ሰውራዊ ናይ ደገፍ መግለጺ ን2ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)

2015-07-22 07:04:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2296 times

EUDCLogo

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰደህኤ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት መሪሕነት ሰደህኤ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተጋባእቲ ኣባላትን

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዕዱማት ኣጋይሽን

     ፈለማ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ክትገብርዎ ዝጸናሕኩም ምድላው ዛዚምኩም ናብ’ዚ ሕጂ ኣቲኹሞ ዘለኹም መጋባእያ ምብጻሕኩም፡ እንቋዕ ሓጎሰኩም እናበልና፡ ውድብና ኤስደለ’ውን መኻፍልቲ ሓጎስኩም ምዃኑ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተጋባእቲ

     2ይ ጉባኤኹም ዝካየደሉ ዘሎ ኩነታት ሃገርና፡ ከመይ ዝኣመሰለ ትኩር ኣድህቦን ሓላፍነታዊ ምይይጥን ኣብ ዘድልየሉ ክሳዳዊ እዋን ይካየድ ምህላዉ ትዝንግዕዎ ኣይንብልን። ጉልባቡ ዝቐልዐ ኣራዊት ባህርያት ስርዓት ህግደፍ፡ ብውሽጡ ከም ዝብኢ ክመናጨት፣ ሓድሕዱ ክተሓራረድን፤ ማይበት ገባቲ ስርዓቱ ኣብ ዝሃመሉን ዘሎ እዋን’ዩ። ፖለቲካዊ ጭቆናን ቁጠባዊ ምዝመዛን ፋሽሽታዊ ኩርማጅ ስርዓት ህግደፍ ዝመረሮም ህዝብታት ኤርትራ፡ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሎም ኣብ ዝተገንዘቡሉን ማዕበላዊ ተቓውሞኦም ኣብ ዘስምዑሉን፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝበሃጉሉን እዋን’ዩ 2ይ ጉባኤኹም ዝካየድ ዘሎ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብወሳኒ መልክዑ፡ ኣብ ጎኒ ደላይ ፍትሒ ግፉዕ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፎም፡ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብሕሱም ተነጽሎ፣ ብሕትውናን ጽምዋን ኣብ ዝተኾርናዓሉ እዋን’ዩ።

     እቲ ንሰውራዊ ደሞክራስያዊ ቃልስን ለውጥን ዝኸውን ወድዓዊ ኩነታት ምሒር በሲሉ እዩ። ሓሊፉዎ’ኳ። ንዕኡ ዝምጥን በዓል-ቤታዊ ኩነታትን፡ ሕቶ ብቑዕን ዱልዱልን መሪሕ ውድብ (ብውልቀ ይኹን ብግንባር ደረጃ) ግን ትሕቲ ትጽቢት ኮይኑ ምህላዉ ትዝንግዕዎ ኣይኮነን። ደምበ ተቓውሞና ተዓኒዱ፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ናይ ዕንክሊል ዓንኬል ኣትዩ፡ ማእዝኑ ኣጥፊኡ ምህላዉ ካብ’ቲ መቐንዘዊ ክውንነትና ሓደ ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ዓው ኢልና ክንዛረበሉን መፍትሒ ክንናድየሉን ኣብ ዘለና እዋን’ዩ ጉባኤኹም ዝካየድ ዘሎ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ብጾት ጉባኤኛታት

     እቲ ወትሩ ውዕውዕ ሕቶ ህዝብታትና ዝኾነ ጉዳይ ሓድነት ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ውድባትና፡ ሎሚ’ውን ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ንቕድሚት መጺኡ ማዕጾ ነብሲ-ወከፍና ይኹሕኩሕ ኣሎ። ድቃስ ዘይህብ ውራይ ኩላትና ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ጉባኤኹም ግቡእ ኣስተብህሎ ክህቦን ኣብ ብሱል ገምጋም ዝሰረተ ሓላፍነታዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውሳኔ ክትገብሩሉን ትጽቢትና’ዩ።

     ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ወራስ-ዓራት ናይቶም ዝሓለፉ ተባራረይቲ ገዛእቲ ኮይኑ፡ ንብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ህዝብታትና ከም ሓደጋን መርገምን ገይሮም’ዮም ከርእይዎ ጸኒሖምን ዘለዉን። ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ባህርያቶም ብዝዓደሎም ከኣ፡ ከፋፊሎም ንምግዛእ፡ ከም ምቹእ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝብታትና ከጉትሙን፣ ድሕረት ዘሪኦም ድሕረት ክሓፍሱን ኣብ ዘይምትእምማን ህዝብታትና ክነብሩን ዝጨከኑ ሕሱማት ኮይኖም’ዮም ጸኒሖምን ዘለዉን። እንሆ ከኣ ሎሚ፡ ሓድነት ህዝብታትናን ስሙር ቀጻልነትን ህንጸት ኤርትራዊ ሃገርነትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣውዲቖሞ ይርከቡ። 2ይ ጉባኤኹም፡ ንብዙሕነታዊ ክውንነት ህዝብታትና ግቡእ ኣድህቦ ብምሃብ ክግምግሞን፡ ንስሙር ቀጻልነትን ህንጸትን’ዛ ሃገር ዝበቅዕ ኣብ ልኡላዊ ክብረት ህዝብታትና ዝሰረተ ፖለቲካዊ ውሳኔ ንኸሕልፍ ዘለና ተስፋ ልዑል’ዩ።

     ስርዓት ህግደፍ፡ ልጓም ኣልቦ ትምክሕተኛ ባህርያቱ ብዝዓደሎን፡ ዞባዊ ጎብለል ናይ ምዃን ሕልሚ ተዓዛዚርዎን፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣሕዋት ጎረባብቲ ሃገራት ወራራት ከካይድ ዝጸንሐ ስርዓት’ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ኲናትን ወራርን እልቢ ዘይብሉ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ናይ’ታ ሃገር ዘባኸነ ኣብ መጋርያ ኲናት ኣሳዊሩ ዘብረሰን ዘሕንኽ ስዕረት ዝተጎምጎመን ገበነኛ ስርዓት’ዩ። እንተኾነ ግን ሕጂ’ውን ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ብምፍጣር ብስም ልኡላውነት ሃገር ክሽቅጥን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ብዘለዎ ክቱር ንዕቀት ከላግጽን ይረአ ኣሎ። 2ይ ውድባዊ ጉባኤኹም፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ጉቡእ ቆላሕታ ሂቡ ክግምግም ትጽቢት ይግበረሉ። ንልኡላዊ ክብረት ህዝብታትና ኣሕሲሩን ኣዋሪዱን ዝገዝእ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍአ ጸላኢ ከምዘይብልና ብምስትውዓል፡ ሓላፍነታዊ ውሳኔ ንኸተመሓላልፉ ዘለና ትጽቢት’ውን ዓቢ’ዩ።

     መልእኽትና ንምዝዛም፡ 2ይ ጉባኤኹም፡ ብድሙቕ ዓወታት ተጸንቢሉ ንኽውጽእ ዘለና ትምኒት ወሰን የብሉን። ሰናይ ውራይ፤ ሰናይ መጋባእያ።

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓን ኩል ዓቕምታትን ጸጋታትን

ሰውራና፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ይቕናዕ!

ፈጻሚት ሽማግለ ኤስደለ

15 ሓምለ 2015

Last modified on Wednesday, 22 July 2015 09:36