መግለጺ ደገፍ ንጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2015-07-22 06:48:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2220 times

ዝኸበርካ ኣቶ መንግስተኣብ ኣሰመሮም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ዝኸበርኩም ኣሰናዲኢት ንጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ !

ዝኸበርኩም ኣባላትን መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ !

ዝኸበርኩም ኣባላትን መሪሕነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ!

ዝኸበርኩም ኣባላትን መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት!

ዝኸበርኩም ዕደማት ኣጋይሽ !

ኣብዚ መኽፈቲ ጉባኤኹም ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ፡ ንሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ኣባላቱን ወኪለ ተሳተፊ ክከውን ንዝገበርኩሙለይ ዕድመ እናኣመስገንኩ ፡እንተኾነ ብናይ ስራሕ ዝተፈላለዩን ጸገም ኣብዚ ጉባኤኹም ክሳተፍ እኳ እንተዘይካኣልኩ በዚ ናይ ደገፍ መልእክቲ ኣብቲ ዝግበር ጉባኤኹም እዞም ኣብታሕቲ ዘርዚረዮም ዘለኹ ብዕምቆት ክትሪኢዎም ለበዋይ እንዲቕረብኩ ጉባኤኹም ኣብ ኩለ መዲዩ ብዓወት ክዛዘም ዘለኒ ምንዮት እገልጸልኩም።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን !

ሃገርና ኤርትራ ኣብ'ዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ምሕዯራ ዝተራእዩ ዓበይቲ ግህሰታት ሰብኣውን ማሕበራውን ፖለቲካውን መሰላት ህዝቢ ምጽብጻብ ዘይኮነስ፡ ስለምንታይ ናብ ከምኡ ኣምሪሑ ዝብል ሕቶ ክላዓልን ግድን ይኸውን እዚ ድማ ፥

እዚ ዘሎ ስርዓት ጥቕሚ ሃገር ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን ምድልዲል ቀዳማይ ዕላምኡ ስለ ዝኾነ፡መዋእለ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሎም ፖሎቲካዊ መሳርሕታትን ስልትታትን፡ ኣውራጃን ሃይማኖታውን ዝንባሌታት ህዝብና ምምዝማዝ ሙዃኑን ብምስትብሃል፡ ሳዕቤናት ናይ'ዚ ግጉይ ስልትታት'ዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ህዝብና ዘይምትእምማን ምፍጣሩን፡ ሓድነት ሃገር ኣብ ሓደጋ እንዳውደቐ ይኸይድ ምህላውን ብምስትብሃል ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ እስላም ይኹን ክርስትያን፡ ወይ ወዱ ከበሳ ይኹን ወዱ ቆላ ብዘየገድስ፡ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ተኸባቢሮም ማዕረ መሰላት ተሓልዩሎም ሓቢሮም ዝነብሩላ ሃገርን መሬትን ክትከውንን ናብ ጥዑይ ምሕደራ ንምምላሱ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንምጉልባቱ ዕቱብነትና ከነረጋግጽ ዝሕግዝ ፡ ኣብ ጉዳይ መንእሰያት እውን ኤርትራውን መንእሰያት ሃገሮም ጠንጢኖም ብብዝሒ ንስደት ከምርሑ ዘገድዶም ምኽንያት፡ እንታይነት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብዝልዓለ ዘጋልጽ ምዃኑ ንመላእ ዓለም ዘስደመመ ተርእዩ ሙዃኑን መንእሰይ ኣብ ክንዱ ተቐባል ሕድሪ ንክኸዉን ዝሕብሕቦን ዝምልምሎን፡ በንጻሩ እቲ ስርዓት ኣብ ኣተሓሕዛ መንእሰያት ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ኮነ እሉ "ኪድ ኣይትበሎ ከምዝኸይድ ግበሮ" ዝዓይነቱ ፖሊስታትን ክፍጽሞ ዝጸንሐ ተግባራትን፡ ኣብ ሕቶ ስትራተጂካዊ ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ግምት ዘየእተወ ገባቲ ስርዓት ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ፍሹል መስመር፡ ንህቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብትናን ምስ ዓለም ዘለና ዝምድናን ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ምዃኑ ንምንጻርን ካብ ኣኸቲልዎ ዘሎ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ብዕምቆት ክትሪእይዎን ፡ በሓፈሻ ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ ጸገማት ትም ኢልካ ምራኣይ ዘይውጽእ ናይ ሕልና ቁስሊ ክኸውን ስለዝኾነ ንምፍትሑ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋን ማሕበረሰብ ዓለምን ሓላፍነት ሙኻኑ ክንርዳእን ተረዱእና ድማ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ነዚ እከይ ሕልሚ ናይዚ ስርዓት ከወግዝን ብፍላይ ድማ ኣብ ቃልሲ ኣንጻርዚ ስርዓት ዝርከባ ደምበታት ተቓውሞ ካልኣዊ ፍልልያት ንጎኒ ገዱፈን ነዚ ህዝብና እናጽነተ ዝኸይድ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኣብ ሱረ መሰረቱ ንምእላይ ብኹሉ ዓቕምታቱ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኣቀዱሙ ነቲ ናይ ቃልሲ ዓቕምታቱ ብምውህሃድን ብሓደ ኢድ ኮይኖም ናብዚ ስርዓት ከቕንዕዎ መታን ናይ ነፍስ ወከፍ ሓይሊ ሙዃኑ ብምርዲእ፡ነዚ ንምብቅዑ ድማ ጉባኤኹም ኣብዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ነጥቦታት ኣጽኖኦት ክግበር እጽውዕ ።

ኣብ መደምደምታ

ኣብዘን ዝስዕባ ናይ ጉባኤኹም መዓልታት'ውን ነዞም ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሕዝቢ ኤርትራ ነጸብራቓት ናይ ድልየታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመላኽቱ ዘለዉ ምልዕዓል ጸረዚ ገባቲ ስርዓት ናይ ለውጢ ጩራታት ኣብ ግምት ዘእተዉን፤ ናይ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ምኹናን ንመራሕ ግበታን ጃንደኡን ንምጥንኻርን ፡ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ወጽዓትት ህዝቢ ኤርትራን ዘብቃልዕሉን፡ዓስቢ ተቓለስቲ ንሓይልታት ደለይቲ ለውጢ ሞራል ዘደንፍዕን ተዋሂቡ ዘሎ ውሳኔ ኩሎም ኣብ ዘመነ ግበታ ራስያን መቕተልትን ህዝቢ ኤርትራ ወፊሮም ዝጸንሑ ኣብ ኤርትራ ክርከቡን ወላውን ንይምስል ካብ ኤርትራ ዝራሓቑ ገበርቲ እከይ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብዝቐልጠፈ ኣብ ሕጊ ዝቐርቡሉ ኣብ ጉባኤኹም ነቲ ብመንግስታት ዓለም ተዋሂቡ ዘሎ ውሳኔታት ዝትግበረሉ ብሓባር ምስኩለን ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ብምዃን ኣብ ኩሉ ጽላታት ንምስራሕ ዝሕግዝ ውሳኔታትን ፡ ንኹሎም ዜጋታታ ብማዕርነትን ብፍትሕን እተዕቁብን ስምርቲ ናይ መጻኢት ኤርትራ ናብ ምህናጽ ዝመርሑ፤ ከምኡ'ውን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘለዉና ንዉዕዉዕ መድረኽ ቃልሲ ዘዳኽሙ ጸገማትና ንምውጽእ ዝሕግዙ፡ ውሳኔታትን መምርሒታትን ሒዝኩም ከምእትወጹ ዓቢ ተስፋን እምነትን ከምዘልኒ ክገልጽ እፈቱ።

ደጊመ ንኩሎም ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሽም ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ኣባላቱን ኣብዚ ጉባኤ ብምክፋልና እናኣመስገንኩ። ብሓባር መጻኢ ናይ ቃልሲ ጉዕዞና ዕዉት ንክኾነልና ዘለኒ ትምኒት እገልጽ።

ዓወት ንደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ !!

ዓብደራሕማን ጣሃ ኑር

ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ

15 ሓምለ 2015

Last modified on Wednesday, 22 July 2015 09:03