ሰዲህኤ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እንዳበረኸ ይኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ምስሕሓባትን ወጥርታትን ሻቕለቱ ገሊጹ

2018-01-08 18:14:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2884 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ8 ጥሪ 2018 ነቲ ኣብ ክልቲኡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እንዳዓርገ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ውግእ ደበና ብዝምልከት ዝሓደሮ ሻቕሎት ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ናይዚ ከባቢ መንግስታት ነቲ ኣብኣተን  ዝኽፈት ናይ ግዳም ወተሃደራዊ መደበራት ክዓጽዋን ካብቲ ንመሰረታዊ ረብሓታት ናይ ህዝበን ዘየዕቁብ ምትእኽኻባት ክወጻን ጸዊዑ።

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብቲ ሰፊሕ ድሕረ ባይታ ናይቲ  ምስሕሓባትን ወጥርን ዝዳህሰሰ መግለጺኡ ዝምልከቶም ኣካላት ንፍልልያትን ምስሕሓባትን ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራይ ክፈትሕዎ ጸዊዑ። 

 

እቲ መግለጺ ሰዲህኤ ንህዝቢ እዚ ዞባ ንነዊሕ ግዜ ግዳይ ክገብርዎ ዝጸንሑ፡ ዘይቅኑዕ ምምሕዳር፡ ወግኣትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ብሓፈሻ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኤርትራ ብምትኳር፡ ብሰንክቲ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ሰንሰለታዊ ውግኣት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝሓለፈ 26 ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተኻየዱ ሰለስተ ውግኣት ዘውረድዎ ጉድኣት’ውን ሓቢሩ።

 

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራውያን፡ ዞባውን ዓለም ለኻውን ረቛሕታት ንመጻኢ ኩነታት ኤርትራ ከም ዝጸልዉዎ ከስተውዕሉ ከም ዝግበኦም ኣተሓሳሲቡ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ዓብይ ስእሊ ናይ’ቲ ጸገም ከድህቡን ነቲ ናይ ሓባር ብደሆታት ብሓባራዊ ዓቕሚ ክገጥሞዎን ከም ዝግባእን ኣገንዚቡ።

Last modified on Monday, 08 January 2018 19:24