ኣብ ከተማ ጊስን - ጀርመን ሰላማዊ ሰልፊ ተካይዱ

2016-07-04 08:26:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2247 times

ብዕለት 02 ሓምለ 2016 ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ጀርመናውያን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጊስን ሃገረ ጀርመን ተኽይዱ። ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ብቐዳምነት ነቲ ብጻዕቂ ተቓውሞ ካብ ፍራንክፈርቲ ተባሪሩ ኣብ ጊስን ንግዝይኡ ዝቕጽል ዘሎ ብህግዲፍ ዝዳሎ  ፈስቲቫል ኤርትራ  ቅኑዕ ከምዘይኮነ ንህዝቢ ንምግላጽን፡ ተሳታፊ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ በዓላት ድማ ንነብሱ ኣገልጋሊ ሕሰምን ጭቆናን ንከይከውን ንምርኣይን ክኸውን ከሎ፡ ብኻልኣይ ሰላማዊ ሰልፊ ዝዓበየ መሳርሒ ኣብ ምቅልጣፍ ውድቀት ዲክታተርነት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብቶም ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ዝብሉ፡ ዝተፈልየ ራእይን ሓሳብን ዘለዎም ኣብ ቓልዕ ወጺኦም ብድፍረት ዝቃወም ዜጋታት ምህላዉ ንምርኣይን እዩ ነይሩ።

መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ እቶም ኣብ ሃገሮም ክማሃሩን ሰላማዊ ናብራን ትሕዳርን ክፍትኑ ዝግባኦም ዝነበረ  መንእሰያት ኰይኖም፡ ንሕና ንሰላም ኢና! ፍትሒ ይንገስ፣ ምልኪ ይፍረስ! ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑ! ውድቀት ንምልኪ፡ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ይቕረቡ! ዝብሉን ከምኦም ዝኣመሰሉን ጭርሖታት ብኣርባዕተ ቋንቋታት እዮም ከቃልሑ ውዒሎም።

እቲ ካብ ፍራንክፎርት ዝሃደመ ፈስቲቫል ህግዲፍ ሎምውን መህደሚ ካልእ ቦታ ክሳብ ዝረክብ ወይ ክሳብ ተሳዒሩ ዝገድፎ፡ መላእ ቀጽሪ ኣደራሽ ብመጋረጃ ሸፊኑ፡ ዝኣቱን ዝወጻን ንከይልለን፣ ነቶም ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝጽውዑ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ብዓይኑ ንኸይርእን ከም ዘይሰብ ጋሪደሞ ውዒሎም።  እዚ ድማ፡ እቲ ተቓውሞ ዝባህል የለን እንዳተባህለ ዝግለጽ ዝነበረ ፍሕሶ ከገልግል ስለዘይካኣለ፡ ጸኒሑ'ውን ዝተፈላለየ ናይ ክፍኣት ኣስማት ዝለብስ ዝነበረ፣ ሎሚ ኩሉ ምስምሳት ህግዲፍ ስለዝተቓልዐን ክሰርሕ ከምዘይክእል ስለዝተፈልጠን፡  ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብስ ብዘይካ ንሓሶታት ህግዲፍ ንካልኦት ዜጋታት ንኸይርእን ድምጾም  ንኸይሰምዕን ከም ጥሪት ኣብ መዳጐና ከውዕልዎ ክትርኢ እንከለኻ፡  ከምዚ ኸ ኣሎ ድዩ ዘየብል ኣይኮነን።  

Last modified on Monday, 04 July 2016 10:41