ገባር ጽቡቕ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሰር ዓረፎም

2024-08-29 19:27:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 356 times

ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ኣብ ዝነበርሉ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ናይ ምምሃር ዕድል ንክረኽቡ ዝለዓለ ግደ ዝጻወቱ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ምሁር ፕሮፈሶር እንድርያስ እሸቴ፡ ብ29 ነሃሰ 2024 ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልዩ ቢቢሲ ሓቢራ። ፕሮፈሶር እንድርያስ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመሃሮ ንማሕበረሰብ ናይቲ ዩንቨርሲቲ ክገልጹ እንከለዉ፡ “እዚኣቶም ናብዚ ዝመጽሉ ምኽንያት ፍሉይ ስለ ዝኾነ ፡ካብቶም ንማህደረ ትምህርቲ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ተመሃሮ ብዝተፈልየ ክረኣዩ ይግበኦም” ከም ዝበሉ ኣብቲ መድረኽ ዝነበሩ ይምስክሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ -ሰውራዊ ባይቶ ብ1994፡   ኣብ መንጎ ህግደፍን ኢህወደግን ዝነበረ ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዕ መሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስተኣስሩ፡ ናብ ህግደፍ ንኸይርከቡ ዕዙዝ ግደ  ዝተጻወቱ እዮም። ፕሮፈሰር እንድርያስ እሸቴ ኣብ ርእሲዚ እቶም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ካብቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ዝተፈላለየ ቦታት  ተኣኪቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝዕቆቡ ኣብ ምግባር ሓጊዞም። ብዘይካዚ እቶም ዘይተኣስሩ ኣባላት ሰውራዊ ብዛዕባቶም እሱራት ብጾቶም ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ክዘራረቡ ኩነታት ከም ዘጣጥሑ ኣብቲ መስርሕ ዝነበሩ ዝምስክርዎ  እዩ።

ፕሮፈሰር እንድርያስ፡ ቅድም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ደሓር ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ዊልያስም ኮለጅ ላዕለውይ ደረጃ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ፡ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ዝለዓለ ግደ ዝነበሮም እዮም። እቲ ሎሚ ኢትዮጵያ ትምረሓሉ ዘላ ሕገመንግስቲ ክጸድቕ እንከሎ ከኣ ኣባል ኮሚሽን ኮይኖም ከም ዝሰርሑን   ድሕሪ ካብ ፕረሲደንትነት  ዩኒቨርሲቲ ምልቃቖም ብመዓርግ ሚኒስተር ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ከም ዝነበሩን ታሪኾም ህይወቶም የመልክት።

Last modified on Thursday, 29 August 2024 21:40