ጉጅለ ህግደፍ ካብ በጻሓቲ ሃገር ዜጋታት’ውን ገንዘብ ይራሲ

2016-01-23 10:57:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2625 times

ሃገሮም ክበጽሑ ዝገሹ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝንቀሳቐስሉ ሸርፊ ናቅፋ ደልዮም ናብ ባንክ ኤርትራ ኣብ ዝኽድሉ፣ ብዘይድሌቶም ናይ ባንክ ሕሳብ ክኸፍቱ ከም ዝተገደዱ ሓቢሮም። እቲ ናይ ባንክ ሕሳብ ምስተኸፍተ ከኣ እቲ ባንክ ነቲ ናብ ናቕፋ ክሽረፈሎም ዘቕረብዎ ዶላር ወሲዱ፡ 5,000 ናቅፋ ጥራይ ሂቡ ከም ዘፋነዎም እውን እቲ ነዚ ብዝምልከት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣነጺሩ። እቶም ነዚ ሐበሬታ ዝለኣኹልና ወገናት እዚ ስጉምቲ ቅድሚኦም ናብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝገሸ በጻሕቲ እውን ከም ዝተፈጸመ ኣቃሊዖም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ኤርትራ በተን ብገዛእ ገንዘቦም ብባንክ ዝፍቀዳሎም 5,000 ናቕፋ ደሞዝ ሰርሓተኛታት ክኸፍሉ ብዘይ ምኽኣሎም፣ ስድራ ቤታቶም ኮነ ስድራቤታት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ጸበባ ከም ዝርከባ፡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ብገለ መርበባት ሓበሬታ ከም ዝተገለጸ፣ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እዚ ባንኪ ኤርትራ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ዘሎ ኣገባብ፡ ሰብ መርዓን ካሊእ ውራያትን፡ መዓልቲ ቆጸራ ኣብ ምቅያርን ኣብ ክሳራን ከም ዝበጽሑ ተገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ሕጂ ከኣ ውራይ ክህልወካ እንከሎ፡ ካብ ባንክ ከተውጽእ፣ ብገዛእ ገንዘብካ፡ ዝርዝር ወጻኢታትካ ክትጠቅስን ውራይ ከም ዘለካ ንምርግጋጽ መሰኻኽር ከተቕርብን ዘገድድ ቅጥዒ ምውጽኡ ኣብ መርበባት እንተርነት ተለጢፉ ኣሎ።

እዚ ናይ ራስያ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ብጥረ ገንዘብ ኮይኑ ደኣ ብዙሕ የዛርብ ኣሎ እምበር ሓድሽ ፍጻመ ኣይኮነን። ህግደፍ ኤርትራውያን ዜጋታት ርሂጾም ዘምጽእዎ ገንዝብ ኣሕዲጉ፣ ተመሊሶም ባዕሉ ብዘዳለዎ ቀጥዒ መሊኦምን መሳኻኽር ኣቕሪቦምን እሞ ድማ ምስቲ ዝደልይዎ ዓቐን ብዘይመጣጠን ዓቐን ንክወስዱ ምግዳዱ ንውርደቱ ዘቃልዕ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቱ እውን ካብዚ ውርደትዚ ዝድሕኑ ኣይኮኑን። በቲ ካልእ ገጹ እዚ ኩነታት ናይቲ ጉጅለ ናይ መወዳእታ ውድቀት ዘበስር ተርእዮ እዩ።

Last modified on Saturday, 23 January 2016 11:59