ሰዲህኤ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ዊኒፐግ፡ ካናዳ፡ ኣካይዱ

2017-07-16 13:24:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3821 times

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብቀዳም ዕለት 15 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ዊኒፐግ፡ ካናዳ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

 

Winniepegpublic150717 2

 

ብቐዳምነት፡ ሓው ናይዝጊ ባህላይ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ዊኒፐግ፡ ንኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ሰማእታት ከፊትዎ። ኣስዒቡ ድማ፡ ንኣኼበኛታትን ንመራሕቲ ኣኼባን ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓው መንግስተብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድሕሪ ምግላጽ ድማ፡ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣመሓላሊፍዎ።

 

Winniepegpublic150717 3

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ንሰዲህኤ ምስ ኣኼበኛታት ድሕሪ ምልላይ፡ ብሰልፊ ዝካየዱ ዓበይቲ ንጥፈታት ሓጺር መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ሰዲህኤ፡ መስራቲ ኣባል ናይ’ቲ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ሰልፍታት ዝኣባላቱ ገስጋሲ ምሕዝነት ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን፡ ምስ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለም፡ ምስ ኣህጕራዊ ትካላትን ብኣካል ብምርኻብን ብመዘክራትን ኣቢሉ ንሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ምስ ወጻእተኛታት ንምፍላጥ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ከምዝገብር ኣረዲኡ።

 

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ድማ፡ ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ካብ 600-800 ዝዀኑ ህጻናት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ናይ ምክያድ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪሙ ይጓዓዝ ምህላዉ ኣረዲኡ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ኣሰን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዝተባህሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ከምዘካይዶ ድማ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ እግሪ ኣብ ምትካል፡ ሆላንዳውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ነፍስሄር ኣባ ማሪኖን ምሕዝነት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን ዝተጻወትዎ ተራ ዘኪሩ።

 

Winniepegpublic150717 5

 

ኣስዒቡ ብመደብ ናይ ርሑቕ ወላዲ ዝጽዋዕ፡ ንዓቕሚ ዘይብሎም ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከምመጕዚት ወይ ወለዲ ኰይኖም ዝሕግዝዎምን ዘምህርዎምን ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ውልቀሰባት ብምውዳድ ዝካየድ ንጥፈታት ከምዘሎ ሓቢሩ።

 

ብመዳይ ህዝባዊ ዕዮ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ብደረጃ ጨናፍርን ዞባታትን ዝተሰርዑ ኣባላት ምህላዎምን፡ ኣብ ዜናዊ መዳይ ዝጥቀመሎም መሳለጢታትን ዝጻወትዎ ንህዝቢ ናይ ምጕስጓስን ምጥርናፍን ስርሓት ብዝርዝር ሓቢሩ።

 

ኣስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ከተማታት ኦክላንድ፡ ሳንዲየጎ፡ ቺካጎን ስያትልን ዘቕረቦ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝምልከት እማመ ብሰፊሑ ንኣኼበኛታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ናይ ሕቶን መልስን ርእይቶን ምሃብ መድረኽ ተኸፊቱ።

 

Winniepegpublic150717 4

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድማ ተሓባቢሮም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስታትን ሂቦምን ካብ ህዝቢ ዝቐረበሎም ለበዋታትን ርእይቶታትን ድማ ሰሚዖም።

 

ኣኼበኛታት እውን ብዝተዋህቦም መግለጺታት ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም፤ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ብቐጻልነት ክካየድ ድማ ተላብዮም።

 

ብ13 ሓምለ 2017 ከኣ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን፡ ኣብ ከተማ ሳስካቱን ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ሃለዋት ህዝብናን ደምበ ተቓውሞናን ዓሚቝን ጠቓምን ዝዀነ ምይይጣት ኣካይዶም ኢዮም።

Last modified on Sunday, 16 July 2017 15:46