ሕብረት ኤውሮጳ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ መዲቡ

2024-08-27 20:10:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 203 times

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2024 ንዝሰፍሐ ከባቢ ቅርኒ ኣፍሪቃ 122 ሚልዮን ኤውሮ ተወሳኺ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል   ከም ዝመደበ ብ27 ነሃሰ 2024 ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት ነዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ክምድብ ዝተገደደ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ውግኣትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዘስዓበ ጸገማት ደርቅን ውሕጅን ይውስኽ ስለ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ኣብሪሁ።

እቲ ሕብረት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዝያዳ ንጸገም ዝተቓልዑ ህዝብታትን ከባብን  ብፍላይ ድማ ጥሜት ዝኣመሰሉ ሰብእዊ ጸገማት ዝተራእየሎም ኣየኖት ምዃኖም ብምድህሳስ፡ ዝተበጽሐ ውሳነ ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብቲ ዝርዝር ጸገማት ጉዳይ ሕጽረት ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ብሰንክዚ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሕማማትን እውን ኣብ ግምት ዝኣተዉ እዮም። ኣብቲ ኣመዳድባ ገንዘብ ክዝርዝር እንከሎ፡ 42 ሚልዮንኤውሮ ንኢትዮጵያ፡ 40 ሚልዮን ኤውሮ ንሶማሊያ 40 ሚልዮን ኤውሮ ድማ ንደቡብ ሱዳን ብዝብል ተዘርዚሩ ቀሪቡ።

ኣብዚ ዓመት ብሕብረት ኤውሮጳ ንዝሰፍሐ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመደበ ገንዘብ፡ ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ሱዳን ብፍሉይ ዝተዋህበ 56 ሚልዮን ኤውሮ ከይወሰኽካ፡ 421 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝበጽሐ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።  ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ተወሳኺ ሰብኣዊ በጀት ክምድብ ካብ ዘገደድዎ ህልዊ ቅልውላው ሱዳን ክኸውን እንከሎ፡ በብኸባቢኡ ዝፍጠር ዘሎ ውሕጅን ዕልቕልቕን እውን ካልእ ምኽንያት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።

Last modified on Tuesday, 27 August 2024 22:20