ኤርትራን ሱዳንን፡ እንደጋና ኣብ ዝርዝር ጥሓሰቲ ሃይማኖታዊ ነጻነት ሰፊረን

2018-01-06 06:57:46 Written by  ዓብደልራሕማን ኣልፋ ሻባን (ሮይተር) Published in EPDP News Read 3099 times

ኤርትራን ሱዳንን ካብ ኣፍሪቃ ብሑቡራት መንግስታት ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ነጻነት ሃይማኖት፡ ብዘዘውትረኦ ጥሕሰት ሃይማኖታዊ ነጻነት እንደጋና  ኣብ ፍሉይ ዘሻቕል ዝርዝር ዝሰፈራ ሃገራት ኮይነን።

ብጠቕላላ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብዚ ናይ ሃይማኖታዊ ነጻነት ጥሕሰት ዝርዝር ዝኣተወ ሃገራት 10 እየን። ብዘይካዘን ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ (ኤርትራን ሱዳንን) ካብተን  ካለኦት ኣብቲ ዝርዝር ዝሰፈራ ቻይና፡ ከምኡ’ውን ኢራን፡ ሚያማርን ሰሜን ኮርያን ይርከበአን።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዝርዝር ንምጥቃስ፡ ታጃኪስታን፡ ቱርክመኒስታን፡ ኡዝበኪስታንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዓባይ ናይ ንግዲ መሻርኽቲ ሳዑዲ ዓረብን  ኣብቲ ዝርዝር ኣለዋ። እዘን 10 ሃገራት እንደጋና ኣብቲ ዝርዝር ዝሰፈራ ኣብ ዝሓለፈ 22 ታሕሳስ ክኸውን እንከሎ፡ ፓኪስታ’ውን ብፍሉ ኣብ ናይ ምክትታል ዝርዝር ተታሒዛ ከምዘላ እቲ ሓጺር ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “ ምዕቃብ ሃይማኖታዊ ነጻነት፡ ንሰላም፡ ምርግጋእን ብልጽግናን መሰረታዊ ተደላዪ እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ። ኣስዒቡ ድማ ናይዚ ዝርዝር ምውጻእ፡ እተን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት ሃይማኖታዊ ነጻነት ንከኽብራ ንምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኤርትራ ሃይማኖት ብሰፊሕ ዝዝውተረላ ሃገር’ኳ እንተኾነ፡ እቲ መንግስቲ ግና ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ብዘይፍርዲ ኣሲሩ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር፡ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ መስርሕ ትምህርቶም ምስ ኣተወን ሓለፍቶም ምስ ኣሰረን ተመሃሮ እስላማዊ ትምህርቲ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም። ነዚ ናይ መንግስቲ ኢድ ኣእታውነትን ተቓውሞ ተመሃሮን ስዒቡ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ዛዕባታት ይለዓሉ ኣለዉ።.

ሱዳን ብወገና ብሓፈሻ ኣንጻር ሃይማኖት ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ምስልምና ዘይኮኑ ሃይማኖታዊ ጸቕጢ ከም እትገብር ከም ሕሱም ክትከሰ ዝጸንሐት ሃገር እያ። ንነጻነት ደቡብ ሱዳን ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ጠንቅታት ሃይማኖታዊ ነጻነት ዝምልከት ጉዳያት ሓደ እዩ። ሰሜናዊ ክፋል ናይ ሱዳን ብዓብላልነት ሃይማኖት ምስልምና ኮይኑ፡ ኣብ ደቡብ ከኣ ክርስትና ኣሎ።

ትርጉም /ጽ ዜና ሰዲህኤ

Last modified on Saturday, 06 January 2018 08:09