ሰደህኤ፡ ልኡኻት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ከጽድቑ ይጽውዕ!

2016-06-17 07:46:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3270 times

ኣብዚ ልኡኽ ዓመጸኛ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ጀነቫ ናይ 21 ሰነ 2016 ውሳነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ንምዕንቃፍ ዝጓየየሉ ዘሎ ግዜ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ናብቶም 47 ልኡኻት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጐኒ ፍትሕን ፍትሓዊ ምምሕዳርን ክስለፉን ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተበጽሐ መደምደምታን ለበዋን ክጽድቑ ጸዊዑ።

እቲ ነዚ ብዝምልከት ብ15 ሰነ 2016 ዝወጸ ናይ ሰደህኤ መዘክር፡ 90% ካብቲ ግዳይ ህግደፍ  ዝኾነ ህዝቢ  ኤርትራ፡ እዚ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብምሉኡ ከጽድቖን ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክመርሖን ከም ዝጽበ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ  ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ክመርሖ እምነት ኤርትራውያን ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ጠቒሱ።

እዚ መዘክር ኣተሓሒዙ፡  ንልኡኻት መበል 32 ኣኼባ  ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት “መንግስቲ ኤርትራ ካብ ተሓታትነት ክሃድም እዩ ዝሓስብ፡ ነዚ ንምትግባር ድማ ብጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ቅልውላም ካብ ዘማርሩ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ደገፍ ድምጺ ስለ ዝጽበ እዩ” ክብል ኣዘኻኺሩ። ኣተሓኢዙ እዚ መዘክር መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዲክታቶራት ናብ ዓለም ለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ዘስመዐኦ ተቓውሞ እውን ክምዝምዞ ከም ዝደሊ ኣቃሊዑ።

ብዘይካዚ እዚ ናይ ሰደህኤ መዘክር፡ ልኡኻት እዚ ኣኼባ “ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ሰፊሕ ደላይ ሰብኣዊ መሰል ሕብረተሰብን ምእንቲ ፍትሕን ፍትሓዊ ምምሕዳርን ከተድምጹ ይጽበየኩም ኣሎ” ኢሉ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ 21 ሰነ 216 እትብልዎን እትፍጽምዎን ብሓፈሻ ታሪኽ ብፍላይ ድማ ታሪሕ ኤርትራ ኮይኑ ክምዝገብ እዩ ክብል ኣዘኻኺሩ።

Last modified on Friday, 17 June 2016 09:51