ናይ ደገፍን ምትሕብባርን መልእኽቲ

2015-06-13 07:34:55 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 2726 times

ድሕሪ 24 ዓመታት ምጉንጻፍ ሃገራዊ ነጻነት፡ ሃገርና ኤርትራ ገና ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳኸፍአን እንዳገደደን ዝኸይድ ናይ ፖሊቲካውን ማሕበረ-ቑጠባውን ምንቁልቛልን ምሽምቃቕን ትሳቐ ዘላ ሃገር ኢያ። ከም ሃገር ናይ ምቕሃም ዕድላት ከየጋጥማ’ውን ኣብ ዘስጋኣሉ ኣሻቓሊ ጊዜ እንዳትበጽሐ ይኸይድ ኣሎ። ብሰንኪ ጉድለታት ፍትሒን ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትን፡ ቡዅረት ፖሊቲካውን ማሕበር-ቁጠባውን መሰላት ዜጋታትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰይ ኤርትራ ካኣ ብፍላይ ናብ ቀጻሊ ስደት ምምራሕ ካብ ዝጅምር ዓመታት ተቖጺሩ ኣሎ።

ዓቕሊ-ጽበት ዝመበገሲኡ ዘይውሑስ ናይ ስደት ጐዕዞ ዝፈጥሮ ዘሎ ሃስያታት መዳርግቲ የቡሉን። ኤርትራዊ ስደተኛ ኣደዳ ነጋዶ ደቂ-ሰባትን፡ መሸጣ ውሽጣዊ ኣምዑትን ፡ ኣብ ምድረ-በዳን ኣብ ባሕርን ንናይ ጅምላዊ መቕዘፍትታትን ግዳይ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ 2013 ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ናይ 365 ኤርትራውያን መቕዘፊቲ፡ ሕጂ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ዘጋጠመ ናይ 350 ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኣብ መድረ-በዳ ሰሃራ፡ ኣብ ሊብያ ይኹን ኣብ ሲናይ ብጨወይቲ ዝተቐንጸሉን ዝተሓርዱን፡ ብሂወቶም ከለዉ ናይ ውሽጢ ኣካላቶም ዝተመንዝዑን ኤርትራውያን ሂያው ምስክራት ኤርትራዊ ስደተኛ ኢዮም።

ብኣጠቓለሊ፡ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጣዕሚ ሕማቕን ኣሰካፍን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ጉቡእ ኣቓልቦ ህዝቢ ዓለም’ውን ዘይረኸበ ጉዳይ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን (ሰልፊታት፡ ዉድባት፡ ወ.ዘ.ተ.)፡ ብውልቀ-ሰባትን ክግበር ዝጸንሐ ምቅላሕ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሙጎስ ኮይኑ፡ ሕጂ ካኣ ብህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ-ሰሜን ኣመሪካ ተወዲቡ ን19 ሰነ 2015 ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ጉዙፍ ሰላማዊ ሰልፊ እዋናውን ኣገድስን ከምዝኮነ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. እንዳገለጸ፡ ንምዕዋቱ ከኣ ብዕቱብ ከምዝሰርሕን ከምዝትሓባበርን ክገልጽ ይፈቱ። በዚ ኣጋጣሚውን ነቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት መርማሪ ኮሚቲ ዘውጾኦ ጸብጻብ ንዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብገበን ዘኽስሶ ተግባራት ከምዝፈጸመ ምርግጋጹ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) የመጉስ።

ህዝባዊ ምልዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ-ሰሜን ኣመሪካ፡ ከም ናይ ዲሞክራሲ መጫጨሒ ትካል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሃገራውን ህዝባውን ጉዳያት ናይ ምውህሃድን ምውዳብን ሓልፍነት ወሲዱ ዝነጥፍ ትካል ምዃኑ’ውን ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ብጽኑዕ ይኣምን። ኣብ ዝገብሮም ኩሎም ሃገራውን ህዝባውን ንጥፈታት ኣብ ጎድኑ ብምዃን ዝካኣሎ ኩሉ ክገብር ምዃኑ ብድጋሚ ከረጋግጽ ከኣ ይፈቱ። ነዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ዝካይድ ናይ 19 ሰነ 2015 ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ንክኸውን ኩሉ መዳያዊ ሓገዙን ምትሕብባርን ክልግስ ድሉው ምዃኑ እንዳረጋገጸ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ክሳተፍ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ብትሕትና ይጽውዕ።

ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ!

ዓወት ብሓባራዊ ቃልሲ!

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

Last modified on Saturday, 13 June 2015 10:01