ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ዋሕዲ መድሃኒት የጋድድ

2017-07-21 18:55:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3137 times

ኣብ ኤርትራ ብገበርቲ ሰናይ ዝተለገሰ መድሃኒት ብሰንኪ ኣብ ግዜኡ ኣብ መዓላ ዘይምውዓሉ ከም ዝበላሾ ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ወገናት ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት ሓደ ጀርመናዊ ገባር ሰናይ ማሕበር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዋሕዲ መድሃኒት ኣብ ምቅላል ክሕግዝ ዘውፈዮ 60 ሺሕ ዩሮ ዝዋግኡ መድሃኒት ካብ ጀርመን ብኮንተነራት ተጓዒዙ ኣብ ወደባዊት ከተም ምጽዋዕ ምስ በጽሕ ዝግደሰሉ ስኢኑ ኣብ ኣገልግሎት ከይወዓለ ነዊሕ ግዜ ከም ዝጸንሐ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ መድሃኒት ብሰንኪ ጸሓይን ንፋስን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምስኮነ፡ ናብ ከተማ ኣስመራ ከም ዝተጓዕዘ እዞም ምጭታት ገሊጾም። እቶም ምንጭታት፡ ገበርቲ ሰናይ ጀርመናውያን ብተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተቖጥዑ ብምጥቃስ ብ21 ጉንበት 2017 ኣብ ጋዜጣ ዝጸሓፍዎ ኣንቢቦም ከም ዝገለጽዎ እዚ ብገበርቲ ሰናይ ዝተለገሰ መድሃኒት ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብንኪ ዋሕዲ መድሃኒትን ስእነት ሕክምናን ዝሳቐየሉ ዘሎ ግዜ ከምዚ ዓይነት ዘይተገዳስነት ምግጣሙ ጉጅለ ህግደፍ ብህዝቢ ዘሽካዕልል ምዃኑ ዘመልክት መረጋገጺ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ እውን ብሕማም ዝሳቐዩ ኤርትራውያን መድሃኒት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ መጥባሕቲ ሓይሊ መብራህቲ ስለ ዘይርከብ ብግሎም ጀነሬተር ከቕርቡ ኣብ ዝግደድሉ ሃለዋት ምህላዎም ምጥቃስና ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 21 July 2017 21:00