ሰዲህኤ፡ ናይ 1950 ጥልመት ብምዝካር ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳኡ ክሕዞ ጸዊዑ

2016-10-07 20:50:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3981 times

ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ኣብ ጠቕላላ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናብ 3ይ ኮሚተ ኣብ ነውዮርክ ህጹጽ መዘክር ኣቕሪቡ። ኣብዚ ህጹጽ መዘክሩ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት፡ መርማሪት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ዝገበረቶ፡ ናብቲ ኣኼባ ናይ ቃል ጸብጻባ ከይተቕርብ ዝኽልክለሉ ርትዓዊ ምኽንያት ከምዘየለ ገሊጹ።

ህኤ ብ4 ጥቅምቲ 2016 ብኣድራሻ ናብተን ኣብ መበል 71 ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ናይ ዝምልከታ ኮሚተ ኣደ መንበ ክብርቲ ወ/ሮ ማሪያ ኢማ መጂያ እዩ መዘክሩ ልኢኹ። ኣብዚ መልእኽቱ እቲ  ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ገበን ሰብኣዊ መሰል ከም ዝተፈጸመ በቲ መርማሪ ኣካል ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ናብዚ ጉባአ ከም ዘይቀርብ ምስ ሰምዐ ከም ዝሰንበደ ገሊጹ።

እዚ ብኣኽብሮት፡ ብስም  ደለይቲ ፍትሕን ካብዚ ጠቕላላ ኣኼባ በቲ ብመርማሪት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝቕረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ቅኑዕ ስጉምቲ ዝጽበዩን ኤርትራውያን ዝቐረበ ምዃኑ ኣብቲ መዘክር ተጠቒሱ ኣሎ። ናይዛ መርማሪት ኮሚተ ስራሕ፡ ከምቲ ናይ ሰሜን ኮርያ ተመኩሮ፡ ቅድሚ ጸብጻባ ናብ ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ምቕራቡ ከም ዘይውዳእ እቲ መዘክር ጠቒሱ።

 “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ነዚ ኣኼባ ንጹር ስለ ዝኾነ፡ እዚ መዘክር ብዛዕባቲ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት ኣብ ኤርትራ ከብርህ ብዙሕ ዝብሎ የብሉን። ሰደህኤ ነዚ ዝጽሕፍ ዘሎ፡ መበል 71 ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት፡ ንኤርትራውያን ነቲ ኣብ 1950 ዝተኻየደ 5ይ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ከየዘክሮም ንምዝኽኻር እዩ” ዝብል ሓሳብ ተጠቒሱ ኣሎ።

እዚ ናይ ሰህኤ ጥርዓን ብምቕጻል ነቲ እቶም ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ዝነበሩ ጆን ፎስተር ዳላስ ድሕሪ እቲ ዘሕፍር ውሳነ ፈደረሽን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ2 ታሕሳስ 1950፡ እዚ ውሳነ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተዋህበ ዘይኮነስ “ንስትራተጅያዊ ረብሓ ካለኦት’ዩ” ዝበልዎ’ውን ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብቲ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ናብቲ ጠቕላላ ኣኼባ ናይ ቃል ጸብጻብ ከተቕርብ ተስፋ ዝግበረሉ 27 ጥቅምቲ 2016 ንደገፋ ኣብ ነውዮርክ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ይቀራረቡ ኣለዉ።

Last modified on Friday, 07 October 2016 23:00