ቅንያት ዶብ ኤርትራን ሱዳንን

2018-01-07 11:27:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4302 times

ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን እቲ ሓጐጽጐጽ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ ካብ 3 ጥሪ 2018 ጀሚሩ ግና ኣብ ደረጃ ምዕጻው ዘብጸሓ ቅልጡፍ ምቅይያራት የርኢ ከምዘሎ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይዕዘብዎ ብዘለዉ ምኝጭታትናን  ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜናን  ተረጋጊጹ ኣሎ። ነቲ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ብወግዒ  ዝወሰደን ዝገለጸን መንግስቲ ሱዳን ኮይኑ መንግስቲ ኤርትራ ግና ብሰንክቲ ትዕቢተኛን ዘይግሉጽነትን ባህሪኡ ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ንህዝቢ ዝገለጾ ወግዓዊ ነገር የለን። እቶም ምንጭታትን ማዕከናት ዜናን ከም ዝገለጽዎ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ዶብ ክልቲአን ሃገራት “ሓይልታት ህጹጽ ሓገዝ (ቅዋት ኣልድዓም ኣልሰሪዕ)” ብዝበሃል ኣካል ሰራዊቱ ዓጽይዎ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ነዚ ስጉምቲ ምስቲ ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘውጽእዎ ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣብ ግዝኣታት ኩርዶፋንን ከሰላን የዛምድዎ ኣለዉ።

ናይቲ ምዕጻው ጭብጥን ትሕዝቶን ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ትርጉም ዝህብዎ ኮይኑ፡ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍንው ናይ ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስን ዘይሕጋዊ ናይ ሰባት ምስግጋርን ዝኽልክል ኮይኑ፡ ካብ ናብን ዝሰጋገር ንብረት እውን ዝኽልክል እዩ። ብሕጋዊ ኣገባብን ዝተመርጹ ውሱናት ኣፍደገታትን ብጥንቃቐ ብዝተሓዝ ሕጋዊ ኣገባብን ናይ ሰባት ምንቅስቓስ ግና ዝኽልክል ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናይቲ መንገስቲ ሰለይትን ንጸጥተኦም ዘስግኡን ከምኡ እውን ብህግደፍ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ዝበልዎም ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን ክኣስሩ ጀሚሮም ምህላዎም ይንገር ኣሎ።

ናብዚ ደረጃዚ ዘብጽሑ ምኽንያታ ብዝምልከት እቲ ዝበሃል ብዙሕ ኮይኑ፡ ካብቲ ጠንቅታት መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዘይሕጋዊ ዕዳጋ (ኮንትሮባንድ) ላዕለዎት ሓለፍቱ ዘዘውትርዎ ዘይሕጋዊ ናይ ሰባት ምስግጋር ንግድን ሓደ ምዃኑ ይገልጹ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኤርትራ ዘለዉን በቲ መንግስቲ ዝሕገዙን ተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን እውን ካልእ ጠንቂ እዮም። ብዘይካዚ ነዚ ጉዳይ ምስቲ ኣብዚ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ዘተኣሳስርዎ ኣለዉ። ከምቲ ኣብ ምብራቓዊ ቆላ ኤርትራ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብበዓልል ዓረብ ኢማራት ዝረአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ’ውን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ማዕጢርን ሞልቤርን ናይ ግብጺ ወተሃደራዊ ክኢላታት ጽዑቕ ምንቅስቓሳት የካይዱ ምህላዎም ካብቲ ጠንቅታት ሓደ እዩ። እዞም ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ ወተሃደራዊ ክኢላታት ግብጺ፡ ንናይ ዳርፎር ተቓወምቲ ሓዊስካ መንግስቲ ኤርትራ ዝሕግዞም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስታት ተቓወምቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይህቡ ምህላዎም እውን ካልእ ምኽንያት እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ግብጺ ንኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ጥራይ ዘይኮነ ናይ ዘመናዊ ኣጽዋር ሓገዛት ትገብር ከምዘላን እዚ ናብ ዶብ ሱዳን ቀረባ ኣብ ዝኾነ ቦታታት ኤርትራ ይረአ ከም ዘሎን ዝተዕዘቡ ወገናት ይሕብሩ ኣለዉ። ሱዳንን ግብጽን ብሰንኪ ኣብ መንጎአን ዘሎ ናይ ሓላይብ ናይ ዶብ ጉዳይን ኣጠቓቕማ ሩባ ኒልን ክዓቢ ዝጸንሐ ጸገም ከም ዘለወን ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ምስሕሓብ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ግብጺ ምውጋኑን ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ምስላፋን ከኣ ንሱዳንን ኤርትራን ካብ ዘሰሓሕብ ምኽንያታ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ እምበኣር እቲ ዶባት ምስ ሱዳን ምዕጻዉ ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ቀረባት ኤርትራ ከስዕቦ ዝኽል ተጽዕኖን ናይ ዜጋታት ምምዝባልን ሓደ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኮይኑ ንኤርትራ ዓውዲ ውግእ ናይ ምግባራ ሓደጋ ስለ ዝህልዎ ህዝቢ ኤርትራ ከሎ ጌና ክነቕሓሉ ዝግበኦ እዩ።

Last modified on Sunday, 07 January 2018 12:30