ናይ ደገፍ መልእኽቲ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ኣብ መኽፈቲ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

2015-07-21 18:50:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2323 times

SagemLogo 1

ዝኸበርካ ኣቦ-መንበርን ኣባላት መሪሕነትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ዝኽበርኩም ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለን ጉባኤኛታትን!

ዝኽበርኩም ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ!

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!

ብቕዳምነት ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መኽፈ’ቲ ጉባኤኹም ተረኺብና መልእኽትና ክነሕልፍ ንዝተገብረልና ዕድመ ብስም ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ ልዑል ምስጋናና ከነቕርብ ንፈቱ።ንመበል 2ይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤኹም ድማ ዓወትን ኣሳልጦን እናተመናና ንጉዕዞ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዕዮታትና ንቕድሚት ዘሰጉምን ዘጎልብትን ኣገዳስቲ ውሳኔታት ሒዙ ክወጽእ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ ሰናይ ምንዮትና ክንገልጸልኩም ንፈቱ።

ዝኽበርኩምን ዝኽበርክንን ጉባኤኛታትን ዑድማት ኣጋይሽን!

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኹም ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ታሪኻዊ ኩነታት ጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ብዝኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊስታቱ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ተሳጢሖም ሓሳረ-መከርኦም ይርእዩ ምህላዎም ናይ ኣደባባይ ምስጢር ምዃኑ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚ ሓደገኛ ናይ ብርሰት ተርእዮ’ዚ ህዝብታትና ኣብ ዓሚቕ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ወዲቆም ስደት ከም እንኮ መፍትሒ ናይ ሓሰረ-መከርኦምን ናይ ተቓውሞም መግለጺ ብምውሳድ፡ ምስቲ ኩሉ በተደጋጋሚ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ባሕርን ምድረ-በዳን ብጥርፋት ግብረሽበራውን ሓይልታትን ነጋዶ ሰብን ህይወቶም እናሰኣኑን በብግዝኡ ኣብ ዶብ ብጸላኢ ዘጋጥምም ዘሎ ናይ ሞትን መቑስልትን ሓደጋታት ቕጭጭ ከይበሎም ሕጂ ውን ብኣሻሓት ክስደዱ ይግደዱ ኣለው እዮም።

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኹም ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣፋፊ ኩነታት ናይ ሃገርና ይጋባእ ምህላዉ ነዚ ሓደገኛ ናይ ምጽናት ተርእዮታት እዚ ንምዕጻፍን ናብ ረብሓ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቕያሩን ሃገርና ንምድሓንን ጉባኤኹም ነዚ ወድዕነት እዚ ብዕቱብ ገምጊሙ ኣገዳሲ ውሳኔታት ከሕልፍ ልዑል ትጽቢት ይግበረሉ።

ዝኽበርኩምን ዝኽበርክንን ጉባኤኛታትን ዑድማት ኣጋይሽን!

ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመስለ ናይ ምብትታን ሓደጋ ዝተቓልዐት ውድቕቲ ሃገር (faild state) ናይ ምዃን ዕድላ በብግዝኡ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ወቕቲ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ምስ’ቲ ኩሉ ባዕላውን ወድዓውን ጸገማቱ ዘጋጥምዎ ዘለው ሓጎጽጎጻትን ጽንኩራት ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ ብድሆታትን ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ንጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ብጽንዓት ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብኣወንታ ዝርአ ይኹን ደኣ-እምበር ዛጊት ውሽጣዊ ሓድነቱ ኣዕቕቡ ሓያል ውቓዒ ሓይሊ ኮይኑ ክወጽእ ዘይምብቅዑ ኣሉታዊ ጎኑ ኮይኑ፡ ሕጂ ውን ምስ’ቲ ኩሉ ዝቀላቐሉ ዘለው ንቃልሲ ዘተባብዑ ሓደሽቲ ተርእዮታት ኣብ ቅድሜና ሓያል ዝኾነ ቃልሲ ይሓተና ምህላዉ ሓደን ክልተን ዘይባሃሎ ሓቂ’ዩ።

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ይኹን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሰፋሕቲ ሃገራዊ ግንባርት መጠን ዋላኳ ካብ ውሽጣዊ ጸገማቶም ገና መሊኦም ዘይተጋለገሉ ይኹኑ ደኣ-እምበር ኣብ ምጥርናፍ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍን ተመኩሮን ኮይኖም ሕጂ ውን ንምዕራዮምን ቁኑዕ ዕላማታቶም ንምዕዋትን ጻዕርታትና ክብ ከነብል ከም ዝግባእ ክስመረሉ ዘለዎ እዩ ንብል።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ከም ኣካልን ኣምሳልን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ መጠን ኣብ ምዕዋት ሕቶ ሓድነትን ምሕዝነትን ናቱ ሓያልን ድኹምን ጎኒ ከም ዝጸንሖን ዘለዎን መጠን ሕጂ ውን ኣብዚ ኣብ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ፍትሓዊ ቃልስና ወሳኒ ግደ ዘለዎ እዋናዊ ሃገራዊ ምሕዝነታዊ ዛዕባ’ዚ ሕሉፍ ተመኩሮታቱ ይኹን ተመኩሮ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዕቱብ ገምጊሙ ሕጂ ውን እዚ ሓዲሽ ወድዕነታት ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ሰፊሕ ሓባራዊ መድረኽ ናይ ልዝብ ብምኽፋት ኣብ n ምዕዋትን እዚ ግንባራት እዚ ናቱ ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ጉባኤኹም ልዑል ጠመተ ገይሩ ክዝትየሉን ኣገደስቲ ውሳኔታት ሒዙ ክውጽእን ተጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ መደምደምታ መልእኽትና ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኹም ብዓወት ክዛዘም ሕጂ ውን ደጊምና ሰናይ ምንዮትና ንገልጸልኩም።

ዓወትን ድምቀትን ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኹም!

ውድቀት ንጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

ደግሓኤ

15 ሓምለ 2015

Last modified on Wednesday, 22 July 2015 09:39