ውጹእ ጸለመ ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ

2024-08-29 14:26:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 795 times

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጋዜጠኛ ኤሪሳት ከራር ህያቡ፡ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ነጸረኣብ ኣስመላሽ 36፡23 ደቓይቕ ዝወሰደ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ።  ነቲ ቃለ መጥይቕ ብጽሞና ሰሚዕና ተረዲእናዮ እውን። መንቀሊ ቃለ መጠይቑ  ምምዛን ናይቲ ገብረ ባህዱራይ ብዝተባህለ ውልቀሰ-ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ ዝተባህለ “መንግስቲ ኣብ ወጻኢ”  ዝብል እዩ።

ጋዜጠኛ ከራር ህያቡ ነቲ ተመስሪቱ ዝበሎ መንግስቲ ኮሓሒሉ ከቕርቦ እንከሎ፡ ኣፉ መሊኡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመስሪቱ ዝበሎ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ”፡  ክሳብ 8 ዝኾኑ ውድባት ኤርትራ ዝተሳተፍዎ ትካል ምዃኑ ጠቒሱ ሓደ ካብኣቶም ድማ   EPDP (ሰዲህኤ) ምዃኑ ደጋጊሙ ክጠቕሶ ሰሚዕና ኣስደሚሙና። ሓው ነጸረኣብ ኣስመላሽ፡ ኣብቲ መሰረተ-ሓሳብ ናይቲ ዝተላዕለ ናይ ሓላሞ ዛዕባ  ዝሃቦ መልሲ ቅኑዕ፡  ወድዓውን ንህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ዝምጥንን ስለ ዝኾነን መርገጽ ሰዲህኤ ኣብ  ምምስራት መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ካብኡ ስለ ዘይፍለን ንዓኡ ካብ ምንኣድ ሓሊፍና  ናብ ዝርዝር ክንኣትው ኣይንደልን። እንተቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ኣካሉ ነይሩ ዝብል ግና መስደመም ስለ ዝኾነ ብሓጺሩ “ግጉይ ጥራይ ዘይኮነስ ብፍላጥ ንደምበ ተቃውሞ ዘይምትእምማን  ዝተማህዘ ጻዕዳ ሓሶት”  ስለዝነዃኑ፡ ሰማዒ ክርድኦን ዓገብ ክብሎ ዘለዎ ምዃኑን ነፍልጥ።  በዚ ኣጋጣሚ  ልኡኻት  03  ዝፍንውዎ ጸለመ ምኣኸለና ነይሩ።

ናይቶም ኣብ ሃለውለው ኣትዮም ዘለዉ ውልቀ ሰባትሲ ደሓን፡  መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን  ብሓቂ  ብኣፍልጥጦኡ ዝተኻየደ እንተኮይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ድራማ ንክስራሕ ምትሕብባሩ ክሳብ ክንደይ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘየብሉ ምዃኑ ስለ ዘመልክት  ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ እዩ።

 ካብዚ ሓሊፉ ጋዜጠኛ ኤሪሳት ከራር ህያቡ፡ ንገዛእ ርእሱ ናይቲ ተመስሪቱ ዝበሎ “መንግስቲ ኣብ ወጻኢ” ደጋፊ ምዃኑን ነቶም ተዋሳእቲ “ኣመስግኑለይ” ምባሉን ንዓኡ ይምልከት። ካብዚ ሓሊፉ  ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣድራሻ ኣፍልጦ ዘለዎን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቱ  ቃለ-መጣይቓት ዘካየደ ክነሱ፡ ነቲ ሰልፊ ከይተወከሰ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራት ትሕክኽ” ዝበሃል “ወረ ተረኽበ” ኢሉ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃረምረም ምእታዉ ዘሕዝንን ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ዘፍኩስን እዩ። ነቲ ወኪልዎ ዘሎ ትካል ኤሪሳት እውን ተኣማንነት ንኸየጥሪ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቆ እዩ።

ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስያዊ ምዕባለን ንቃለስ!

Last modified on Thursday, 29 August 2024 16:32