ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ማእከል ቁጽሪ (2) ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ

2015-06-09 13:35:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3397 times

ብዕለት 07-06-2015 ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 17.30 ድሕሪ ቀትሪ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ Kirch Platz Bockenheim ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ብሓው ሓጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር ዝቐረበ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኢዩ ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ ዛዕባታት ኣኼባ እንታይ ምዃኖም ብዝርዝር ንኣኼበኛታት ሓቢሩ።

Frnkfurt meeting070615 1

ቀጺሉ፡ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ ኣኼባ ብምርካብ ብዛዕባ መበል 24 ዓመት በዓል ናጻነት ኤርትራ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ሓው መንግስተኣብ፡ ናይ ዮሃና መልእኽቱ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ህዝብና ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ ብሃገራዊ ናጽነት ምዝዛሙ ክብሪ፡ ሓጕስን ፍስሃን ይስምዓና፤ ንናጽነትና ከነስተማቕርን ብሰላምን ፍትሕን ክነብር ዘይምኽኣልናን በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ሃገሮም ራሕሪሖም ክወጹን ግዳይ ምድረ-በዳ፡ ባሕርታትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ምዃኖም ድማ ሓዘን ይስምዓና ኢሉ።   ነቲ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ነጻነት ብስርዓት ህግዲፍ ስለ ዝተቐጽየ ህዝብና ኣብ ሕማቕ መነባብሮን ሕማምን ድኽነትን ሻቕሎትን ወዲቑ ይርከብ።  

Frnkfurt meeting070615 2            

ካብ'ዚ በላዕ ሰብ ዝዀነ ስርዓት ንምግልጋል፡ ኵሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ከም'ቲ ሓደ ኢድ ኰይኑ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ብጽንዓት ተቓሊሱ ናጽነት ዘምጽአ፤ ሕጂ'ውን ኤርትራውያን ሓደ ኢድ ኰይኖም፡ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣውዲቖም ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትክእዎ ቃል ዝኣትውሉ ዕለት ክኸውን ይግባእ ኢሉ።

ብድሕሪዚ፡ ንጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ወኪሎም ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ ዝሳተፉ ኣባላት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ካብ ኣኼበኛታት ተመሪጾም። ነዚ ምርጫ'ዚ ንምክያድ ዝተመርጸት ሰክረታርያ፡ ብኣቦ መንበርነት ንጉሰ ጸጋይ ትምራሕ ኰይና፡ ኣሕዋት ኣፍወርቂ ኣባይን ሰለሙንን ድማ ኣባላታ ኢዮም።

Frnkfurt meeting070615 4

 

ስዒቡ፡ ዝተዘርበሎም ዛዕባታት፡ ብዛዕባ'ቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 2 ነሓሰ 2015 ኣብ ፍራንክፈርት ዝካየድ ፈስቲቫልን፣ ከምኡ'ውን፡ ብዛዕባ'ቲ ብ26 ሰነ 2015 ኣብ ጅነቭ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ዘለዎ ምድላዋት ነበረ። ኣብ ክልቲኡ'ዚ ተረኽቦታት'ዚ፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ንምርግጋጽ ጽዑቕ ምንቅስቓስን ጐስጓስን ክግበር ከምዝግባእ ድማ ተሓቢሩ።

Frnkfurt meeting070615 3

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼበኛታት ናይ ሕቶን መልስን ርእይቶን ዕድል ተኸፊትሎም፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት፡ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም። ኣኼባ ድማ፡ ብዝኽሪ ናይ ሰማእታት ተዛዚሙ።

Last modified on Tuesday, 09 June 2015 16:32