ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና

2020-12-01 14:23:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2256 times

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ30 ሕዳር 2020 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣኼባ ኣካይዱ። ምምሕዳር ኣብ ኣኼባኡ ካብ ዝተዛረበሉ ቀንዲ ዛዕባታት፡ “ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታት ኣብ ዜናዊ መዳይ ብኸመይ ይተሓዝ” ዝብል ነይሩ።

ቅድሚ ናብዚ ቀንዲ ዛዕባ ምእታው ግን፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ሰዲህኤን ደንበ ተቓውሞናን ከባቢናን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ እሞ ኣብ ሃገርና እውን ናቱ ተጽዕኖን ስግኣታትን ዘለዎን ውግእ ብመንጽር ሚድያዊ ኣተሓሕዛ ንናይ ከባቢኦም ሓበሬታታት ተለዋዊጦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ዝተፈላለያ ሚድያታት ነዚ ተረኽቦ ኣብ ዝምልከት ሒዘንኦ ዘለዋ ኣንፈታትውን ዳህሲሶም። ኣብዚ ሚዛኖም ሚድያታት ሰዲህኤ ብፍላይ፡ ነቲ ጉዳይ ብርትዓውን ሚዛናውን መንገዲ ኣብ ዝተነጸረን ቅኑዕን ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ኣገባብ ክሕዘኦ ከም ዝግበአን መዚኖም።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንዝወሰኖም ውሳነታትን ነንዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ክንዲ ብውግእ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክኽተሉ ዘቕረቦ መጸዋዕታታት፡ ቀንዲ መወከሲ ንዜናዊ ስረሓት ሰዲህኤ ጌርካ ክወስድ ከም ዝግበኦ ኣኺባ ርእዩ። ብዘይካዚ ከምቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ተግባራቱ፡ ሚድያታት ሰልፊ ነቲ መተካእታ ዘየብሉ ናይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ምጥርናፍ ንምብርታዕን፡ እቶም መትከላዊ ፍልልይ ዘይብሎም ሓይልታት ድማ ናብ ምሉእ ሓድነት ናይ ምምጻእ ጻዕርን ዘተባብዕ ዜናዊ ዕዮታት ምብርካት፡ እዋናዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ተገንዚቡ። ዜናዊ ስረሓት ሰዲህኤ፡ ኣብ ርእሲ ሰልፋዊ ዕማሙ፡ ብምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ቆይመን ናይ ዘለዋ ሓይልታት ዕማም ንጥፈታትን፡  ንምንቅስቓስ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ምትብባዕ  ቆላሕታ ከም ዝገብር እውን እቲ ኣኼባ ኣንጸባሪቑ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዜናዊ መዳይ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መራኸብታትን የበርክትዎ ንዘለዉ ኣዕዚዙ ንኢዱ። ንመጻኢ እውን ስረሓት ዜና ካብ ብዙሓት ንብዙሓት ስለ ዝኾነ ጻዕሮምን ተሳትፎኦምን ከኻዕብቱ ዝተኻየደ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ጸዊዑ።

Last modified on Tuesday, 01 December 2020 15:28