ኣኼባ ጨናፍር ሰዲህኤ ጀርመን

2024-02-19 11:31:41 Written by  ሽማግለ ጨንፈር   Published in EPDP News Read 389 times

ኣባላት 2 ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ጀርመን ብዕለት 18.02.2024 ሓባራዊ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ካብተን ጨናፍር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ኣኼባ ድሕሪ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ንሳልሳይ ግዝይኡ ይካየድ ምህላዉ’ውን ተፈሊጡ። ኣብዚ ኣኼባ ኣባላት ክልቲኡ ጨናፍር፣

1. ዳህሳስ ኣተሃላልዋን ንጥፈታትን ጨናፍር፤

2. ኣገዳስነት ሓባራዊ ዕዮን፤

3. ንጥፈታት ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ብፍላይ ንብርጌድ ንሓመዱን

4. ሓፈሻዊ ህልዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝብሉ ዛዕባታት ተዘራሪቦም።

እቲ ኣኼባ፡ ብመራሕቲ ክልቲኡ ጨናፍር ሰናይ ትምኒትን ሰላምታን እዩ ተኸፊቱ። ዝተጠቕሱ  ዛዕባታት  መዛተዪ ነጥብታት ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ተዛሪቡሎም። ኣብቲ ቀዳማይ ዛዕባ፡ ኣኼበኛታት ኣተሃላልዋን ንጥፈታትን ክልቲኡ ጨናፍር ብምሕባር፣ ነቲ ዘሎ ኣውንታዊ ንጥፈታትን ዝቕጽሉዎ ዘለዉ ኣባላትን ብምምጓስ፡  ንክህሉ ዝኽእል ሕጽረታት ንምምላእን መበራበሪ ምልዕዓላት ኣብ ምክያድ ተቢዑ ካብ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከምዘየለ ኣስሚሩሉ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ከይተሳዕረ ራህዋን ሰላምን ክረጋገጽ ከምዘይካኣል’ውን ርእዩ።

ብድሕሪኡ ተሳተፍቲ ነቲ ብ3 ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ንምቛም ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓት ብስፍሕ ዝበለ ተዘራሪቡሉ። ነዚ ዝምልከት ነቲ ብዕለት 10 ለካቲት 2024 ኣባላት መሪሕነት መሰጋገሪ ኣካል ንኣባላተን ዘቕረቡዎ ሰፊሕ ሰሚናር ኣሞጒሱ። ንካልኦት ኣብቲ መስርሕ ዘይተሳተፋ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ክሓብርዎ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ኣኼበኛታት ንኢዶም። ኣብዚ ዘሎናዮ ኩነታት ተቓውሞ፡ እቲ ሓደን መተካእታ ዘየብሉን ምርጫ፡ ብናይ ሓባር ጽላል ተጠርኒፍካ ምቅላስ ጥራይ ምዃኑ ብምእማን ድማ፡ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ከይተሓለለ ክቕጽሎ  ኣኼበኛ ለበዋኡን ምሕጽንታኡን ኣስፊሩ።

ኣኼበኛ ኣብቲ 3ይ መዛረቢ ዛዕባ ብምእታው፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ይኹን ኣብ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ኣብ ውዕዉዕ ደረጃ በጺሑ ብዘሎ  ብብርጌድ ንሓመዱ ዝካየድ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ንመላእ ተቓላሳይ ህዝብና ዘተባብዕ፣ ንምልካዊ ስርዓትን ሰዓብቱን ድማ ዘርዓደ ምዃኑ መዚኑ። ሰዲህኤ ብደረጃ ጉባአኡ ዝወሰዶ መርገጽ መሰረት ብምግባር ድማ፡ ኩሎም ኣባላቱ ዘለዎም ውልቃዊ ተሞኩሮ ተጠቒሞም ኣብ ዘዘለዉዎ ናይ ምእላይ ተራኦም ከበርክቱ፡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ክተሓባበሩ ምጽንሖም ኣኼበኛ ንኢዱ፡ ገና ከይተሓለሉ ክቕጽሉዎ ድማ ተላብዩ። ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት የጋጥሙ ንዘለዉ ሃሰያታትን ሕድሕድ ምድማይን ተሓታቲ እቲ ስርዓት ምዃኑ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መድረኻት ኣብ ምግላጽ፣ ኣድላዪ ስጉምትታት ክወስዱ ከምዝግባእን ምትሕብባር መላእ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ከምዘድሊ ድማ ገሊጹ። መንእሰያትና’ውን፡ ንዝረኸብዎ ዲሞክራስያዊ መሰለ ተጠቒሞም፣ ንሕግን ስርዓትን ዝነብሩለን ሃገራት ኣኽቢሮም፣ መጻኢ ኲነታቶም ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገባብ ክኽተሉ ከምዝግባእ ኣኼባ ጨናፍር ርእዩ።    

ኣብ መወዳእታ ድማ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ሓጺርን ሓፈሻውን ሓበሬታ ምስ ቀረበ፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ኣብ ዝተሓላለኸን መኣዝኑ ዘጥፍአን ሕድሕድ ደም ዘፍስስን ኮይኑ ከም ዘሎን ተገሊጹ። እቲ ቀንዲ ጸገም ድማ፡ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ስልጣኖም ንምንዋሕ ክብሉ፡  ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ጐጎቲቶም ኣናምጽኡ ናይ ውክልና ውግኣት እናወልዑ እቲ ኩነታት ኣብ ዘይዛሪ ደም ምፍሳስ የእትውዎ ምህላዎን እቲ ፍታሕ ድማ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዚ ተረዲኡ ኣንጻሩ ደው ክብል ምስዝኽእሉን ጥራይ ምዃኑ ብናይ ሓባር ተገንዝቦን ጽቡቕ ምርድዳእን ኣኼባ ዛዚሙ።  

     

Last modified on Monday, 19 February 2024 12:34