ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምሉእ ኣባላት ኣኽኤባ ኣካይዱ

2019-12-02 03:35:59 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 2345 times

ቀዳም ዕለት 30 ሕዳር ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምሉእ ኣባላት ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ስፍሓት ኣባላትን፡ ገለ ካብ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን፡ ገለ ካብ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳታት ተዛቲዩን ወሲኑን፤

1. ህልው ኵነታት፣ ኣቦ መንበር ሰልፊ ንህልዊ ኵነታት ሰልፍን፡ ከኣባዊ ርክባት ምስ ደለይቲ ፍትሒ ፖለቲካውያን ውድባትን ብሰፊሕ ገሊጹ። ኣስዒቡውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝተጋበኤ ናይ ዓለም-ለኻዊ ምሕዝነት ገስገስቲ ማሕበራት (Progressive Alliance) ኣኼባ ከም መስራቲ ሰልፊ ከምዝተኻፈለ ሓቢሩ። ከምኡውን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝጋባእ ናይ ሃገር ጀርመን ሶሻል ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ (German Social Democratic Party) ብውክልነት ክሳተፍ ምዃኑ ሓቢሩ።

2. ጉባኤ ዞባ፣ ብመሰረት ሳልሳይን ሓባራውን ጉባኤ፡ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝወሰኖ ንምትግባር ዝተጀመረ ናይ ጨንፈራት ጉባኤ ክምዝተዛዘመ ተገንዚቡ። ናይ ዞባ ጉባኤ ንምትግባር ከኣ ኣኼበኛ ኣድላዪ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።

3. ገንዘባውን ሚድያን፣ ኣኼበኛ ንሰልፊ ንምሕያል ኣብ ገንዘባውን ሚድያን ኣድለይቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።

4.  ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ኣኼበኛ ንህዝባዊ ምቅስቓስ ይኣክል ከምዝድግፍን፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከተማ ኣባል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኮይኑ ንጨፍላቒ ስርዓት ዕምሩ ንምሕጻር ከምዝንቀሳቓስ ኣንጺሩ።

 

ክንዕወት ኢና!

ቤት-ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

1 ታሕሳስ 2019

 

Last modified on Monday, 02 December 2019 23:57