ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ዝተጸንዐ ማዕቀብ ክውሰን ጸዊዑ

2023-02-13 09:19:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 851 times

ዘይመንግስታዊ ትካል “ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል/ Human Rights Watch” ብ9 ለካቲት 2023 ኣብዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝመርሖ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ዝተጸንዐ ማዕቀብ ክውሰን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። እቲ ትካል፡ ማዕቀብ ንኽውሰን  ከም ቀንዲ ምኽንያት ዝጠቐሶ፡ ህግደፍ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ እዩ።

እቲ ትካል ኣብ መጸዋዕታኡ ኤርትራ ናጻ ካብ ዝወጸትሉ ግዜ ጀሚራ፡ ንግዱድ ውትህድርና ከም ኣድማሳዊ ፖሊሲ ብዝወሰደ  ብዕጽዋን  ሕሉፍ ሓጺናዊ ዲክታተርነትን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትምራሕ ዘላ ሃገር ምዃና ኣስፊሩ። 

ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኤርትራ እገዳ ንክውሰድ ዝጸውዓሉ መግለጺኡ፡  እቲ ስጉምቲ በቲ ቅድሚ ሕጂ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕብረት  ኣፍሪቃን ዝተኣመመ ክኸውን ከም ዝግበኦ ኣስፊሩ። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ፡ ንሃገራት ወሽመጥ ወሲኽካ ምስ ምምሕዳር ኤርትራ ምቅርርራብ ዘለወን ሃገራት፡ ኣብቲ ናይ ግዱድ ውትህድርና ፖሊሲኡ፡ ርኡይ ለውጢ ንከተኣታቱ ተጽዕኖአን ከሕይላ ጸዊዑ።

ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ምምሕዳር ኤርትራ ንኣድላይነት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት በቲ ናይ 1998-2000 ውግእ ምስ ኢትዮጵያኳ ምኽንያታዊ ክገብሮ እንተፈተነ፡ እንተኾነ ብድሕሪ  እቲ ውግእ ምቁራጹ እውን እቲ ግዱድ ውትህድርና ከምዘይተቛረጸ ጠቒሱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝተፈላለያ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ትግራይ በደላት ምፍጻሙ ክኽሰስ ከም ዝጸንሐ ኣስፊሩ።

Last modified on Monday, 13 February 2023 10:54