ሰዲህኤ ዝመርሖ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ለንደን ብዓወት ተዛዚሙ። ልኡኽ ሰልፊ፡ ኣብ መስራቲ ኣኼባ “ንጕዳይ ኤርትራ ዝጣበቕ ኵሎ ፓርትታት ዝሓቍፍ ፓርላማዊ ጕጅለ” ተኻፊሉ።

2016-01-25 22:19:27 Written by  ጨንፈር ሰ.ዴ.ህ.ኤ ዓባይ ብሪጣንያ Published in EPDP News Read 3925 times

ሓው ጎይትኦም መብራህቱ ኣቦ መንበር ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብምትሕልላፍን እቲ ኣዳራሽ ንሰለስተ ሰዓታት ዝኸውን ግዜ ክንጥቀመሉ ከምእንኽእልን ብምሕባር ኢዩ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ኣስዒቡ፡ ንሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣኼባ ክመርሕ ናብ መድረኽ ኣቕረቦ። ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ኣሕዋት ኣሰፋው በርሀን ሃይለ ወልዱን እውን ኣብ’ቲ ኣኼባ ተሳቲፎም ነይሮም።

LondonPublicMeeting 2 240116

ሓው ኣሰፋው በርሀን ሓምድ ድራርን ድማ፡ ነቲ ኣቦ መንበር ዝሃቦ መግለጺ ተወሳኺ ሓሳብን መብርህን ብምቕራብ ኣብ ምህብታሙ ዓቢ ግደ ኣበርኪቶም። ኣብ ርእስ’ዚ ሓው ሓምድ ድራር ነቲ ብትግርኛ ዝቐረበ መግልጺ ናብ ዓረብኛ ኣብ ምትርጓም ተወሳኺ ኣበርክቶ ገይሩ።   

ኣቦ መንበር ሰልፊ፡ ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዝምልከት ውሳኔታት ካልኣይ ጕባኤና ተመርኵሱ፡ ኣብ’ዘን ዝስዕባ ኣጀንዳታት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

  1. ኣብ ፍራንክፈርት፥ ጀርመን፡ ብ13-14 ሕዳር 2015 ብትካል መጽናዕትን ምርምርን ፈልስበርግ ዝተዳለወ 10 ውድባት ዝተኻፈልዎ ዓውደ-ምይይጥን (ዎርክሾፕ)፤
  2. ብ27-29 ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ከንያ ዝተሰላሰለ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ዋዕላ ኤርትራውያን፤
  3. ዕላማታትን ትርጕምን ናይ ህዝባዊ ምጥርናፋት።
  4. ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዘዋፍሮ ዘሎ ፕሮፕጋንዳን ናይ ጸለመ ወፈራታትን፤ ብሰንኪ ምቕያር ባጤራ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ጸገማትን።

LondonPublicMeeting 3 240116

ኣኼበኛታት ንዝቐረበ መግለጺ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፡ ሃነጽቲ ሕቶታትን ርእይቶታን ብልዙብን ናይ ምርድዳእ መንፈስ ብዝዓሰሎ ኣገባብን ኣቕሪቦም። መራሕቲ ኣኼባ ድማ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስታት ሂሞን ንርእይቶታትን ለበዋታትን ናይ ኣኼበኛታት ድማ ሰሚዖምን ተቐቢሎምን።

ብ25 ጥሪ 2016 ድማ ኣቦ መንበር ሰልፍን ሓው ጐይትኦም መብራህቱን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ፡ ብክብርቲ ባሮነስ ግሊኒስ ኪኖክ ተመሪሑ ኣብ ሓደ ካብ ኣዳራሻት ናይ ሃውስ ኦፍ ሎርድስ ኣብ ዝተኻየደ መስራቲ ኣኼባ “ንጕዳይ ኤርትራ ዝጣበቕ ኵሎ ፓርትታት ዝሓቍፍ ፓርላማዊ ጕጅለ” (All Party Parliamentary Group on Eritrea) ተኻፊሉ።

ህዝቢ ዝዓሰሎ ስሩዕ ቃልሲ ጥራይ እዩ ዝዕወት፡

ጨንፈር ሰ.ዴ.ህ.ኤ ዓባይ ብሪጣንያ

25/01/2016

 

Last modified on Tuesday, 26 January 2016 02:05