ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2025-02-04 19:46:24 Written by  ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 753 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ለካቲት 2025 ፍሉይ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ብምዝታይ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ  ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት ብደረጃ ሃገርናን ከባብናን  ዝረኣዩ ዘለዉ ኩለ-መዳያዊ ቅልጡፋት ምዕባለታት፡ ፖለቲካዊ ተርእዮታትን ዝገሃዱ ዘለዉ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታትን ዝምልከት ዳህሳስ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘካየዶ ዳህሳስ እቲ ምዕባለታት እንታይ መልክዕ ይሕዝ ከምዘሎ ብምግምጋም መዋጸኦ ዝበሎም መፍትሒ ሓሳባት እውን ኣለልዩ። ብፍላይ ከኣ ህግደፍ  በብኩርናዑ የጋጥሞ ካብ ዘሎ ተጽዕኖታትን ሓዲርዎ ዘሎ ስግኣታትን ንምውጻእ ዝተፈላለዩ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘየእተዉ ዝምድናታትን ምዕልባጣትን የርኢ ከም ዘሎ ኣኼባ ተረዲኡ። 

ካብዚ ሚዛኑ ብምንቃል ድማ ህግደፍ ዝወስዶም መመሳመሲ ወስታታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ ክሳብ ዘየረጋገጹን መሰረታዊ ሕቶኡ ዘይመለሱን ተቐባልነት ከምዘይህልዎም  ብምርዳእ ህዝብን ሓይልታት ለውጥን ኤርትራ  ቃልሶም ኣንጻርቲ ጉጅለ ብኣድማዒ መልክዕ ንክቕጽሉ ፈጻሚ ሽማግለ ከም ወትሩ ጸዊዑ። 

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባትን ኣፍደገ ባሕርን ኤርትራ ብተደጋጋሚ የልዕሎ ብዛዕባ ዘሎ ሕቶታት ቆላሕታ ሂቡ መዚኑ። ኣብቲ ሚዛኑ ናይ ወደብ ኣጠቓቕማ፡ ኤርትራዊ ልኡላውነት ብዘይግህስ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ብዝፈቕዶን ንክልቲኦም ወገናት ብዘርብሕን ጥራይ ክኸውን፡ ካብኡ ወጻኢ ዝኽየድ ግና ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከምዘይከውን ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ብርጌድ ንሓመዱ ብ27 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዘካየዶ ኣኼባ  ፈጻሚ ሽማግለ ተመያይጡ። ኣብ ምይይጡ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ኣኼባ ዝተራእዩ ሕጽረታት ኣብ መጻኢ ከይድገሙ ብምዝኽኻር፡ እቲ ተበግሶ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እቲ ህዝባዊ ማዕበል ከካይዶ ናይ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ገይሩ ከም ዝወስዶ ርእዩ። ብመሰረት እቲ ሰዲህኤ ኣብ 4ይ ሰልፋዊ  ጉባአኡ  ንህዝባዊ ማዕበል ብሪጌድ ንሓመዱ ብዝምልከት፡ “ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ንለውጢ፡ ንልዕልና ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ ኣብ ዲያስፖራ ጥራይ ከይተደረተ፡ ንክሰፍሕን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ንክኣቱን ኩሎም  ዝምልከቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ግደኦም ክጻወቱ ይግበኦም” ዝበሎ፡ ነቲ መቃለሲ ቦታ ናይ ምስፋሕ ተበግሶኡ ኣተባቢዕዎ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ብሪጌድ ንሓመዱ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ኣካል ዝገብሮ ዝምድና፡ “ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ዘትከለ፡ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ዘየፍቅድ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ምትሕብባርን” ዝምስረት ንክኸውን ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼባ ኣብ መወድእታ ኩሎም ኣብ ከባቢና ዝረአዩ ዘለዉ ምትፍናናትን ናብ ውግእ ከይምዕብሉ ዘስግኡ ተርእዮታትን ተወጊዶም፡ ናብ ሰላም፡ ምትሕግጋዝን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዝወስድ መንገዲ ንክሕዙ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰዲህኤ ግደኡ ክጻወት ድልዊ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራሲያዊ ምባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2 ለካትቲ 2025

Last modified on Thursday, 06 February 2025 21:55