ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

2016-06-19 05:10:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2190 times

 

Memorialኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ነቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ባሕሪ ሚዲትራንያን ዝሃለቑ ኤርትራውያን ንምዝካር ብ18 ሰነ 2016 ምብራህ ጥዋፍን ኣኼባታትን ተኻይዱ። ኣብዚ ብኮሚተ ስደተኛታት ኣዲስ ኣበባ ዝተጸውዐ ናይ ዝኽሪ ኣኼባታት ስደተኛታት፡ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወሲኽካ ኣባላት ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ግዱሳት ኤርትራውያንን ተሳቲፎም።

 

ተሳተፍቲ ኣብዚ ኣኼባታት፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምምሕዳር ክሳብ ክንደይ ሕማቕ ምዃኑ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደትን ኣብ ጉዕዘኦም ዘጋጥሞም ዘሎ መቕዘፍትን  ናይዚ ሕማቕ ሃለዋት መርኣያ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ንሳቶም ኣተሓሒዞም ካብዚ ሕማቕ ኩነታት ንምውጻእ ብዘይካ ሓድነትካ ኣደልዲልካ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ጸገማት ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ምውጋድ ካልእ መተካእታ ከም ዘየለ ገሊጾም። ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝተገልጸ፡ እዚ ናይ ሕጂ ህልቂት ብብዝሒ ስለ ዝተፈጸመ ንዝክሮ ኣለና እምበር ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብ ምድረበዳታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ብኢድ ጨካናት ሰባትን ቀጻሊ ቀጻሊ ገሊጾም።

 

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ በደል ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ምስቲ ኤርትራ ክትሓልፎ ዝጸንሐት ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ተተሓሒዙ ክመጽእ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሕጂ እውን ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ግፍዒ መልክዑ ቀይሩ ምፍልላይ ብምፍጣር የተግብሮ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ንምቕያር እቲ ምርጫ ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ምዃኑ ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

 

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዝኽሪ ግዳያት ተሳተፍቲ ኣብቲ ኣብ 23 ሰነ 2016 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፊትንፊት ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኩሉ ፍትሕን ራህዋን ዝምነ ኤርትራዊ ክሳተፍ ጸዊዖም። ዕላማ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ መርማሪት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘውጸኣቶ ጸብጻብ ንምድጋፍ እዩ።

 

Parents of Eritrean man killed after being mistaken for terrorist, Suing Israel

 
Share on Facebook
Tweet on Twitter
 

JERUSALEM (HAN) June 17.2016. Public Diplomacy & Regional Security News. The parents of an Eritrean man shot and killed at the scene of a terror attack in Beersheba after being mistaken for the terrorist are suing the state.

The parents of  Haftom Zarhum are asking for $3 million shekel, about $780,000, in damages for the October 2015 killing. The lawsuit includes the Israel Police, the bus station’s security company and the four indicted assailants.

The attacker at the Beersheba bus station, a Bedouin-Israeli, stabbed a soldier and grabbed his M-16 rifle, then opened fire.

 

Security guards shot Zarhum, who was then beaten by a mob as he was prone on the ground. Video images of the attack show Zarhum incapacitated and lying in a pool of his own blood being kicked by bystanders who thought he was an assailant.

An autopsy found that Zarhum had eight gunshot wounds, two of which were fatal.

The family is also calling on the National Insurance Agency to recognize Zarhum as a victim of terror, which would offer additional compensation to the family. The agency has said it would not recognize Zarhum because he had entered the country illegally.

 

An Israeli soldier, a prison guard officer and two civilians were arrested and indicted for the murder of Zarhum. His killing led to some national soul searching.

Last modified on Sunday, 19 June 2016 07:19