ብጻይ ተስፋይ ምስ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ

2016-04-11 15:25:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2860 times

ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ8 ማዝያ 2016 ምስ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ንሱ ኣብዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ዘካየዶ ኣኼባኡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ እታ ኣብ ናይ ናይሮቢ ብተበግሶ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ዝተጋበአ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝቖመትን ንሱ ዝኣባላን ግዚያዊት ኮሚተን ዝተፈላለዩ ሰልፋውን ኤርትራውን ጉዳያትን ኣብዚ ኣኼባ መብርሂ ሂቡ። ኣብ’ዚ መብርሂኡ ከም ዝገለጾ፡ እታ ግዝያዊት ኮሚተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባኣ ኣብ ርእሲ ምክያዳ፡ ምስ ኣብ ኣኼባ ናይሮቢ ዝተሳፋን ዘይተሳተፋን ተቓወምቲ ውድባት ሃነጽትን ኣብ ቀጻሊ ኣኼባ  ንምብጻሕ ዝሕግዙን ርካብት ኣካይዳ፡  ጠቐምቲ ሓሳባት ክትረክብ ከም ዝኸኣለት ሓቢሩ።

ብጻይ ተስፋይ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ንኹለን ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ክሓቁፍን፡ ደንበ ተቓውሞ ካዚ ኣትይዎ ዘሎ ወጥሪ ከውጽእ ተስፋ ዝተነብረሉን መጻኢ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ንምብጻሕ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ቅሩብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዘየዕወተና ኣካይዳ እንነብር፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክንሰግር ከም ዝግበኣና ብምጥቃስ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃለዋት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ምስ ገለጸ ከኣ፡ እቲ መዋጸኦ ሓቢርካ እምበር በበይንኻ ዝመጽእ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ። ኣብዚ መብርሂኡ ንግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብዚ ንኸዶ ዘለና ናይ ለውጢ መስርሕ ወሳኒ ምኻኑ ጠቒሱ ተሳትፎኦም ክሕይሉ ጸዊዑ።

ድሕሪ’ቲ ሰፊሕ መግለጺኡ፡ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስተኸፍተ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ ቅድሚ ግዚያዊ ኮሚተ ናይሮቢ ዘሎ ብደሆ እንታይ’ዩ? ምምኽኻራዊ ርክብ ናይሮቢ ክሳብ ሕጂ እንታይ ኣውንታ ኣመዝጊቡ ክበሃል ይከኣል? ኣብ ውድባት ተጠርዩ ዘሎ ብሓባር ናይ ምስራሕ ዝንባለ ከመይ ትመዝኖ? ግደ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ መስርሕ ተበግሶ ናይሮቢ ከመይ ክኸውን’ዩ? ህልዊ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ … ዝብሉ ዝርከብዎም ብዙሓት ሕቶታት ቀሪበምሉ ዝርዝር ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዲክታቶር ኣሊኻ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምትካእ ከቢድ ሓላፍነት፡ ንውሱናት ውድባት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ለውጥን ራህዋን ዝብህግ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምጥቃስ ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ጸዊዑ። 

Last modified on Tuesday, 12 April 2016 14:10