ኣብ ከተማ ካስል ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

2016-06-21 16:56:04 Written by  ወኪል ድምጺ ሓርነት ካስል Published in EPDP News Read 2071 times

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ዘቖጠዖም መንእሰያት ነበርቲ ከተማ ካስል ብዘበገስዎ መሰረት፣ ምስ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ካስልን ከባቢኡን ብምውህሃድ ብ20 ሰነ 2016 ካብ ሰዓት ሓደ ክሳብ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። እቲ ካብ ክለብ ተጎርባ ተበጊሱ ብፖሊስ ተዓጂቡ ክሳብ ምምሕዳር ከተማ ካስል ዝመረሸ ስላማዊ ሰልፊ ኣብ መንገዲ ዕላማቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ብቛንቋ ጀርመን ዝተዳለወ ጽሑፍ ንሓለፍቲ መንገዲ እናዓደሉ፡ ዝተፈላለየ ጭርሖ ሒዞም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምምራሕ ህዝቢ ኤርትራ ፈሺሉዩ፡ ህግደፍ ስልጣን ንዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ከረክብ ኣለዎ፡ ሰላምን ራህዋን ክነግስ ስርዓት ህግደፍ የልግስ፡ ስርዓት ህግደፍ ብህልቀት መንእሰያት ተሓታቲ.ዩ፡ እምቢ ንፍርሕን ራዕድን፡ እወ ንፍትሕን ሰላምን፡ ገበነኛ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ዓለም ክቐርብ ንጽውዕ፡ መርማሪት ኮምሽን ዝሃበቶ ጸብጻብ ንድግፍ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክስለፉ ንጽውዕ፡ ዝብሉ ጭርሖታት እናጨርሑ ካብ ሰዓት ሓደ ክሳብ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን ቀጺሎም ዉዒሎም። ኣብ መጨረሽታ ድማ መልእኽቶም ንዝምልከቶም ኣካላት ማለት ብወገን ጀርመን ንኣቶ ያን በነዲክ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ወጻእተኛታታ፡ ንወይዘሮ ካትሪን ሮትካምች ናይ ስደተኛታት ናይ ርኽክብ ሓላፊት፡  ንከንቲባ ካስል ድማ ብመልእኽቲ፡  ኣቦ መምበር ቤት ምኽሪ ወጻኣተኛታት ኣቶ ሳይጊን ከኣ ብኣካል ተረኺቡ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተዓዚቡን መልእኽቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኪቡን፡ ኣብ መጨረሽታ ምስ ዓጀብቲ ፖሊስ ብምምስጋን ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን  ሰላማዊ ሰልፊ ተዛዚሙ።

ብድሕርዚ ኩሎም ሰልፈኛታት ናብ ክለብ ቶጎሩባ ብምኻድ ተኣኪቦም ነቲ ዝተኻየደ ስላማዊ ሰልፊ ገምጊሞም፡ ንብድሕሪ ሕጂ ንዝግበር ስርሓት ንምውህሃድ ድማ እቶም መንእሰያት ሰለስተ ወከልቶም ምስ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ካስልን ከባቢኡን ብምርኻብ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ ተዛዚሙ።                                                    

Last modified on Tuesday, 21 June 2016 19:03