ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ

2020-03-10 10:11:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3642 times

ብዕለት 08 መጋቢት 2020 ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ብፍሉይ ጸዋዒት ዝተሰነየ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ነቶም ኣብ ምምስራት ሰልፊ ኣባላት ዝነበሩ ግን ካኣ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብቲ ሰልፋዊ ስሩዕ ሂይወት ማሕዲጎም ዝጸንሑን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ።

Meeting 08.03.2020 1

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ፡ እቲ ኣብ ኣባላት ክረኤ ዝጸንሐ ናይ ምዝሕታል ምኽንያታት ንምልላይን፡ ጠንቅታቱ ፈዊስካ ብሓድሽ መንፈስ ኣብ ቃልሲ ንምስታፍን ግቡኣትካ ኣብ ምብርካት ንምትብባዕን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ናይ ኣስተምህሮ ሰሚናር ዘይኮነስ፡ ናይ ምምኽኻርን ከመይ ጌርና ናይ ቃልሲ መንፈስና ንመልስን ንምዕዋት እዩ ነይሩ። ኣኼባ ብብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ መራሕ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ምስጋና ንኣኼበኛታት እዩ ተጀሚሩ። ድሕርዚ ኣቦ መንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ኣኼበኛታት ንዝተገብረሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ኣብ ኣኼባ ምስታፎም ድሕሪ ምምስጋን፡ ተሳትፎ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብዚ ኣኼባዚ፡ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ኣብ ቦትኡ ምህላዉን፡ ገዲፍዎ ካልእ ምርጫታት ዝወሰደ ከምዘየሎን ዘመልክት ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ሓድሽ ሞራልን ትጽቢትን ከነንብረሉ ከምእንኽእል ዘረጋግጽ ምልክት ከምዝኮነ ሓቢሩ።

ኣስዒቡ፡ ድሕርቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ውልቀ መላኺ ገዛኢ ስርዓት  ኤርትራን ዝተበጽሐ ኣንፈቱ ዘጥፍኤን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝገድደሎ ስምምዕን፣ ህልዊ ኤርትራዊ ኲነታት ኣብ ኣህዛብ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞናዊ መድረኻትን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ኣብምሕያል ተቓውሞ ዝተጻወቶ ግደን፣ ዝተበገሰ ሰፊሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብፍላይ ድማ ብሰልኩታት ናይቲ ስርዓት ንኸይኩለፍ  ክግበር ዘለዎ ናይ ምጽውዋርን ልዝብን ጻዕርታትን ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ብዘይካዚ ኣብቲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ክንርሕቕ ዝተገደድናሉ ሕማቕ ግዜ፣  ግደ ናይቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ኣባላት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምንባሩን፡ ሕጂውን እዞም ኣብዚ ኣኼባ ኣንርእየኩም ዘለና ተቓልስቲ ኣካሎም ብምንባርኩምን፣ ካብ መስርሕ ቃልሲ ናብ ካልእ ከየልገስኩም ዝጸናሕኩምን ዘለኹምን ብምዃንኩም፡ እቲ እምነት ስለዘሎ ሕጂውን ከምቲ ዝሓለፈ ሓቢሮም ንኽቃለሱን ግዲኦም ከበርክቱን ጸዊዑ።

ብዘይካዚ፡ ሎሚ ኲነታት ሃገርና፡ ናብቲ ኣረጊትን ብመስዋእቲ ህዝብና ዝተሳዕረን ኣታሓሳስባ ገዛኣቲ ኢትዮጵያውያንን መድረኽ ዝወለዶም ስንኩፋት ኤርትራውያን ብእውርኡ ድማ ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ መንገድን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ፈተነ ከእቱ ዘኽእል እንዳኮነ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ግዜ፡ ኩልና ደቂ ሃገር ቃልስና ከነሐድስን  ኣብ ናይ ድሕነት መስርዕ ክንስለፍን ከምዝግባእ እውን አዘኻኺሩ። እቲ ስርዓት ብዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ ጸላእቱ እንዳኣብዝሐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ሓይልታት ለውጢ ሓቢሮም ኽሰርሑ ልዕሊ ዝኮነ ይኹን ግዜ ተመራጺ ኣብዝኮነሉ መድረኽ ኣቲና ስለዘለና፡ ኣብ መንጎ ኩለን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ትካላትን ሰፊሕ ናይ ዘተን ልዝብን ርኽክባት ዝተኻየደ ምህላዉን ገና ክካየድ ምዃኑን እውን ሓቢሩ። ሓባራዊ ስራሓት ኣብ ምርግጋጽ ብላዕለዎት መራሕቲ ጥራሕ ዘይኮነ ቦታውያን ሰረታት ዝተፈላለየ ሓይልታት ዝደፍእዎ ዘለዉን፡ ድሮ እውን ኣብ ጀርመን ናይ 14 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣባላት ብሓደ ንኽሰርሑ ምስምምዖም ብኣብነት ዘኪሩ።

ቀጺሉ፡ ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ዝተረጋገጸ ለውጢ ኩልና ክንኸታተሎ ዝጸናሕና ኮይኑ፣ እቲ ለውጢ ብህዝባዊ ናዕብን ምልዕዓልን እዩ ናይ ስርዓታት ለውጢ ተረጋጊጹ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ደገር ዝነብር ህዝቢ ብሓባርን ብሓደ ድምጽን ስለዝተበገሰሉ ድማዩ ተዓዊቱ። እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ድማ ልክዕ ከምኡ ክኸውን ስለዘለዎ ኣሰሮም ክንክተል ይግባእ።

ካብዚ ወጻኢ ህልዊ ኲነታት ኤርትራ ናብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተሳዕረ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ዝጠለመ  ኣህጉራዊ መጋባእያ ዝመልስ ወስታታን፡ ናይ ይግባኣና እዩ ሕቶን ኣብዝቀላቐለሉ እዋን ንኽትኣቱ፣ ኢሳያስ ሓንቲ ድኽምትን፡ ነብሳ ዘይትኽእልን ሃገር ኮይና ንክትረኤ ሰሪሑ እዩ፣ ብኣንጻሩ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ልኡላውነት ኤርትራ ንምዕቃብ ደው ኢልና ክንምክትን ቃልና ከነስምን ከምዝግባኣናውን ብጻይ ተስፋይ ገሊጹ።

ነዚ ኣብ ምዕዋት ድማ ምስ ኩሎም ንልኡላውነት ኤርትራ ዝኣምኑ፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮነ መንግስታት ዝምድናታትና ከነበርኽን ክንፈጥርን ከምዝግባእ’ውን ኣመልኪቱ።

Meeting 08.03.2020 4

ድሕሪ ዝቐረበ መብርሂ ኣገዳሲ ክትዓትን ሓጋዚ ርእይቶታት ብምቅራብ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንኣባላት ኣብ ምእላይ ዝጸሔ ሕጽረታት ሰልፍን ሕድሕድ ናይዘይምቅብባል መንፈስን እንዳተጠቅሰ፡ ናይ ቃልሲ ሕድሪ ዝገደፈ ኣባል ከምዘየለ ብምርግጋጽ፡ ካብ ዕለተ ኣኼባ ንዳሓር ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ሰልፊ ተሳትፎታቶም ንኸበርኹ፣ “ንሕና ኣብ ጎንኹም ኣለና፡ ኣስርሑና፡ ክሳብ ክትልኡኹናን ሂይወት ዘሕትት ነገራት እንተልዩ እውን ክንፍጽም ድሉዋት ኣለና”፡ ዝብል መንፈስ ናይ ቃልስን፡ ንሓባራዊ ስራሓት ዝሕግዝ ኣገዳሲ ለበዋታትን ርእይቶታትን ኣኼባ ተደምዲሙ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ብኣቦ መንበር ዝተላኣከ መጸዋዕታ ዝበጽሖም፡ ግን ካኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ኣኼባ ክርከቡ ዘይካኣሉን ውጻኢት ኣኼባ ክንቅበል ድሉዋት ኢና ክብሉ ናይ ዝሓበሩ ብጾት ኣስማትን  እውን ብዝርዝር ተጠቂሱ ምንባሩ ክዝከር ይካኣል።

Last modified on Wednesday, 11 March 2020 22:56