ሰሚናር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨናፍር ስካንዲናቭያን
2017-03-16 08:33:03 Written by ወኪል ዜና ሰ.ዲ.ህ.ኤ.ስቶኮልም Published in EPDP News Read 2563 timesብዕለት 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም.ፈ. ብተሳታፍነት ምሉኣት ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ነብርቲ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፍሉይ ሰሚናር ኣብ ከተማ ስቶኮልም ሽወደን ኣብ ትሕቲ ስጡም ዉሽጣዊ ዓወት ቃልስና!!! ዝብል መርሕ ጭርሖ ኣዝዩ ዕምቆት ዝሓዘ ሰሚናር ኣካይዶም።
ኣብዚ ኣገዳሲ ፍሉይ ሰሚናር ናይ ኣባላት ሰልፊ መግለጺ ዝሃበ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን ኣባል ፈጽሚት ሽማገለ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ነበረ። ሓው ረዘነ ተ/ጽዮን ብኣዝዩ ንጹርን፡ ቅኑዕን ርትዓውነትን ዝተሰነየ መደረ ንሓደ ሰዓት ዝወሰደ መሳጥን፡ ተንካፊ ስምዒታትን፡ መሃርን መዓዲን መግለጺ ኣቕሪቡ። ስዒቡ ከኣ ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብ ዝቐረበ መግለጺ ተመርኲሶምን ንእዋናዊ ሃለዋት ሰልፍን ደምበ ተቋሞንተንኪፎም ንዳርጋ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደኣብነብሰ ምፍታሽ ዝተመርኮሰ ሙዉቅ ክትዕን ክፉት ናይ ርእይቶታትን ሓሳባትን ምልውዋጥ ኣብ ምስልሳል፡ ጽዑቅ ልዝብን ብምክያድ ከኣ፡ ብዕግበት ን ዉህደትን ወጺኡ። ተሳተፍቲ ሰሚናር እቲ ዝለዓለ ሓጋጊ ኣካል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ፤ ንሓድነትን ዕቤትን ሰልፊ ዝወሰዶ ኣገባብ ኣድኒቆም ንትግባሬኡን ንምክልኻሉን ከኣ ዕጥቆም ክድርዑ ተሰማሚዖም ። ምስኡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመታዊ ርክብ ናይ ኣባላት ቀጻሊ ክኸውን ብሙሉእ ድምጺ ወሲኖም። ኣብ መደምደታ''ንክበኣሰካ ዝመጸ ሰብ ኣይበስን እየ፤ ኢልካ ግደፎ፡ ጸኒሑ መባእስቲ ሲኢኑ ባዕሉ ክገድፎ እዩ'' !!! ዝብሉ ብሩህ መልእኽቲ ሓዘል ምስላ ለባማት ኣቦታትና ኣሎና ብምባል ብድጋመ ስጡም ዉሽጣዊ ሓድነትና ዓወት ቃልስና!!! ጨሪሖም ብዝኽሪ ስዉኣት ሰሚናር ብሰላም ዛዚሞም።