ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ዕዉት ኣኼባ ኣሰላሲሉ

2015-02-23 18:42:00 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 2966 times

ሰ.ዲ.ህ.ኤ ህዝቢ ብ21 ለካቲት 2015 ኣብ ከተማ ኦስሎ ዕዉት ስሩዕ ጨንፈራዊ ኣኼባ ኣጋቢኡ:: ኣብዚ በዅሪ ኣኼባታት 2015 ዝኾነ ኣኼባ ካብ ርሑቅን ቀረባን ተጓዒዞም ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ናይ ክልቲኡ ጾታ ኣባላት ሰልፊ ተኻፊሎም::

ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ብቀዳምነት ንተሳተፍቲ እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ብናይ ሰላምታ ቃል ከፊትዎ:: ቀጺሉውን ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ኣብ ፖለቲካውን ሰብኣውን ርኽክባውን መዳያት ዘድሃበ ሰፍሕን ዝርዝራውን ዓመታዊ ጸብጻብ 2014 ንተሳተፍቲ ኣቅሪቡ::

ብጻይ መድሃኔ ኣብ ህይወት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣተኲሩ፣ ሰልፍና ካብ እምበርዶ ክቅጽል እዩ ዝብል ስኽፍታታትን፣ ክሳብ ክንደይ ከይህሉ ዝብል ናይ ተጻባእቱ ትምቢታትን ኣበርዒኑ፣ ህልውንኡን ቀጻልነቱ ዘረጋገጸ ሰልፊ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ከርሰ ህዝቡ ሰራውር እንዳሰደደን ዓወታት እንዳ ኣመዝገበን ንቅድሚት ዝግስግስ ዘሎ ሰልፊ ምዃኑ ኣብሪሁ:: ንሱ ኣብ መደረኡ እዚ ዓወት እዚ ብሳላ ንሕን ሓቦን ዝተደረዐ ሓያል ጻዕሪ ኣባላቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብዋጋ ዘይትመን ሓያል ሞራልን ተደናጋጽነትን ህዝቢ ኤርትራውን ከምዝኾነ ኣስሚርሉ::

ኣብ ዝቀጸለ መደረኡ ብጻይ መድሃኔ ሕጅውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድሮ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤኡ ይርከብ ብምህላዉ ነዚ ሓያል ዕማምዚ ብዓወት ንምስጋሩ መርሕነትን ባእታታት ሰልፊ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብዕቱብ ይሰርሑሉ ከምዘለዉ ዝሓበረ ብጻይ መድሃኔ እቲ ሰልፊ ንኹሉ ኣባል ማዕረ ዝብጽሖ ዋኒኑ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ኣባል ሰልፊ እጃሙ ከበርክት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ::

ምስዚ ኣተሓሒዙ ዋና ጸሓፊ፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ እውን እንተኾነ ምስ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ጽላል ኤርትራዊ ሓይልታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተጸምቢሩ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ኤትራውያን ማሕበራት ዘሎ ጋግ ንምጽባብን፣ ዝተወሃሃደ ናይ ሓባር ስረሓት ብምድንፋዕ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ምቅልጣፍን እጃሙ የበርክት ከምዘሎውን ጠቂሱ:: ብዘይካ እዝውን ጨንፈር ኖርወይ ምስ ውልቀ ማሕበራት እውን እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳማዕበለ ዝመጽእ ናይ ምብርራህን ምቅርራብን ካዕባዊ ዜተታት ብቀጻልነት ከምዝካይድ ሓቢሩ::

ገዲም ካድር ሰልፍን ጨንፈርን ዝኾነ ብጻይ ሹማይ በርሀ ብወገኑ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓቀኛ መልክዑን ክውንነቱን ለቢሱ ዝኸይድ ሰልፊ እምበር ንፖለቲክዊ መኽሰብን ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልክን ኢሉ ዘይልብሱ ብምልባስ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ከደናግር ዘይፍትን ሰልፊ ምዃኑ ብምሕባር፣ ናይ ህዝቡ ተቀባልነትን ተኣማንነትን ከምዝረክብ ዝገበሮ ድማ እዚ ሕላገት እዚ ምዃኑ ኣስሚርሉ:: ብዘይካዚ እውን ብጻይ ሹማይ በርሀ ንኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ ሓተቲ ዕቁባ ኣብ ጉዳያቶም ክሕግዞም ዝኽእል ሓበረታን ምኽር ኣሰንቅዩ:: ሰልፍን ጨንፈርን እውን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣባላቱ ንምሕጋዝ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ::

ተጋባእቲ ብወገኖም ብዝቀረበ ጸብጻብ ዕግበቶም ድሕሪ ምግላጽ፣ ንፖለቲካዊ ብቅዓቶም ዘደንፍዕ ምስ ኩነታቶም ዝኸይድ ጽሑፋውን ኣፈናውን ሓበረታን ኣስተምህሮታትን ብቀጻሊ ንኽወሃቦም ሓቲቶምን ተላቢዮምን::

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ

ዘለዓለማዊ ክምርን ሞገስን ንሰማዕታትና !!!

ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Monday, 23 February 2015 19:46