ኢሳያሰ-ኣብይ፡ ሕጂኸ ናበይ?

2020-12-03 09:58:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2132 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፡ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝምድና ምስተፈጥረ እቲ ተርኽቦ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ነይሩ። ኣዘራራቢ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብትሕዝቶኡ ዘይግሉጽ ብኣካይዳኡ ከኣ ዘይትካላዊ ተበግሶ ስለ ዝነበረ እዩ። ሓደ ካብ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ “ሓቢርካ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ምጥፋእ” ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ብሃተፍተፍ ኢሳያስ ካብ መጀመርያኡ ዝተጋህደ እዩ ነይሩ።

እዚ ነቲ በዓል ቤት ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረን ብስሙ ብዙሕ ሸፈጥ ዝተዘመረሉን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይግሉጽ ስምምዕ፡ ንገለ ናይ ግዳም ሓይልታት ግና ስዉር ኣይነበረን። ብመሰረቱ እውን ቀንዲ መንፈስ ናይቲ ስምምዕ ኣብ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘየድሃበ፡ ብናይ ግዳም ድፍኢት ዝተደፍአን  ብሃብታማት ዞባ ምብራቕ ቀይሕ ባሕሪ ዝተቓነየን እዩ፡ ዝብል ርኢቶ እውን ብብዙሓት ተዓዘብቲ ይንጸባረቕ ነይሩ እዩ። ናይቲ ውሽጡ ዘይፍለጥ ስምምዕ ኣብ ሱዕድዓረብያን ሕቡራት ዓረብ ኤምረትን ኬድካ ደጋጊምካ ምፍራሙን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ብመራሕቲ ናይዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ ወርቂ መዳልታትን ማዕተብን ምስላምን ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ። ናይ ከም በዓል ፕረሲደት ትራምፕ  ዝኣመሰሉ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ “ኣጆኻትኩም” በሃልነት እውን ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።

ነቲ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ዘይተገልጸን ትካላውን  ሕገመንግስታውን መልክዕ ዘይሓዘን ስምምዕ ንምምልኻዕ  ብረብሓን ሓድነትን ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምጉልባቡ እውን ተፈቲኑ እዩ። ወዮ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታታት  ተዓጽዩን ተነጺሉን ዝጸንሐ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪዚ ንዛረበሉ ዘለና ስንኩፍ ስምምዕ ነጢሩ፡ ኣወሃሃዲ መራሕቲ ዞባና ክኸውን፡ ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣኸቲሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ሶማሊላንድን ጅቡትን ኣብ ገሊኡ ብኣካል ኣብ ገሊኡ ከኣ ብልኡኻቱ  ክጻፋዕ ፈቲኑ። እንተኾነ በቶም ብዛዕባዚ ተንኮለኛ ምህዞኡ፡ ቅድሚኡ ዝተረድእዎ መራሕቲ ሃገራት “ሓቀኛ እንተኮይካ ኣብ ከም ኢጋድ ዝኣመሰላ ዞባዊ ትካላት ኣበርክትን ንጠፍን፡ ካብዚ ሓሊፉ ኣፍራሲ ኢድካን እግርኻን ኣክበልና” ምስ ተባህለ ጸግዑ ሒዙ፡ ናብታ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ኮለሉ ተመሊሱ።

ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ወያ ካብ ቅድም ኩልና ዝፈለጥናያን ናይቲ ዘይህዝባዊ ስምምዕ ማእከል ምንባራ ዝተረዳእናያን ከነእውየላ ዝጸናሕና ብግብሪ ኣትዮም። ኢሳያስን ኣብይን ብሓባር ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ተዋጊኦም። ኢሳያስ ከምቲ ዝፈከሮ ሕነ ንክፈዲ ኣብቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተኻየደ፡ ካብ ቅድም እውን ኤርትራዊ ጉዳይ ራሕሪሑ፡ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ውግእ ኣትዩ ጽምኡ ኣርውዩ። ናይ ኢሳያስ ወረቓቕቲ እንዳቐያየርካ ብመስዋእትን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ምጥላዕን ክቡር ዋጋ ክኸፍል ምግዳድን፡ ሎሚ እውን ተደጊሙ ዘይኮነ ተደጋጊሙ። ብሰንክዚ ኢሳያስ ዘምጸኦ መዘዝ፡ ኤርትራውያን ከም ዝሞቱ፡ ንብረቶም ከም ዝዓነወ፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎ ካልእ ጸገማት ህዝብና ብራዕዲ ከም ዝተዋሕጠ፡ ንርእሱ እንዳጠመየ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክቕልብ ከም ዝተገደደ፡ ኮታ ኤርትራ በቶም ጌና ብጐቦ ዓይኖም ዝርእይዋ ዘለዉ  ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቓ ትርገጽ ከም ዘላ ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” ዝበሃል፡ ግሁድ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ፡ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ከቢድ ንዋታውን ሰብኣውን ክሳራታት ኣውሪዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ሕጂ ውግእ ተወዲኡ” ኣብ ትግራይ ድማ “ሕጂባ ቃልሲ ተጀሚሩ” ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ወገናት እውን ኩነኔኦም ነቲ ውግእ የስምዑ ኣለዉ። ሰዲህኤ እውን ነቲ ብሰንኪ ሽርከነት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ትግራይ ዝወረደ ማህሰይቲ ኮኒኑ፡ “ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ፍልልይ ስለዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።” ዝበሎ ብመንጽርዚ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝሰጋእናዮ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብሰንክዚ ውግእ  ጉድኣት ከም ዘውረደ፡ ኣብ ርእስቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ፡ ነቲ ኣብ ህዝብን ሰብኣዊ ትካላትን ዓለም ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ስደተኛን ካብ መደበራት ወጻእን ዝጸንሑ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝግመቱ ኤርትራውያን መንእሰያት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ወግእ ከምቲ ዝኾኖ እምበር ከምቲ ሃንደስቱ ዝምነይዎ ስለ ዘይከውን ከኣ፡ ብቐጻሊ ሳዕቤን እውን ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጽበዮ ዋጋ ከም ዝህሉ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

እቲ ኣቐዲምና ዝፈለጥናዮን ዝገመትናዮን፡ ንትግራይ ናይ ምንብርካኽ ናይ ኢሳያስን ናይ ኣብይን ኣጀንዳ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ኩነታት ካብ በጸሔ፡ ካብቲ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ኣጀንዳታት ናይዞም ክልተ መራሕቲ ካልእ መስርዑን ግዜኡን ሓልዩ ክገሃድ ግድን ክኸውን እዩ። ካልእ ናይ ሓባር ኣጀንዳ  ዘይነበሮም እንተኾይኑ ከኣ ዋኒኖም ወዲኦም ነናብ ዝነበርዎ ክምለሱ እዮም። እዚ ዘይብሩህ መጻኢ እዩ ከኣ “ኢሳያሰ-ኣብይ፡ ሕጂኸ ናበይ?” ዘብል። ኢሳይስ መንገዲ ዲክታተርነት ዝመረጸን በቲ ዝመርጾ መንገዲ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ከኣ ባዕሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት “ንጉስ ኢትዮጵያ ክትከውን ኢኻ” ዝብል ትንቢት ከም ዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ናይ ኢሳያስን ኣብይን ህርፋን ልዕልናን ፈቓድን ህዝቢ ዘይቅበል፡ ጸረ ዲሞክራሲ እዩ። ምእንቲ ብሓባር ክቕጽሉ፡ ሓዲኦም ሕድገት ክገብሩ ከኣ ባህርያዊ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኮነ ነፍሲ ወከፎም “ደሓን ናይ ሓባር ጸላኢናሞ  ነወግድ፡ ናቱስ ደሓር ከርክበሉ እየ” ዝብል ሕቡእ ሕልሚዶ ደኣ ይህልዎ ይኸውን። ስለዚ ናይቲ “ኢሳያሰ-ኣብይ፡ ሕጂኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ መልሲ ኣብ መጻኢ ሃሰስ እንብሎ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

Last modified on Thursday, 03 December 2020 11:01