዕጾኣ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ኩነታት ዘለዉ ስደተኛታት ከይትዓጽዎን ምስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሊብያውያን ገበነኛታትን ከምኡ እውን ምስ ሊብያውያን ሓለፍቲ ዘለዋ ዝምድና ከተቋርጽን ዝጽውዕ ናይ ኤርትራውያን ሰልፊ ዘይተገደብ ደገፎም ገሊጾም።

ኣቶ ካርሎ ዞማሩጋ ፕረሲደንት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኮሚሽን ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገራዊ ፓርላማ ስዊስ በርን ወይዘሮ ዮሰሊን ሃለር ኣብ ዝተሓደሰ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነጥፋን ኣባል ፓርላማን ንጸጋማዊ ምሕዝነት ጀነቫ ዝውክላን ነቲ መልእኽቲ ፍትሒ ናይ ዝደልዩ ኤርትራውያን ናብ ላዕለዎት ወሰንቲ ኣካላት ስዊዘርላንድ ከም ዘብጽሕዎ ቃል ኣትዮም።

እዞም ኤርትራውያን ሓያል ቃላት ዘለዎ 4 ገጻት ዝሓዘለ ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ እንተላይ ኣብቲ ውሕስነት ዘየብሉ መደበራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደላት ብምጥቃስ ንኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ወይዘሮ ሚቸለ ባቸለት ኣረኪቦም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እተን ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጀነቫ ኣኼባኡ ዘካይድ ዘሎ፡ ባይቶ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይቶም ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ስጉምቲ ንክወስድ ክሓታሎም ጸዊዖም። እቲ መልእኽቲ ግዳያት ሊቢያ ምስ ሬሳታት ይነብሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ማሕበራዊ ሚድያታት ነቲ ዘሰቅቕ፡ ስቓይን ዓመጽን ዘርኢ ጭካነ ይዝርግሐኦ ከም ዘለዋ ጠቒሱ።
እዞም ኤርትራውያን ሰልፈኛታት፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ስደተኛ ናይ ምጥያስ እስትራተጅአን ዳግመ-ርኢቶ ክገብራሉን ክቕይረኦን፡ ዝያዳ ብህጹጽ ድማ ነቲ ድሕሪቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ተረኽቦ ላምፓዱሳ ጀሚረነኦ ዝነበራ ናይ ዳህሳስን ምድሓንን ስርሒት ክቕጽልኦ ጸዊዖም።
ተሳተፍቲ ናይዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኮይኖም ልዕሊ 300 ካብ ኣውራጃታት ጀርመን፡ ኢጣልያን ስዊዘርላንድን ዝመጹ ሰባት ነይሮም። ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ፈቨን ገደዎን ሓንቲ ካብቶም ነቲ ሰልፊ ብትግሃት ዝመርሕዎ ነይራ።
Prominent Swiss Legislators Address Eritrean Demonstration at UN Geneva
Written by EPDP Information OfficeA demonstration organized in Geneva on Friday, 4 October, in support of Eritrean and other refugees and migrants stranded in dangerous Libya was addressed by two leading Swiss politicians who expressed “unreserved support” to the calls of the demonstrators on Europe to stop shutting its gates to people in distress and also cease complicity with traffickers, Libyan criminal gangs, including the authorities.

Both Mr. Carlo Sommaruga, President of the Foreign Relations Commission for social democrats in the Swiss National Assembly in Bern, and Ms Jocelyn Haller, renowned social justice activist and member of Parliament representing the Left Alliance of Geneva, pledged to convey the message of Eritrean justice seekers to higher decision-making bodies in Switzerland.

The demonstrators handed over strongly-worded 4-page letter to the UN Human Rights Commissioner, Ms Michele Bachelet, telling her the humanly intolerable conditions under which the refugees in Libya, including those in the insecure UNHCR camps, are living and urged the Commissioner to ask the UN Human Rights Council, currently in session in Geneva, to recommend an action at international level. The letter further revealed that the stranded refugees in Libya are living with “corpses” and that social media messages from the camps show profoundly distressing images of brutality including extreme forms of torture and rape.
They demonstrators asked European countries to review and change their resettlement strategies and, most urgently, to reactive the Search and Rescue Operations that were started soon after the Lampedusa tragedy of 3 October 2013 that claimed over 360 Eritrean lives.
Taking part in the quickly organized demonstration were over 300 persons, mostly young, who came from several regions of Germany, Italy and Swiss cantons. EPDP Central Council member Feven Gideon was among the most active leaders of the event.
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ፈላምን ምትሕንፋጻውን ጕባኤኡ ኣካይዱ
Written by Menghisብ2 ጥቅምቲ 2019 ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ፈላምን ምትሕንፋጻውን ጕባኤኡ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ጸጋይ ተስፋይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሰልፊን ኵነታት ኤርትራውያንን ኣብ እስራኤል ኣመልኪቱ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ።
ብድሕር’ዚ፡ ሓው መብራህቱ ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ሓባራውን ጕባኤ ኣንቢቡ። ቀጺሊ ሓው ገብረሂወት መለስ ብክፍሊ ዜና ዝተዳለወ፡ ንራእን ግስጋሰን ሰልፍና ቅርጽታቱን ዝምልከት ሓተታ እናበበ መብርሂታት ሂቡሉ።
ኣብ መወዳእታ ሓው ጸጋይ ተስፋይ ብቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጕዳያት ዝተመሓላለፈ መምርሒ መብርሂታት ብምሃብ፡ ብቅዋም ሰልፊ መሰረት 3 ቀወምትን 2 ተጣባበቕትን ዘለዉዋ መሪሕነት ጨንፈር ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ንሳቶም ከኣ፡-
- ሓው ኣድሓኖም ንጉሰ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር፤
- ሓው መድሃኔ ጠዓመ፡ ዋና ጽሓፊ
- ሓው ደስበለ ብርሃነ፡ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስ
- ሓው ፍስሃጽዮን ኣብርሃም፡ ተጠባባቒ
- ሓው ኣብርሃ ግርማይ፡ ተጠባባቒ
ብዕለት 29.09.2019 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ካብ ሰዓት 14፡00 ጀሚሩ ዘካየዶ ወርሓዊ ኣኼባኡ፡ ብናይ ሰላምታን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ብኣቦመንበር ጨንፈር ምስ ተኸፍተ ኣብቲ ዛዕባታት ተኣትዩ።
ንህልዊ ኩነታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ስደት ዘለዉ ብሓፈሻ ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ድማ ብፍላይ ዝምልከት ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ኣኼባ ድሕሪ ዓመታዊ ፈስቲቫል ይኹን ሰልፋዊ ጉባአ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ ብምዃኑ ብዛዕባዚ ክልተ ዓበይቲ ተረክቦታት እዝን ተሳትፎን ግደን ኣባላትን ንምግምጋም ክልተ ኣጀንዳታት ሰሪዑ ቀሪቡ።
1 - ገምጋም ናይ 2019 ፈስቲቫል ምግባርን፤
2 - ገምጋም ናይ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ዝብሉ ዛዕባታት ኔሮም።
ፈስቲቫል ናይ 2019፡ ምስቲ ህዝብና ተራእዩ ብዘይፈልጥ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዘርዓደ ናይ ይኣክል ሕኑንን ርሱንን ምንቅስቓስን፤ ናይ 3ይን ሓድነታውን ጉባአናን ተሳንዩ ብምኻዱ ዝያዳ ዉዕዉዕ ከም ዝገበሮ ኣኼበኛ መዚኑ። ብተወሳኺ፡ ኣገደስቲ ሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን (መድያ) ኣካላት ብምስታፎም፡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ንውሽጢ ሃገርና ከም ዝቃላሕ ክግበር ምኽኣሉ ኣኼበኛ ንናይ መዲያ ትካላት ኣሞጒሱ። ነቲ ሓው ኣማኑኤል እያሱ (ኣሰና) ዘካየዶ መሃሪ ዝኾነ ዓውደ-ክትዕን፡ ሕቶን መልስን፡ ምስ መራሕቲ ሰልፍና ዘካየዶ ቃለመሓትትን ኣኼባና ናእዳኡ ገሊጹ።

ልዕሊ 10 ዝኾኑ ወከልቲ ውድባትን ማሕበራትን ሃገራውያን ምሁራትን፡ ወጻእተኛታት ጀርምርናውያን ወከልቲ ናይ ሓምላይ ፓርትን ናይ ኤፍ-ደ-ፐን፡ ናይ ሽወደን መሓዙት ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ዝሃቡዎ ምሕዝነታዊን መሃርን መግለጽታት‘ውን ንፈስቲቫልና ብዝሰፍሐ ኣገባብ ኣሳታፊ ከም ዝገበሮ ኣኼበኛ መዚኑ።
ንኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልን ንተወፋይነት ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ጉልበታውን ገንዘባውን ኣበርክቶታት‘ውን ኣኼበኛ ንኢዱ። ኣብ ዝኾነ ናይ ደለቲ ፍትሒ ንጥፈታት እናተሳተፍና ኣበርክቶናን ጥርናፈናን ከነርኢ ኢና ብምባል ድማ ኣኼበኛ ተመባጺዑ። ንዝነበሩና ንኣሽቱ ሕጽረታት ለቒሙ ብምጥቃስ ድማ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክንእርሞም ከም ዘሎና ኣኼበኛ ተላብዩ።
ብድሕሪኡ ድማ ብጉዳይ ሰልፋዊ ጉባአ ሓፈሻዊ መግለጺ ተዋሂቡ። እቶም ጨንፈር ዘወከሎም ኣባላት ድማ ብስፍሕ ዝበለ ንጨንፈሮም መግለጺ ከቕርቡን ጨንፈር ድማ ገምጋሙ ከቐምጥን ስለ ዝግባእ፡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ወሲድካ‘ውን ምእንቲ ክትረዳዳእ፡ ነዚ ናይ‘ዚ ኣኼባና ሕጽረት ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ኣኼባና ከም ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ ክዝረበሉ ኣኼበኛ ተሰማሚዑ።
እኼባ ድማ ኣብ ሰዓቱ ብሓባራዊ ምርድዳእ ተዛዚሙ።
ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣልሸክ ፈኪ እስማዒል፡ ብምኽንያት ሕክምና ኣብ ካይሮ እንከሎ፡ ብ26 መስከረም 2019 ብሞት ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩና። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንስዉእ ታጋዳላይ ኣሕመድ ኣሸኽ መንግስተ-ሰማይ፡ ንስድራቤቱ፡ ኣዝማዱን መቃልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ክህቦምን ጠሉ ከውርዶሎምን እናተመነኹ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክገልጽ እፈቱ።
ስውእ ተጋዳላይ ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣልሸክ ፈኪ እስማዒል፡ ኣባል ጠቕላሊት ሰክረታርያን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ጠቕላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ነይሩ። ስውእ ኣሕመድ ኣልሸኽ ኣብ ኣህጕራዊ ዲፕሎማሲያዊ መደረኻትን ዋዕላታትን ብምስታፍ ንሰውራና ልዑል ተፈላጥነትን ደገፍን ዘመዝገበ ገዲምን ሓያልን ካድር ኢዩ ነይሩ። ጠቕላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ምስ ኣህጕራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ንቓባዊ ማሕበር ሃገራት ኣዕራብን ኣፍሪቃን ድልዱል ርክብ ክህልዎ ዝገበረ ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ።
ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
27 መስከረም 2019
ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሕጊ ስደተኛ ዝጥሕሱ ደገፍቲ መንግስቲ ኣስመራ ስጉምቲ ክትወስድ ተማሕጺኑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ናብ ፕረሲደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኣቶ ጂን-ክላውድ ጁንከር መዘከር ልኢኹ፡ ቅዳሕ ናይቲ መዘክር ከኣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ሰዲዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብዚ መልእኽቱ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ንስደተኛነት ከም መኸወሊ ተጠቒሞም ብቐጻሊ፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ሕጊ ዝጠሕሱ ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ጀሚራቶ ዘላ ጥንቁቕ ስጉምቲ ኣብ ግምት ከእትውዎ ተማሕጺኑ።
እቲ መዘክር ንሕብረት ኤውሮጳን ነተን ኣብ ሃገራተን ንዘለዉ ኣስታት 400 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ልግስን ፖለቲካዊ ዕቑባን ዝህባ ዘለዋ ሃገራትን ብዝለዓለ ደረጃ ኣመስጊኑ። ብምትሕሓዝ ከኣ ነቶም ውሑዳት ሕጊ ስደተኛ ጥሒሶም፡ ተመሊሶም ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ኮይኖም ናይተን ዝነብርወን ሃገራት ሕጊ ብዘይምኽባር ናይቲ ስርዓት ግዱድን ዘየናሕስን መደብ ክፍሊት 2% ዘተግብሩን ዝተሓባበሩን ኮኒኑ።
ብምቕጻል እቲ መዘክር፡ ዝበዘሐ ኤርትራዊ፡ ብመንግስቲ ኖርወይን ካለኦት መንግስታት ኤውሮጳን ኣብ ልዕሊ እቶም ምስ መንግስቲ ኣስመራ ብምትሕብባር ነቲ ዝረኽብዎ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘባኽኑ ውሑዳት ዝውሰድ ቅኑዕን ጥንቅቑን ስጉምቲ ከምዘይቃወም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዞም ሕጂ ተመሊሶም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ ዘለዉ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብዎ ምኽንያት “መወዳእታ ዘየብሉ” ግዱድ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንባሩ ጠቒሱ።
ኣብቲ መዘክር ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓርፋፍ ግምት ሰዲህኤ፡ ኣብ ኢጣልያ፡ 120,000፡ ኣብ ጀርመን 80,000፡ ኣብ ስወደን 50, 000፡ ኣብ ዓባይ ብሪታንያን ስዊዘርላንድን ነፍሲ ወከፈን 40,000፡ ኣብ ሆላንድ 25,000፡ ኣብ ፊንላንድን ደንማርክን ነፍሲ ወከፈን 4,000፡ ኣብ በልጅምን ፈረንሳን ነፍሲ ወከፈን 3,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ። ሰዲህኤን ካለኦት ኣሓት ውድባትን በዚ እዘን ሃገራት ንኤርትራውያን ዝሃብኦ ልግስን ፖለቲካዊ ዕቑባን ሕጉሳት ምዃኖም ዝጠቐሰ መዘክር ሰዲህኤ፡ ብኣንጻሩ ከምቲ መንግስቲ ኖርወይ ዝጠቐሶ፡ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ንስደተኛታት ዝምልከት ሕግታት ብምጥሓስ ኣብ ናይቲ ጨቋንን ካብኡ ሃዲሞም ዑቕባ ዝሓተቱን መንግስቲ ኣኼባታትን ፈስቲቫላትን እናተሳተፉን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምስ ዝኽሰሱ ከም በዓል የማነ ገብረኣብ ዝኣመሰሉ ብምትሕብባርን ናይ ስደተኛ መሰሎም የባኽኑ ከም ዘለዉ ከም ዘስተውዕል እቲ መዘክር ብዝርዝር ኣስፊሩ።
እዚ ስእላዊ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ድሕርቲ ንመበል 25 ዓመት ምጅማር መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋን ብዝምልከት ኣብ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ ዝተኻየደ ጽንብል ላዕለዎት ሰብ መዚ ኖርወይ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ስደተኛታት ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምቲ ብጽሞና ክዘራረቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኖርወይን ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳን ነቲ “መንግስቲ ኤርትራ ብግዱድ ዕስክርና መሰልና ግሂሱ” ዝብል ምኽንያት ተቐቢለን እየን ንኤርትራውያን መሰል ዑቕባ ክህባ ጸኒሐን። ስለዚ እቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ኮይኖም ኣብ ዝኽሪ ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካለኦት ኣጋጣምታትን ብምስታፍ መሰሎም ኣብ ሓደጋ ዝውድቑ ስደተኛታት ተሓተቲ ባዕላቶም እዮም።

EPDP Chair Urges Europe to Take Action Against Asmara Regime Agents Abusing Refugee Laws
Written by EPDP Information Officeስርዓት ኤርትራ ብቤተ-ክርስትያናት ዝመሓደራ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምውራስ መዲቡ ምህላዉ ተፈሊጡ።
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ንኹለን ኣብ ትሕቲ ቤት-ክርስትያናት፡ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ክመሓደራ ዝጸንሓ ናይ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምውራስ መደብ ከምዘለዎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ከም ግምት ናይቶም ምንጭታት እቲ ምውራስ ካብ 3 መስከረም 2019 ክጅመር እዩ።
ቁጽሪ ናይዘን ንራስያ ተቓሊዐን ዘለዋ ብቤተ-ክርስትያናት ኤርትራ ዝመሓደራ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ብንጹ’ኳ ዘይፍለጥ እንተኾነ፡ ሓደ ተመሳሳሊ ምንጪ ግና፡ 3 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ማእከልን ደቡብን ዝርከባ ናይ ካቶሊካዊት ቤት-ክርስትያን ወሲኽካ፡ ሸውዓተ ከም ዝበጽሓ ሓቢሩ። እቲ ምንጪ ብእስላማዊ ትካል ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ምርሳይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝበሎ የለን።
ካልእ ተመሳሳሊ ምንጪ ከም ዝገለጾ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ብ2020፡ ናይ መውዓሊ ህጻናት፡ ቀዳማይ ደረጃን ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝካየድ ግምቱ ገሊጹ።
Eritrean Regime Plans to Confiscate All High Schools Run by Churches
Written by EPDP Information OfficeHighly reliable sources in Asmara inform that the repressive regime in Eritrea has laid plans to confiscate all high schools run by Eritrean Orthodox Tewahdo, Catholic and Protestant churches all over Eritrea..
The sources expect this aggressive action to be taken on 3 September 2019 or thereafter.
The exact number of high schools run by churches was not specified but one source counted at least seven, three of them run by the Catholic Church in the Anseba, Central, and Southern zones. The sources could not say if any high school run by Islamic institution is included in this planned confiscation
The same sources also expect a similar uncalled action of confiscating kindergartens, elementary and junior high schools during the year 2020.
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ1 መስከረም 2019 ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣገደስቲ መጻኢ ዕማማት ሰዲህኤ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ዕማማት ቤት ጽሕፈቱ ንኣባላት ሰልፊ፡ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊኡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ” እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” መልእክቲ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠቒሱ “እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ኣብጸሓና” ኣሉ። ብጻይ ተስፋይ ብሓፈሻ ኣብ መጻኢ 4ተ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዕማማት ሰልፊ ቀዳምነታት ብዝምልከት መብሪሂ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ መስርሕ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ፡ ክሳብ መወዳእታ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብቅዋም ሰልፊ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ መስርሕ ምርኽካብ ሓለፍነት ኣብ መንጎቲ ክመርሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዝተመርጸን መሪሕነታት ዕዉት ምንባሩ ኣብሪሁ። ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛም ምሕዳራተን ዳርጋ ወዲአን ኣብ ተግባር ይኣትዋ ከም ዘለዋን ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ሓድሽ መሪሕነት ወግዓዊ ስሩሑ ከም ዝጀመረን ኣበሲሩ። ኣብዚ መብርሂኡ እቲ ዝተጠቕሰ ዓወታት ንክብጻሕ ግደ መሰረታት ኣዝዩ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ብምጥቃሲ እዚ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ብዝሓየለ ከም ዝቕጽል እምንተኡ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ እውን፡ ምምሕዳራቶም ከም ዝመስረቱ ብምጥቃስን እቲ መስርሕ ቀጻሉ ምዃኑ ብምሕባርን፡ ካብቲ ኣብ መጻኢ ሓደ ዓመት ክሰርሕዎ መዲበምዎ ዘለዉ ትልምታት ኣገዳሲ ዝብልዎም ዛዕባታት ተቒሶም መብርህታት ሂቦም። በቲ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዝሃብዎ መብርሂ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዓመታዊ ትልምታት ንድፊ ይዳሎ ከም ዘሎን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝጸድቕን ሓቢሮም።
ተሳተፍቲ ናይዚ ኣኼባ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ስረሓት በቲ ዝተገልጸሎም ኣገባብ ተሰላሲሉ ንኣባላት መብርሂ ምቕራቡ ግሉጽነት ናይ ኣሰራርሓ ከም ዘመልክት ገሊጾም። ብዘካዚ ዘይበርሁሎም ጉዳያት ሓቲቶም መብርሂ ተዋሂብዎም። ድሕሪ እዚ ከኣ መጻኢ መደባት ሰልፊ ንምዕዋት ኣበርክተኦም ዝያዳ ከም ዘበርኹ ቃል ኣትዮም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣብላት ሰልፊ ንኢዱ ኣብ መጻኢ እውን ኣባላት ሰልፊ ይኹኑ ደገፍቲ መደባት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ኣበርክተኦም ከኻዕብቱ ብምጽዋዕ ኣኼባ ተፈጺሙ።
More...
ኣባላት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕለቱ ዘኪሮም። ኣባላት ጨንፈር፡ ድሕሪ ነዛ ዕለት ዝምልከት ሓጺር መግለጺ፡ ባሕቲ መስከረም 2019 ኣብ ጽባሕ ዕዉት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ትዝከር ስለ ዘላ ፍሉይ ትርጉም ከም ዝህብዋ ገለጾም። ኣብ ኣኼባኦም ነቲ ቅድሚ 58 ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ በብምዕራፉ ዝገለጽ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰንሰለታዊ ቃልሲ ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም።
እቲ ኣኼባ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ብዛዕባ ዝርዝር መስርሕን ውጽኢትን ናይቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተጋበአ ጉባአ ሰዲህኤ ተመያይጦም። ኣብዚ ኣኼባ መስርሒ ናይቲ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ዝርዝራውን ደቂቕን ሓበሬታ ተዋሂቡ። ካብቶም ኣብቲ ሓባሪ መግለጺ ዝተላዕሉ ነጥብታት፡ ብዛዕባ ኣጸዳድቓ፡ ሰልፊ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሎም ሰነዳት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ መስርሕ ምርጫ መሪሕነትን ውኢቱን፡ ጉባአ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያይጡ ፖለቲካዊ ውሳነ ዘመሓላለፈሎም 12 ኣገደስቲ እዋናዊ ዛዕባታት ብዝምልከት ብዝርዝር ተመያይጦም።
ብምትሕሓዝ ድማ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መመሊሱ እንዳገደደ ዝኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ሕሰም፡ ድኽነትን ስግኣትን ከም እዋናዊ ጉዳይ ተመያይጦም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ሃገር ኮነ ካብ ሃገር ወጻኢ ዘርእይዎ ዘለዉ ምልዕዓላት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣድማዒ ንክኸውን ዝተርፎ ውዳበን ስጥመትን ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ሕጂ እውን መሪሕነት ሰዲህኤ ከይሰልከየ ብቐጻሊ ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን መጸዋዕታኡ ከቕጽሎ፡ ተላብዮም፡ ከም ጨንፈር በቲ ሓደ ወገን ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ኩሉ ማዳይ ንምዕባይ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ውጽኢት ጉባአ ናብ ኤርትራውያን ከም ዝበጽሕ ኣብ ምግባር ቃልሶም ከሕይሉ ቃል። ኣብ መወድእታ ከኣ ከም ቅድሚ ሕጂ ወርሓዊ ኣኼባኦም ቀጻሊ ክኸውን ተረዳዲኦም።
ሰዲህኤ፡ ብትብዓት ሰልፉ የሕድስ፡ መሪሕነት ቀይሩ ሃገራዊ ሓድነት ይዕቅብ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓደ ካብቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ክረአ ዝጸንሐ ዘሕዝን ባህሊ፡ መራሕቲ ባእታታት ኣብ ግዜኡ ብዘይጸገም ስልጣን ክትለቁ ፈቓደኛታት ዘይምዃን እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይዚ ሕማቕ ተግባር ኣብነት እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ እዚ ዲክታቶር፡ ካብቲ ብ1971 ውድብ ዝመስረተሉን ደሓር ካብ 1991 ብኢደ ወነኑ ናብ ስልጣን ዝደየበሉን ወሲኽካ፡ ን48 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ኣሎ።
ንሰዲህኤ ብዝምልከት ግና፡ ብፍሉይነት ዝረአ፡ ነዚ ምስ ምብሓት ስልጣን ዝተሓሓዝ ሕማቕ ባህሊ ኣብ ምቕያር ኣብነታዊ እዩዶ ኣይበሃልን? እስኪከ ነዚ ብዝምልከት ተስፋ ዝህብ ውሑድ ኣብነታት ንርአ፡
ዕድመ ሰዲህኤ 10 ዓምታት በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ ሓጺር ናይ 10 ዓመታት ግዜ፡ እዚ ሰልፊ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመርጸ ሓድሽ ወሲኽካ፡ 4 ኣቦመንበራት ቀይሩ። ኣስማቶም ምስቲ ኣሳእሎም ተጠቒሱ ኣሎ።

ብመትከል፡ ቅዋም ሰዲህኤ ማእከላይ ባይቶ ኣብቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቦመንበር ክመርጽ እዩ ዘፍቅድ። ነቲ ዝጸንሐ ኣቦመንበር ዳግማይ ክመርጾ እቲ ቅዋም ይፈቅድ እዩ። እቶም ዝተረፉ 8 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ እውን ኣብ ዓመት እዮም ብማእከላይ ባይቶ ዝምረጹ። ማእከላይ ባይቶ ካብቶም ዝጸንሑ ኣባላት ፈጻሚ ዳግማይ ክመርጽ ሕጋዊ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓደ ባእታ፡ ኣብ መንጎ ጉባአታት ንክልተ ክፍለ ግዜ (ተርም) ኣቦመንበር ኮይኑ ምስ መረሐ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንኣቦመንበርነት ሕጹይ ኮይኑ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ኣቦመንበር ኣብ ዓመታዊ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ እንዳተመርጸ ዝለዓለ ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓሉ ግዜ 8 ዓመታት እዩ።
ሓድሽ መሪሕነት ሰዲህኤ
ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ቪስባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ እውን ነዚ ተባዕ ሰልፍን መሪሕነትን ናይ ምሕዳስ ባህሊ ቀጺልዎ እዩ።
ኣብዚ ሓድሽ ናይ ሰዲህኤ ፈጻሚ ሽማግለ፡ እቲ 6 ናይ ሓላፍነት ቦታታት ብሓደስቲ እዩ ተታሒዙ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ነቲ ሓላፍነት ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሓድሽ እዩ፡ ሰክረተር ሰልፊ ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት ሓድሽ እዩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት እንተኾነ እውን ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ሓድሽ እዩ።
ቅዋም ሰዲህኤ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመርጸ ኣቦመንበር፡ ዝርዝር ሕጹያት ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናብ ማእከላይ ባይቶ ክቕርብ እሞ፡ ድሕሪኡ ማእከላይ ባይቶ ንነፍሲ ወከፎም ከድምጽ እዩ ዝእዝዝ። እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ንክመርሕ ብጉባአ ዝተመርጸ ማእከላይ ባይቶ፡ ብኣቦመንበር ዝቐረበሉ ሕጹይ ነጺጉ ኣብ ክንድኡ ናቱ ሕጹይ ከቕርብ መሰል ኣለዎ።
ሓድሽ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ 35 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ኣባላትን 5 ናይ ምድማጽ መሰል ዘየብሎም ተጠባበቕትን ኣለዉዎ። እቶም ተጠባበቕቲ ዋላ’ኳ እንተዘየድመጹ ኣብ ኣኼባን ካልእ ንጥፈታት መሪሕነትን ዝሳተፉ እዮም። ካብዞም 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን እቶም 19 ሓደስቲ እዮም።
ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ትሑት እንተኾነ፡ ብዙሕነት ኣብ ጉባአታት ሰዲህኤ ዝለዓለ ቆላሕታ እዩ ዝወሃቦ። ንኣብነት ኣብዚ ሓድነታዊ ጉባአ 14 ደቂ ኣንስትዮ ተሳተፍቲ ነይረን። ካብኣተን 8 ኣብ መሪሕነት ተመሪጸን።

ሰዲህኤንሓጻይት ሽማግለኣኡን
ሰዲህኤ ካብቲ ዝተመስረተሉ ቅድሚ 10 ዓመታት ንነጀው፡ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ንመሪሕነት ይበቅዕ እዩ ኢሎም ዝኣመንሉ ሕጹይ ናብ ጉባአ ከቕርቡ ብዘሳትፍ ሓጻዪ ሽማግለ መዚዙ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። ኣቦመንበር ሓጻዪ ሽማግለ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ብጻይ ገብረእግዝኣብሄር ተወልደ፡ ኣብቲ መስርሕ 29 ጨናፍርን 8 ኣብ በበይኑ ከባብታት ዝርከቡ ኣባላት ሰልፍን ኣብ ምሕጻይ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ከም ዝተሳተፉ ሓቢሩ። ጉባአ ንዝወሰኾም 4 ሓዊስካ ንምርጫ ማእከላይ ባይቶ ዝቐረቡ ሕጹያት 58 ነይሮም። ጉባአ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝመረጸ ከኣ ካብዞም 58 ሕጹያት እዩ።
እዚ ሓድነታዊ ጉባአ ሓላፍነት ሓጻዪ ሽማግለ ክብ ኣቢሉ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዞባታትን ጨናፍርን ወሲኽካ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ፡ ክትግበር ወሲኑ። ሓጸይቲ ሽማግለታት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ናብ ምርጫ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ሕጹያት ከቕርባ እየን። እዚ ምዕቡል ኣቀራርባ ሕጹያት፡ ኣብ ጉባአ ሰልፍታት ኣብ ዞባ ስካንድንቪያን ካለኦት ሃገራትን ብዕዉት ዝዝውተር እዩ።
እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ናይ ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት እዩ
===============
ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
- ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰልፊ
- ብርሃነ ደበሱ ምክትል ኣቦመንበርን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይን
- መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት
- ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና
- ሃብተሚካኤል ተኽለ (ዶ/ር) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት
- ፍሰሃየ ሓጐስ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት
- ክፍለዝጊ ገብረመድህን ሰክረተር ሰልፊ
- ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ
- ያሲን ኢብራሂም ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት
ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ (ብመስርዕ ፊደል ላቲን)
- ዓብዱ ሓሰን
- ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል
- ኣክሊሉ ግርማይ (ዶ/ር).
- ኣልጋነሽ ይስሃቅ
- ኣማኑኤል በራኺ
- ኣስገደት ምሕረተኣብ
- ኣሰፋው በርሀ
- ድራር መንታይ
- ኤርትራ ኣልኣዛር
- ፈቨን ጊደዎን
- ገባር ዑቕበ
- ገብረህይወት መለስ
- ግርማይ ክፍለ
- ሃይለ ወልደሚካኤል
- እድሪስ እስማዒል
- መድሃኔ ህብትዝጊ
- ነጋሲ ሓምደ
- ንጉሰ ጸጋይ
- ረዘነ ተስፋጼን
- ተኽለብርሃን ሃይለ
- ተስፋጋብር ወልደጊዮርግስ
- ትዕበ ተኪኤ
- ጸጋይ ተስፋይ
- ትኩእ ተስፋይ
- ወልደየሱስ ዓማር
- ጸሃየ ኣርኣያ
ተጠባበቕቲ ኣባላት መሪሕነት
- መዓሾ ሰለሙን
- ሑመድ መሓመድ ኣሕመድ
- ተስፋማርያም ክብረኣብ
- ገነት ሃብተገርግስ ወልዱ
- ግርማይ ተመስገን (ቀሺ)
EPDP: Fearless of Party Renewal, Changes In Leadership & Defense of National Unity
Written by EPDP Information OfficeOne of the worrisome and deeply entrenched bad habits and practices in Eritrean political landscape since a long time is the resistance of leading figures to leave office on time and without a problem. The Eritrean dictator, Isaias Afeworki, is one such bad example. As we all know, he has been in topmost position of power for 48 years since he created a political organization in 1971 that he always controlled, including during his unchallenged stay in power since 1991.
But can’t one say that the EPDP has already become an exception - a good example in changing that bad habit? Let us cite a few promising examples below.
The EPDP is now 10 years old. Within this short 10-year period, the party has managed to change four chairmen, including the recently elected one. Their names are shown in the caption to their pictures below.

In principle, the EPDP Constitution allows the Central Council to elect or re-elect party chairperson at every regular meeting which is held annually. The rest of the eight executive committee members are also elected or re-elected every year by the Central Council. This means that the Council can change, if it so wishes, party chairperson every year. On top of this, no one person can be allowed to be a candidate for party chair if he/she has already served two terms between congresses - that is, a maximum service of 8 years after being subjected to every-year scrutiny and re-election.
The New EPDP Leadership
The 3rd and Unity Congress that was held in July-August 2019 in Wiesbaden, Germany, has continued this tradition of fearlessness to renew the party and its leadership at all levels.
In the new EPDP Executive Committee, six of the nine posts are now occupied by new holders. As noted earlier, the party chairman is new to the post; the head of foreign relations is new; the party secretary is new; the head of financial affairs is new; the head of youth affairs is new, and even the head of organizational affairs is new to the post!!
The Constitution allows a newly elected chairman to submit his candidates for each executive office and each person is voted by the Central Council separately. The Council, which itself is elected at congresses for a four-year term, can drop anyone of the chairperson’s candidates and can bring its own.
The new EPDP Central Council consists of 35 voting members and five non-voting reserve members who, however, have all the right to participate in leadership meetings and activities. Of these newly- elected 35+5 Council members, 19 are new, including the partners in the unity process.
Diversity is one of the primary efforts focused at EPDP congresses although the success has been slow. For instance, the recent unity congress was attended 14 women delegates of whom 8 were elected to the leadership.

EPDP and Its Nominating Committee:
At least since its founding ten years back, the EPDP has the method of designating a Nomination Committee which strives to have the participation of all party members in selecting those who can be preseted as leadership candidates in party congresses. As the chairman of this body for the 3rd and Unity Congress, Gherezghiher Tewolde reported, 29 branches and 8 individuals at isloated locations actively participated in nominating CC candidates. The final count of candidates, including four added by the Congress itself, was 58. It was on this list approved by all members of both uniting sides that the Unity Congress voted and elected the 35 CC members and five reserve members.
The Unityf Congress also expanded and upgraded the mandate of the Nominating Committees of the future to be active at all party structures, including zons and branches. The Nominating Committees shall have the power of presenting final list of candidates to party leadership at all levels, both for the legislative and executive branches. This advanced method of nominating candidates for leadership has been successfully used at party congresses in the Scandinavian region and other countries.
Printed below are the names of EPDP leadership members elected at the 3rd and Unity Congress in 2019:
===============
The New Executive Committee:
- Tesfai Woldemichael (Degiga), Party Chairman
- Berhane Debessu, Vice-Chairman and Head of Foreign Office
- Menghesteab Asmerom, Head of Organizational Office
- Debessai Beyene, Head of Information Office
- Habtemichael Tekle/Dr, Head of Financial Affairs
- Fessehaye Hagos, Head of Social Affairs
- Kiflezghi Ghebremedhin, Party Secretary
- Adiam Teferra/ Ms, Head of Women's Affairs
- Yassin Ibrahim Neberai, Head of Youth Affairs.
Members of the EPDP Central Council, in alphabetical order, are:
- Abdu Hassen
- Adiam Haile Rufael
- Aklilu Ghirmai/Dr.
- Alganesh Isaac
- Amanuel Beraki
- Asghedet Mehreteab
- Assefaw Berhe
- Dirar Mantai
- Eritrea Alazar
- Feven Ghideon
- Ghebar Oqbe
- Ghebrehiwet Meles
- Ghirmai Kifle
- Haile Woldemichael
- Idris Ismael
- Medhanie Habtezghi
- Negasi Hamde
- Neguse Tseggai
- Rezene Tesfazion
- Tekleberhan Haile
- Tesfagaber Woldegiorghis
- Tiebe Tekie
- Tseggai Tesfai
- Tuku Tesfai
- Woldesus Ammar
- Zehaye Araya
Reserve Members
- Maasho Solomon
- Humed Mohammed Ahmed
- Tesfamariam Kibreab
- Ghenet Habtegergis
- Ghirmai G.Temesgen.
ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዋዕል ንቕሎ ኣዴታት
Written by መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤክቡራት መራሕቲ ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት
ክቡራት ኣዳለውቲ ዋዕላ ኣዴታት ኣብ ፍራንክፈርት
ክቡራትን ክቡራንን መራሕቲ ፖለቲካውን ሲቪላውን ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን
ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ ብሓበራ
ኣቐዲመ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዝተገብረልና ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ እናገለጽኩ፡ ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ናይ ምድምማጽን ሕድሕድ ምርድዳእን መንፈስ ዝሰፈኖን ነቲ በብኣንፉ ዝግበር ዘሎ ናይ ምጥርናፍ ምቅንስቓሳት ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ንምብጻሕ ደራኺ ግደ ዝጻወትን ክኸውን እትስፎ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን፡ ኣገደስቲ ውልቀሰባትን ዝርከብዎ ዋዕላ ተኻይዱ፡ በቲ ንዅልና ዘሰማምዕ ከም ምሕላው ልዑላውነት፡ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ኤርትራን ምቛም ብግዝኣተ-ሕግን ብቕዋምን ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝብሉ መሰረታውያን ነጥብታት ተሰማሚዕና ብልፍንቲ ተዋሃሂድና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክንሰርሕ ከምዝግብኣና ይኣምን። ካብ’ዚ ሓሊፉ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዝዀነ ፖለቲካዊ ውድባት ብፕርግራም ይኹን ብተግባር ፍልልይ ከምዘይብሎም እንተደኣ ኣሚኖም ክጸናበሩን ሓደ ውድብ ወይ ሓደ ሰልፊ ክምስርቱ ከምዝኽእሉ ይኣምን። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝተጸውዐ ዋዕላታት ተሳቲፉ። ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ድማ፡ ተዋሃሂዱ ንምስራሕ ክዋሳእ ጸኒሑ። ሰዲህኤ፡ ኣብ ዋዕላ መድረኽ ኣብ ናይሮቢ፡ ኣብ ዋዕላ ኣትላንታ፡ ኣብ ዋዕላ ሚኒሶታ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዋዕላ ንቕሎ ኣዴታት ኣብ ፍራንክፈርት ብክብ ዝበለ ደረጃ ምስታፉ መርኣያ ናይ’ቲ ሓቢርካን ተዋሃሂድካን ምስራሕ ዘለዎ ድሌትን ባህግን ኢዩ።
ኣብ’ቲ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ማለት ካብ 22 ክሳብ 23 ሰነ 2019 ብመስተንግዶ መኣዲ ዘተ ናይ ተምፖ-ኣፍሪክ ኣብ ሚኒሶታ እተገብረ ዋዕላ ዝተበጽሐ ስምምዕ ድማ ከም’ዚ ዝስዕብ ይመስል።
1. ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓርን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፣ ጻዕርታትና ክነወሃህድን ብሓባር ክንሰርሕን፤
2. ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓታት ሕድሕድና ንምትሕግጋዝ ኣወንታዊ ተግባራዊ ስጉምታት ክንወስድ፤
3. ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትና ክነዋሃህድን ሓባራዊ ጽዕርታት ክነካይድን፤
4. ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ (ዲያስፖራን) ዝካየድ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዘጠቓለለ፣ ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ፣ ኣብ ሕድሕድና ብምውህሃድ ወይ ብልፍንቲ ስሙር ኤርትራዊ ተቓውሞ ንምፍጣር ክንሰርሕ፤
5. ሰናይ ጉርብትና ምስ ኩሎም ጎሮባብቲ ኤርትራ ንድግፍ፣ ይኹን እምበር፣ እዚ ሞራላዊን ሕጋውን ቅቡልነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ወይ ኣካላት ዝኣትዎም ኩሎም ውዑላት ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነት ስለ ዝግህሱ ብትሪ ንኹንን፤
6. ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ኤርትራ አካል ጭቁን ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኖም እምነትና ብምዃኑ፣ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉን፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዕዙዝ ተራ ክጻወቱን ንጽውዕ፤
7. ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ምስግጋር ከቢድን ዝተሓላለኸን መስርሕ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ፣ ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓባራዊ መሰጋገሪ ቻርተር ንምስንዳእን ንምትግባርን ብዕቱብ ክንሰርሕ ተሰማሚዕና፤
8. ነዚ ስምምዕ ናይ ዝኸተሙ ኣካላት ወከልቲ ዝሳተፍዎ ናይ ትግባረ ፎረም ንምቛም ተሰማሚዕና፤ ከምኡውን
9. ነዚ ስምምዕ እዚ ዝቕበሉን ኣብ ናይ ትግባረ ፎረም ክሳተፉ ቅሩባት ዝኾኑን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፣ ናይ መጽናዕቲ ጉጂለታትን ብኽብሪ ንዕድም።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2019፡ ኣብ ቪዝ ባደን፡ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ፡ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ሰሚሮም ሓደ ሰልፊ ክምስርቱ ከምዝበቕዑ ከበስር ከለኹ ደስ ይብለኒ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንምምስራት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዕቱብ ልዝብ ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም ድማ ባህግን ድሌትን ክልቲኡ ውድባት ምዃኑ ከረጋግጸልኩም እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ ምስ’ቲ 4 ውድባት ዘቖምዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ብልፍንቲ ንምስራሕ ኣፈናዊ ልዝብ ጀሚርና ኣሎና።
ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ሰዲህኤ፡ ከምተዓዛቢ ተኻፊሉ። ኣብ ቪዝባደን ኣብ ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ድማ ኤሃባደለ ከም ተዓባዚ ተኻፊሉ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ 2ይ ጕባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዝላዘብን ንዕርቂ ዝሰርሕን ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ከምዝቖመን፡ ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ዶር መሓመድ በሺር፡ ንሰልፍና ክራኸብ ቅሩብነቱ ዝገልጽ መልእኽቲ ድሮ ሰዲዱልናስ፡ ንሕና እውን ድሕሪ ምዝዛም ጕባኤና ክንራኸብ ቅሩባት ምህላውና መሊስናሉ ኣሎና።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ኣብ ትሕቲ “ይኣክል” ዝብል መርሆ ተላዓዒሉ ዘሎ ንስርዓት ኢሳያስ ዘርዓደን ዘጃጀወን ህዝባዊ ምልዕዓል ሰዲህኤ ደጋፊኡ ምዃኑ እናገለጸ፡ ካብኡ ዝጥለብ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ከወፊ ድልዊ ምህላዉ ክረጋግጸልኩም እፈቱ።
ኣብ መደምደምታ፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ህዝባዊ ምጥርናፋትን ተማላላእትን ተደጋገፍትን ደኣ’ምበር መቓናቕንቲ ሕድሕድ ከምዘይኰኑ ክንግንዘብ ይግብኣና። ስለዝዀኑ ድማ ተረዳዲኦምን ተደጋጊፎምን ክሰርሑ ንጽውዕ። ዕላማና፡ ነዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዝለዓል ብምግባር ስርዓት ኢሳያስ ኣዉዲቕካ ስልጣን ንዋንኡ ዝዀነ ህዝቢ ምርካብ ኢዩ።
ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!!!
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
23-25 ነሓሰ 2019 ፍራንክፈርት