ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዝነውሐ ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ንምክያድ ካብ ተዳልዩሉ ዘሎ ከተማታት፣ ናይ መጀመርያ ኣኼብኡ ኣብ በይ-አርያ፣ ከተማ ኦክላንድ ብ17 ሰነ 2017 ዕዉት ሰሚናር ኣካይዱ።