ኤርትራ፡ ዓውዲ ዞባዊ ውግእ ከይትኸውን

2020-11-25 21:21:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1978 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣሻቓልነት ናይቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተባሪዑ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ዝዓርግ ዘሎ ውግእ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ውግእዚ ኣብዚ ዓለምና ብረብሓን ኣተሓሳስባን ሓደ ካብቲ ካልእ ፈሊኻ ክትርእየሉ ኣብ  ዘይትኽእል ዝተጠናነገ እዋን ይካየድ ስለ ዘሎ፡ እቲ ሻቕሎት ኣብቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ክልተ ወገናት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ኣይኮነን። ከከም ደረጃኦም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን  ሕብረተሰብ ዓለምን ሻቕሎት የሕድር ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ከኣ፡ ሓያሎ ሃገራትን ዞባውን ዓለምለኻውን ውዳበታትን ናይ “ውግእ ጠጠው ኣቢልኩም ተዛተዩ” ምሕጽንታአን የቕርባ ኣለዋ። እንተኾነ ቅሩብነት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተሓወሶ እቲ ኣዕናዊ ውግእ ቀጻሊ ኣሎ። ብኣንጻሩ ግን  እቲ ውግእ ከይዓርፍ ዘጐሃህሩ ወገናት ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ምጉህሃር ናይዚ ውግእ ግደ ህግዲፍ ላዕለዋይ ቦታ ዝሕዝ እዩ።

ብሰንክቲ ውግእ ክሳብ ሕጂ ክሳብ ሚእቲ ሺሕ ዝበጽሑ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ ከም ዝዛይድ ከኣ ናይ ብዙሓት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ግምት እዩ። መንግስቲ ሱዳን ነዞም ስደተኛታት መጽለልን ካልእ ማሕበራዊ ቀረብን ምድላው ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ዝኾኖ ይጣራዕ ኣሎ። እዚ ኣብ ናይ ሱዳን ምርግጋእ፡ ቁጠባውን ካልእ ማሕበራዊ መዳያትን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ሳዕቤን ናይቲ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ዘሎ ውግእ ካብ ስደት ሓሊፉ፡ ናይ ብዙሓት ወገናት ብህልቂት ብዘሕትት ኣገባብ ህይወት ዝቐዘፈን ብዙሕ ትካላት ዘዕነወን ኮይኑ ኣሎ። እዚ “መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ኣይፍለጥን” ዝተባህለሉ ውግእ እንተቐጺሉ፡ እቲ ሳዕቤን ሰማይ ናይ ምዕራጉ ዕድሉ ሰፊሕ ክኸውን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ኣሻቓሊ ውግእ ብደረጃ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ መዚኑ ብ21 ሕዳር 2020፡  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ “……ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ  ምሕጽንታኡ የቕርብ።” ብዝብል ዓሚቕ ሻቕሎቱ ኣስፊሩ ኣሎ።

ናይዚ ውግእዚ ሳዕቤን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ከም ተራ ናይ ጐረቤት ሃገር ተረኽቦ ዝረኣ ዘይኮነ፡ ኪኖኡ ዝኸይድ እዩ። ምኽንያቱ ኤርትራ ብሰንክቲ ብዘይውግእን ህውከትን ዘይነብር፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ምምዕርራይ፡ ናብ ሻራን ኢድ ኣእታውነትን ዝጐዪ ጉጅለ ኢሳያስ ኣካልቲ ውግእ ኮይና ስለ ዘላ። ናይ ኢሳያስት ጣልቃ ኣእዳውነት ኣብዚ ውግእ፡ ሰራዊትን ኣጽዋርን ብምስላፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ የካይዶ ንዘሎ ውግእ መዋፈሪ ቦታ ብምሃብ’ውን ዝረአ ዘሎ እዩ። ብቀንዱ ከኣ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምድና ክፈጥር እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንምጥፋእ ብዘለዎ ዓቕሚ ከም ዝዓዪ “ጉዳይ ወያነ ጸወታ ተወዲኡ” ወይ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ንርእዮ ዘይኮነ ኢድና እንሕውሰሉ’ዩ፡”፡ ድሕሪ ምባሉ ናይቲ ውግእ ቀንዲ ወጣኒ ከም ዝነበረ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ናይ ህግዲፍ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ትግራይ ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ናይ ቀረባን ርሑቕን ባህሪ ዘለዎ እዩ።

እቲ ናይ ቀረባ ሳዕቤኑ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት መቕዘፍትን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጻ ሃገር ዘኸትሎ ዕንወት ክኸውን እዩ። ብዘይካዚ ናይቶም ኣብ መደበር ስደተኛትት ትግራይ ዝርከቡ ሚእቲ ሺሕ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ብደረጃ ስደተኛ ዘይተመዝገቡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኣማኢት ኣሸሓትት ዕድል እንታይ ከም ዝኸውን እውን ኣይፍለጥን እዩ። እቲ ናይ ርሑቕ ሳዕቤኑ ከኣ ከምቲ ገለገለ ኢትዮጵያውያን “ድሕሪ ሑመራ፡ ጉዕዞ ናብ ኣስመራ” ዝብልዎ ዘለዉ፡ ምስቲ ኢሳያስ ኣቐዲሙ ከርእዮ ዝጸንሐ ጥልመት፡ ንህልውና ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር እውን ሓደገኛ ሳዕቤን ዝጐትት እዩ። እቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ተናዊሑ  ንብዙሓት ሰብ ረብሓ እንተደኣዓዲሙ ከኣ ኤርትራ ዓውዲ ዞባዊ ውግእ ከይትኸውን ዘየስግእ ኣይኮነን። ሰዲህኤ ኣብዚ ጉዳይዚ ዝሓደሮ ስግኣት ንምንጽብራቕን ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራን ክቃለስዎ ንምጽዋዕን ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ መግለጺ ማእከላይ ባይቶኡ፡ “እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓደ ካብ ዕላማታቱ ነቲ ኣሽሓት ህይወት ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝህብ ስለዝዀነን ድሮ እውን ተጋሂሱ ስለ ዘሎን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ንምልኪ ስርዓት ኢሳያስ ብዘየዳግም ንምምሓዉ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ እዋኑ ስለዝዀነ ክልዓል ንጽውዕ።” ኢሉ።

ኢድ ኣእታውነት ህግዲፍ ኣብቲ ውግእ ንምዕጻፍ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መቐጸልታ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ከነካይዶ ዝጸናሕናን ክሳብ ዝዕወት እንቕጽለሉን፡ ምእንቲ ሰላም፡ ዕቤት፡ ልዕልና ሕግን ዲሞክራስን እምበር፡ በይኑ ቆንጭልካ ዝረአ ዕማም ኣይኮነን። ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኣእትዩ ክወጽዎ ናብ ዘይክእሉ ሓደገኛ ኣቕጣጫ  ዝሸሞም ዘሎ’ውን፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐ ግፍዕን ክሕደትን እዩ። እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠንቁ ሕገ-መንግስታውን ፖለቲካውን ፍልልያት ዝወለዶ ስለ ዝኾነ፡ መፍትሒኡ እውን ካብ ዘተን ልዝብን ክወጽእ ኣይነበሮን።  ከምቲ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መግለጺ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ “ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።” ተባህሉ ዘሎ፡ ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ ክኽተል ኣይመተገበኦን።

ሰዲህኤ፡ ጸረ-ህዝብን ህውከተኛን ተግባራት ህግዲፍ ከውግዝን ህዝብና ኣንጻርዚ ጉጅለ ክቃለስ ክጽውዕን ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን። እንተኾነ ህግዲፍ ተወጊዱ ራህዋን ቅሳነትን ህዝብና ክሳብ ዝረጋገጽ በዚ መንገዲ ክጐዓዝ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ሎሚ እውን ህዝብና ሓደገኛ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ብቃልሱ ክስዕር ንጽውዕ። እዚ በዚ ውግእ ተሓንጊሩ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘንጠልጥል ዘሎ ናይ ዕንወት ደበና  ምቕንጣጥ፡ ናይ ሓደ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ማሕበር ውሱን ሓላፍነት ስለ ዘይኮነ፡ ከምቲ ካልእ ግዜ ብሓባር መኪትና ሃገርና “ዓውዲ ዞባዊ ውግእ” ካብ ምዃን ነድሕን።

Last modified on Wednesday, 25 November 2020 22:27