ሩሲያ ኣጽዋር፡ ሱዳን ድማ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክወሃሃባ ተሰማሚዐን፡

2023-02-12 19:43:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 805 times

ኣብ ሱዳን ስልጣን ጨቢጦም ዘለዉ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ሩሲያ ኣብ ፖርት ሱዳን ንቐረብ ሓይሊ ባሕሪ ዝኸውን መደበር ክትሃንጽ ክፈቅዱላ፡ ሩሲያ ድማ ብወገና ንወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ኣጽዋርን ወታሃደራዊ መሳርሕን ከተቕርበሉ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ተሓቢሩ።

ነዚ ብዝምልከት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ካርቱም፡ ብ9 ለካቲት 2023 ኣብ ሱዳን ምስ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሎም ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ነዚ ስምምዕ ኣብ ዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ እቲ ዜና ገሊጹ። ላቭሮቭ እቲ ስምምዕ ኣብ ግዜ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ ክሳብ ዝጸድቕ ኣብ ሱዳን ከም ዝጸንሑ ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ ናይ ሱዳን ሰራዊት ሓለቓ ስታፍ ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣልሑሴን ብ2021 እቲ ስምምዕ ዳግመ-ርኢቶ ንክግበረሉ ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ማዕከን ዜና ኣሾሼት ፕረስ/AP፡ ብ11 ለካቲት 2023 ወተሃደራዊ ምንጪ ሱዳን ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣዘዝቲ ሱዳን ሩሲያ ዘድልዮም ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከም እተቕርበሎም ምስ ኣረጋገጹ ከም እተሰማምዑ ኣፍሊጡ።

Last modified on Sunday, 12 February 2023 21:08