ጨንፈር ኖርወይ ኣብ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ጨንፈርን ሰልፍን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዱ

2016-07-19 09:55:07 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 2432 times

ኣብ ጨንፈር ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ብ18 ሓምለ 2016 ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ብጻይ ነጋሲ ሓምደ ካብ ሽወደን ተንቀሳቂሱ ዝተረኽበሉን ከምኡውን ኣባል ፈጻሚይ ኣካል ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝዚ ዝተሳተፎን ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብቲ ንሊዕሊ 2 ሰዓታት ዝተኻየደ ኣኼባ መሪሕነት ጨንፈርን ብርክት ዝበሉ ኣብ ኦስሎ ዝቅመጡ ኣባላት ሰልፍን ተረኺቦም።

ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንኹሉ ተሳታፋይ ኣኼባ ብሓፈሻ ንብጻይ ነጋሲ ሓምደ ድማ ብፍላይ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ሰላምታ ድሕሪ ምቅዳም፣ ካብ ራብዓይ ጉባኤ ጨንፈር ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ህይወትን ጉዕዞን ጨንፈር ዘተኮረ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። ኣብ መብሪሂኡ ብጻይ ዳዊት ጨንፈር ንፖለቲካዊ ዕማማቱ የሰላስል እኳ እንተሃለወ፣ ዝረእ ጉድለታትን ድኽመታትን ከምዘሎውን ብምሕባር፣ ንምምሕያሹ ኩሉ ኣባል ጨንፈር ሓቢሩ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።

ብጸይቲ መብራት ብርሃነ፣ ኣደ መንበር ጨንፈር፣ ብወገና ኣብዚ ፖለቲካዊ ምንቅቃሕ ኣባላት ሰልፍናን ዜጋታትናን ኣብ ዘድልየሉ እዋን፣ ጨንፈር ካብ ዘለዎ ዝያዳ ሓዪሉ ክሰርሕን፣ ብጽሑፍ ኮነ ብኣኼባታት መልክዕ ጽዑቅ ናይ ምንቅቃሕ መደባት ከካይድ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲባ። ኣደ መንበር ጨንፈር ወሲኻ ምሕያልን ምድካምን ጨንፈር ኣብ መሪሕነቱ ጥራሕ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ ናብ ንጥፈትን ሓቢርካ ምስራሕን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝተመርኮሰ ምዃኑ ብምግንዛብ ኩሉ ኣባል ጨንፈር ብማዕረ ሓላፍነት ተሰኪሙ ክሰርሕን ናይ ምትሕብባርን ምምልላእን መንፈስ ክህሉን ጸዊዓ።

ተሓዝ ገንዘብ ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝግውን ብወገኑ፣ ምስ ተሪእዮ ምቅልቃል ንጅግንነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን ዘራኽስን ዘነኣእሰን ሓዲሽ ፖለቲካ፣ ጨንፈር ዝያዳ ሓዪሉ ክሰርሕን፣ ነዚ ግጉይ ፖለቲካዚ ህይወት ክህቦ ከምዘይብሉ ኣትሪሩ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ብጻይ ማሕደር እንኮ ቁጠባዊ ሕይሊ ሰልፊ ኣብ ወርሓዊ ውጽኢት ኣባላቱ ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጨንፈር ግቡኡ ከማልእ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

ኣባል መሪሕነት ዝኾነ ብጻይ ኢሰያስ ሓጎስውን ብወገኑ፣ ኣብ ተመኩሮ ህይወቱ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተመርኲሱ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሓገዝን ጎጓስን ዝድልዮም ከምዘለዉ ብምሕባር፣ ጨንፈር ዝከኣሎ ክገብር፣ ሰልፍውን ንኩነታቶም ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ ክቀርቦምን ናብ ቃልሲ ክዕድሞምን ከምዘለዎ ተላብዩ።

ኣስዒቡ ብጻይ ነጋሲ ሓምደ ጨንፈር ኖርወይ ብፖለቲካውን ምጣኔ ሃብታውን ንጥፈታቱ ሰልፊ ካብ ዝሕበነሎም ጨናፍር ሓደ ኮይኑ፣ ከምቲ መሪሕነት ጨንፈር ዘስመሩሉ ግን ዝያዳ ክሕይል ከምዘለዎ ተላዩ። ብጻይ ነጋሲ ብፍላይ ንኽልቲኡ ንጥፈታት ጨንፈ ማለት ፖለቲካውን ምጣኔ ሃብታውን ንጥፈታት ጨንፈር ምስ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፍን፣ ምስ ቁዋም ሰልፍን ኣዛሚዱ ብምርኣይ፣ ጨንፈር ናይ ስራሕን፣ ናብራን፣ ናይ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዕንቅፋታትኳ እንተሃለወ፣ ካብዞም ቀንዲ ሰነዳት ሰልፊ ግን ቡዝሕ ክንሕቅ ከምዘይብልና ኣተሓሳሲቡ።

ብኸምዚ ዓይነት ምሉእ ተሳትፎ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣኼበኛን ሃብታም ናይ እንካን ሃባን ዘተ ብዝሓዘ ኣገባብን ንኣስታት 2ተ ሰዓታት ዝቀጸለ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Tuesday, 19 July 2016 12:04