ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣኼባ ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣካይዱ
2017-07-14 01:03:40 Written by Information Office in North America Published in EPDP News Read 4435 timesሰንበት 9 ሓምለ 2017 ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ሰሜን ኣሜሪካ ብቴለ-ኮንፈረንስ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ቀዳም 8 ሓምለ ኣብ ስያትል ዘካየዶ ዕዉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰልፊ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ተበጺሑ ዘሎ ምዕብልናታት ብዘርዝር ድሕሪ ምብራህ ምቛም ናይ ትሽዓተ ዝኣባላታ ናብ ህጹጹ ጉባኤ ዞባ እተብጽሕ ሽማግለ ሓቢሩ። ካብ ኣባላት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ንጹርን ኣዕጋቢን መልስታት ሂቡሉ።
ኣስናዳኢት ሽማግለ ብወገና ሰኑይ 10 ሓምለ ፈላሚ ኣኼባኣ ብምክያድ ነብሳ ኣብ ሰለስተ ሽማግለታት ብኸምዚ ዝስዕብ ሰሪዓ።
1) ናይ ዉደባን ጎሽጓሽን
2) ናይ ዜናን ዲፕሎማሲን
3) ናይ ማሕበራውን ቁጠባውን
ንኡሳን ሽማግለታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ንምድንፋዕን ተራኡ ንምዕዛዝን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ይርከባ።
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
12 ሓምለ 2017