ሓበሬታ፡ ካብ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይሩስ ንምድሓን ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐ

2020-03-14 16:23:59 Written by  ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰ.ደ.ህ.ኤ Published in EPDP News Read 2491 times

Current Information about Coronavirus

ሓበሬታ፡ ካብ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይሩስ ንምድሓን ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐ

ካብ ወርሒ ለካቲት 2020 ጀሚሩ ዝተፈልጠ ተላባዒ ሕማም ኮሮናቫይሩስ፣ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ (14 መጋቢት 2020) ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ምሉእ ዓለም ተለኺፎም ይርከቡ። እዚ ብዘይርአን ዘይስማዕን ደረት-ዶብ ዘይክልክሎ ዝለክፍ ድቀ-ፍጥረት (ቫይሩስ) እንተዘይ ተኸላኺልካዮ ንህዝቢ ዓለም ከጥፍእ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዝፍራሕ ስለዝዀነ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ተላባዒ ሕማም “ኣህጉራዊ ፓንደሚክ” ሰምይዎ ኣሎ። ድሮ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ኣብያተ ትምህርትን ናይ መዘናግዒ ንግዳዊ ከባብታትን ተዓጽዩ መገሻ ብህዝባዊ መጐዓዝያታት (ብነፋሪት፣ መርከብ፣ ኣውቶቡሳትን ወዘተ) ብኣዋጅ ክኽልከል ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ንማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወት ህዝብን ሃገርን ብኸቢድ ዝጐድእ ኰይኑ’ሎ። ቁጠባዊ ዕብየት ድሕሪ ጥዕና ማሕበረ-ሰብ ስለዝስራዕ፣ ድሕነትን ጥዕናን ህዝቢ ምስተረጋገጸ፣ ቁጠባ ናብ ቦትኡ ክምለስ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

መራሕቲ፣ ሓለፍትን ኣካየድትን ትካላት ናይ ብዙሓት ሃገራት፣ ንምምሕዳራዊ ዕማማቶም ኣወንዚፎም፣ ብቐዳምነት ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሓበሬታ፣ ምንቕቓሕን መምርሕታትን ምሃብ ኣትኵሮም ክነጥፉ ይርከቡ። እዚ ንዓና ከም ኤርትራውያን ብቐጥታ ስለዝምልከተና ቀዳምነት ሂብና ክንነጥፈሉ ዘሎና ምዃኑ ርዱእ ስለዝዀነ በብእዋኑ ዝምዕብል ኵነታት፣ በቲ ዘሎና መራኸቢ መስኖ፣ ሓበሬታን ምኽርን ከነመሓላልፍ የድልየና።

ብማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንድሕነት ኣባላቱን ህዝብን በቲ ዝርድኦ ቋንቋ በብእዋኑ ንዝምዕብል ሓበሬታን መምርሕን ክህብ ተበግሶ ምውሳዱ እንዳሓበርና፣ ኣብዚ ዕማም’ዚ ብፍላይ እቶም ናይ ሕክምና ኣፍልጦን ሞያን ዘለኩም ሰባት ክትሳተፉ ንዕድም። 

ንመበገሲ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ነስፍር፡

- ኮሮናቫይሩስ ንሃገር ቺና ኣላቢዑ፣ ናብ ምሉእ ዓለም እናተዘርግሐ ምልባዕ ጀሚሩን ሓደጋኡ ይቕጽል ኣሎን

- ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ዘርእዮ ምልክታት፡ ምስዓል፣ ረስኒ፣ ሕጽረት ትንፋስ፣ ሕማም ርእስን ድኻምን ወዘተ ይኸውን። እቲ ሕማም ኮሮናቫይሩስ እንተዀይኑ ብመርመራ ክፍለጥ ዘለዎን ናይ ምድሓንን ንኻልኦት ንኸይልክም ምክልኻልን ዘድሊ ስጉምታት ብዝምልከቶም ናይ ሕክምና ሰበ ስልጣን ዝውሰድ እዩ፡

- ዝተጠቕሰ ምልክታት ናይ ካልእ ዓይነት ሕማም ክኸውን ስለዝኽእል ብመርመራ ምስተፈልጠ ንዕኡ ዝግባእ ክንክን ይግበረሉ።

- ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ሰብ ብዝግበረሉ ግቡእ ሕክምናዊ ምእላይ ክድሕን ዕድል ስለዘለዎ፣ ክስንብድ የብሉን

ኮሮናቫይሩስ ብኸመይ ይለክፍ፡

- ኮሮናቫይሩስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እዩ ዝመሓላለፍ። ዝተለኽፈ ሰብ ጥቓ ዘይተለኽፈ እንተቐሪቡ/ቀሪባ

- ኮረናቫይሩስ ኣብ ኣየር ተጸይሩ (air born) ኣይኰነን ዝጐዓዝ። ግን እቲ ዝሓመመ ሰብ ምስ ዝስዕል ወይ እንጥሾው ምስ ዝብል፣ ምስቲ ንሱ ዝሰዶ ምራቕ (droplets) ተጸይሩ ይጐዓዝ። ከቢድ ብምዃኑ ርሕቕ እንተኢልካ ኣብ ክንዲ ናባኻ ናብ መሬት ወይ ካልእ ይዓልብ። ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ምስ ዓለበ፣ ኣብኡ ክሳብ 5-10 መዓልታት ከይሞተ ክጸንሕ ይኽእል። እቲ ጥዑይ ሰብ ነቲ ዓሊቡሉ ዘሎ ኣቕሓ ብኢዱ ምስ ዝትንክፍ ናብኡ ይሓልፍ እሞ ዓይኑ ወይ ኣፉ ወይ ኣፍንጭኡ ምስ ዝሕዝ እቲ ቫይሩስ ኣትዩ ክለክፍ ይኽእል።

- እቲ ቫይሩስ ብቖርበት ኣይኣቱን እዩ። ብኣፍ፣ ዓይኒ ወይ ኣፍንጫ እዩ ዝኣቱ።

- ኣብ ባህልና ድሕሪ ገለ እዋን ዝተራኸቡ ሰባት ሓቝፍካ ኣብ ምዕጕርቲ ምስዓም ዝውቱር’ዩ፡ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ከምኡ ምቕጻል ክትልከፍ ምዃንካ/ኪ ምርዳእ ስለ ዘድሊ ብናይ ማዕዶ ሰላም ክትካእ ኣለዎ

- ምስዝተለኽፈ ሰብ ናይ ኢድ ምጭብባጥ ሰላምታ ድሕሪ ምግባር፣ እታ ዝተለኽፈት ኢድ ንኣፍ፣ ኣፍንጫ ወይ ዓይኒ እንተ ተንኪፋ፣ ኮሮናቫይሩስ ናብ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣትዩ ናብ ደም ብምሕዋስ መጥቃዕቱ ይቕጽል

- ብኮሮናቫይሩስ ዝሓመመ ሰብ፣ ብኢዱ ዝተንከፎ ንቑጽ ገጽ ጣውላ፣ ማዕጾ፣ ኩርሲ ከምኡ’ውን ካብ ኣፉ ይኹን ኣፍንጭኡ ዝወጽእ ፈሳሲ ዝሓደጎ፣ ብገርሂ ዝተንከፈ ሰብ እሞ ከይተሓጽበ ገጹ እንተደሪዙ ይልከፍ።

ከይንልከፍ ክንገብሮ ዘሎና ጥንቃቐን ምክልኻልን፡

- ቅድሚ ገጽና፣ ኣፍንጫና፣ ኣፍናን ዓይንናን ምትንካፍ ኣእዳውና ብሳምና ምሕጻብ፤

- ናይ ኢድ ሳኒታይዘር ንባክተርያ ስለ ዝቐትልን ብኣኦም ንዝተሓላለፍ ሕማም ስለዝከላኸልን ምጥቃም

- ነብስናን ከባቢናን ካብዚ ሕማም’ዚ ናጻ ክኸውን ብንቕሓት ምክትታል

- ብናይ ወጻኢ ቋንቋታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውሃብ ሓበሬታ ክርድኡ ዘይክእሉ ቖልዑን ነቶም ብዘይካ ናይ ኣደ-ቋንቋኦም ካልእ ዘይርድኡ ኤርትራውያንን፣ ክርድኡን ምእንቲ ነብሶም ክከላኸሉን ናይ ምሕባሮም ሕልናዊ ሓላፍነት ክንወስድ የድሊ

- ብኮሮናቫይሩስ ዝተለኽፈ ኣባል ስድራ ወይ መሳርሕቲ ንኻልኦት ንኸይልክም ኣብ በይኑ ካብ ሰብ ርሒቑ ዝሕከመሉ ፍሉይ ቦታ ምሓዝ

ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰ.ደ.ህ.ኤ

Last modified on Saturday, 14 March 2020 17:37