ቤተሰብ ባሕረኛታት ኣዘርባጃን ናብ መንግስቶም ጥርዓን ኣቕሪቦም

2025-02-08 12:29:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 461 times

ኢንስደነት (Incident) ካብ ዝተባህለት መርበብ ዝተወስደ ስእሊ ስድራቤት ግዳያት

ናይቶም ምስ ሰለስተ መራኽብ ካብ 7 ሕዳር 2024 ጀሚሮም  ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ ባሕረኛታት ኣዘርባጃን ደሃይ ንክሕብሮም ናብ መንግስቶም ሕቶ ከምዘቕረቡ ቢቢሲ ነተን መራክብ ዘመሓድር ኩባንያ “ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ-ቪ (CMS B.V)”: ብምጥቃስ ሓቢራ። ንሕቶ ናይቶም ስድራቤታት ዝተቐበለ፡ ምክትል ዳይረክተር ናይታ ኩባንያ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ ዲፕሎማሲያዊ ሕልኽልኽ ከም ዘጋጠሞም ምሕባሩ ቢቢሲ ብተወሳኺ ገሊጻ። ካብቲ ኤርትራ ዝፈጠረቶ ጸገም ሓደ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ኣዘርባጃን  ናብ ኣስመራ ንምልኣኽ መዲቦም ናይ ኤርትራ ቪዛ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ እውን ተፈሊጡ። ከም መተካእታኡ ከኣ ቱርክን ሩሲያን ኣብ ዝርከበአን ዝተፈላለያ ሃገራት ርክባት ይገብሩ ከምዘለዉ ምጥቃሱ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ብሓፈሻ ኩሎም ስድራቤታት ናይቶም ባሕረኛታት፡ ብፍላይ ከኣ ክቱር ሻቕሎት ዝሓደሮ ኣምራህ ሩስታሞቭ ዝተባህለ ኣቦ ሓደ ካብቶም ጀሆ ተታሒዞም ዘለዉ ከም ዝጠቐሶ፡ ምስ ሓለፍቲ እታ ነተን መራክብ እተመሓድር ኩባንያን ወከልቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሪ ናይታ ሃገርን ምርኻቦም ሓቢሩ መንግስቲ ብዛዕባ ደቆም ክነግሮም ንዝሓተትዎ እኹል መልሲ ክህቦም ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

 ኩባንያ 'ካስፒያን ማሪን ሰርቪስስ ቢ-ቪ (CMS B.V)”፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣድላይ ዘበለ ሰነዳት ድሕሪ ምቕራባ ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍትሑ እኳ ተስፋ እንተነበራ፡ ብግሪ ግና ክሳብ ሎሚ ንጹር ዝፍትሕሉ መዓልቲ ኣይተፈለጠን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ እቶም ባሕረኛታት ኣብ ወደ  ዓሰብ ካብተን መራክቦም ወሪዶም ናብ ካልእ ቦታ ምስተወሰዱ፡ ኣባላት ጸጥታን ባሕረኛታትን ኤርትራ ከኣ በይኖም ይፍትሽወን ከምዘለዉ እታ ኩባንያ ኣፍሊጣ።

ናይታ ኩባንያ ጠበቓታት ዘካየድዎ ጻዕሪ ቀጻሊ’ኳ እንተሎ፡ ነቶም 18 ኣዘርባዣውያንን 6 ደቂ ካልእ ዜጋን ባሕረኛታት መግቢ ከም ዝቐርበሎም ካብ ምግባር ሓሊፎም መሰረታዊ መፍትሒ ከምጽኡ ከምዘይከኣሉ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ ኣሰራርሓ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት፡ እተን መራክብ ጽዒነንኦ ዘለዋ ንብረት ብህግደፍ ናይ ምውራሱ ዕድል ዝለዓለ እዩ።

Last modified on Saturday, 08 February 2025 13:38