ጨንፈር ሰዲህኤ ሃገር ሽወደን ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ ።

2020-11-18 23:14:12 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in EPDP News Read 2017 times

ብዕለት 14 ሕዳር 2020 ዓ.ም.ፈ. ብምልኣተ ተሳታፍነት ኣባላት ሙዉቅ ኣኼባ ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ጨንፈር ቁ. 2 ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገር ሽወደን ናይ ክልተ ሰዓታት ኣኼባ ኣሳላሲሎም።  ኣቦ መንበር ጨንፈር ንኩሉ ኣባል ካብዚ ግና ተላኻፊ ሕማም ድሓን ብምህላዎም ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ ኣኼባ ብ5ተ ኣጀንዳታት ኮይኑ ብሌላ ሓደስቲ ኣባላት ከፈቶ። ቀጺሉ ኣብ ቀረባ መዓልታት ካባና ዝተፈልዩ ተቃለስቲ 1. ነብሰሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ብሱዳን ናው ዝፍለጥ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕረፍቲ ፡ 2ይ ገዲም ተጋዳላይ ኣብርሃም ኣንቶንዮ ኣብ ስዊዘርላንድ ብምዕራፍ ናይ ሓዘን ተሳተፍቲ ሓጺር መግለጺ ሃበ። ቀጺሉ ቀደም ተኸተል ኣጀንዳ ብህልዊ ኩነታት ኣባላት ጨንፈርን ሃለዋት ሰልፍናን ምጣኔ ሃብታዊ ህጡር ዉፉይ ተሳታፍነት ብዝርዝር ተሓቢሩ ። ብምቅጻል ዝኸይድ ዘሎ ሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩለን ተቋወምቲ ዉድባትን ሰልፍታት ኤርትራን ቆይመን ዘሎዋ ናይ ሓይሊ ዕማም ሽማገለታት ስራሓት ብሰፊሕ ተማያይጡ። ኣብ መወዳእታ ኣጀንዳኡ ከኣ እዚ ኣብ ጎረበት ሃገርና ተወሊዑ ዘሎ ውግእን ተሃዋስነቱን ንዓና ከም ኤርትራውያን ከመይ ከም ዝጸልወና ሓሳብ ንሓሳብ ተላዋዊጥና ውግእ ክሳራን ዕንወትን ስለ ዝኾነ ብዘተ ክፍታሕ ኣሎዎ ኢሎም ብምስማር፡  ኣብ ቀረባ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ መሪሕነት ሰልፊ ብሩህን ንጹር ሓበሬታ ክንረክብ ብምስምማዕ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።

Last modified on Thursday, 19 November 2020 00:18